ኢሳይያስ 4:1-6

  • ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ (1)

  • እቲ የሆዋ ዜጠጥዖ ግሩም ኪኸውን እዩ (2-6)

4  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሸውዓተ ኣንስቲ ንሓደ ሰብኣይ ኣጽኒዐን ኪሕዛኦ፡+“እንጌራና ኽንበልዕ፡ክዳንና እውን ክንክደን ኢና፣ውርደትና* ኸተርሕቕሲ፡+ብስምካ ኽንጽዋዕ ጥራይ ፍቐደልና” ኺብላኦ እየን። 2  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ የሆዋ ዜጠጥዖ ንጌጽን ንኽብርን ኪኸውን፡ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ሓበንን ጽባቐን እቶም ተረፍ እስራኤል ኪኸውን እዩ።+ 3  ኣብ ጽዮን እተሓድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ኵሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ንህይወት እተጻሕፈ፡ ቅዱስ ኪብሃል እዩ።+ 4  የሆዋ ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን፡*+ ንርስሓት* ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሓጸበ፡+ ንምፍሳስ ደም የሩሳሌም ካብ ማእከላ ምስ ኣጽረየ፡ 5  የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ቦታ ኸረን ጽዮንን ኣብ ልዕሊ ቦታ ኣኼባታታን፡ ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ብሩህ ሃልሃልታ ሓዊ ድማ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ፣+ ኣብ ልዕሊ ኽቡር ዘበለ ዅሉስ መዕቈቢ ኪኸውን እዩ። 6  ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡+ ካብ ሃጽፍን ዝናምን እውን መዕቈብን መዕቀልን ዚኸውን ዳስ ኪህሉ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ዘይተመርዓዋን ውላድ ዘይብለንን ምዃነን ዜምጽኦ ውርደት።
ወይ፡ “ምንጻህን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንቐልቀል።”