ኢሳይያስ 46:1-13

  • ኣብ መንጎ ጣኦታት ባቢሎንን ኣምላኽ እስራኤልን ዘሎ ንጽጽር (1-13)

    • የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ኺነግር ይኽእል (10)

    • ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጽእ ኣሞራ (11)

46  ቤል ይደንን፡+ ኔቦ ይጕምባሕ። ጣኦታቶም ከምቲ ንድኹማት እንስሳታት ጾር ዝዀኖም ኣቕሑ፡ኣብ እንስሳታት፡ ኣብ መጽዓኛታት ይጽዓኑ።+  2  ይጕምብሑን ብሓደ ይደንኑን፣ነቲ ጾር* ኬናግፍዎ ኣይክእሉን እዮም፣ንሳቶም ንርእሶም እውን ናብ ምርኮ ይኸዱ።*  3  “ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኵላትኩም፡+ኣቱም ካብ እትውለዱ ዝደገፍኩኹም፡ ካብ ማሕጸን እውን ዝጾርኩኹም፡ ስምዑኒ።+  4  ክሳዕ እትኣርጉ፡ ኣነ ወትሩ ኣነ እየ፣+ክሳዕ እትሽይቡ፡ ክጾረኩም እየ። ከምቲ ዝገበርክዎ፡ ክስከመኩምን ክጾረኩምን ከናግፈኩምን እየ።+  5  ምእንቲ ኽንመሳሰልሲ፡+ምስ መን ከተመሳስሉኒ፡ ወይ ከተመዓራርዩኒ፡ ወይ ከተወዳድሩኒ ኢኹም፧+  6  ወርቂ ኻብ ማሕፉዳኦም ዜንበሽብሹ ኣለዉ፣ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ። ኣንጠረኛ ይቘጽሩ እሞ፡ ንሱ እውን ንዕኡ ኣምላኽ ይገብሮ።+ ድሕሪኡ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚኡ ይድፍኡ፡ እወ፡ ይሰግዱሉ።+  7  ናብ መንኵቦም የልዕልዎ፣+ጾይሮም ኣብ ቦታኡ የንብርዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ይቐውም። ካብ ቦታኡ ኣይንቀሳቐስን።+ ናብኡ ይምህለሉ፡ ግናኸ ኣይምልሰሎምን፣ንሓደ እኳ ኻብ ጭንቂ ኼናግፍ ኣይክእልን እዩ።+  8  እዚ ዘክሩ፡ ኣጆኹም። ኣቱም ኣበስቲ፡ ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ።  9  ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ፡ ካልእ እውን ከም ዘየልቦ፡እቲ ዝቐደመ* ናይ ጥንቲ ዘክሩ። ኣነ ኣምላኽ* እየ፡ ከማይ ዝበለ ኸኣ የልቦን።+ 10  ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ።+ ‘ውሳነይ* ኪቐውም፡+ባህ ዝበለኒ ድማ ክገብር እየ’ እብል እየ።+ 11  ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ ጸሓይ፡+ውሳነይ* ንዚፍጽም ከኣ ካብ ርሑቕ ሃገር እጽውዕ ኣለኹ።+ ተዛሪበ እየ፡ ከምጽኦ ድማ እየ። ዓሊመ እየ፡ ክፍጽሞ እውን እየ።+ 12  ኣቱም ተረርቲ ልቢ፡*ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሓቕኩም፡ ስምዑኒ። 13  ጽድቀይ ኣቕሪበዮ ኣለኹ፣ርሑቕ ኣይኰነን፣ድሕነተይ እውን ኣይኪድንጕን እዩ።+ ንጽዮን ድሕነት፡ ንእስራኤል ከኣ ግርማይ ክህብ እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ነቶም ኣብ እንስሳታት እተጻዕኑ ጣኦታት።
ወይ፡ “ነፍሳቶም እውን ናብ ምርኮ ይኸዳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቐዳማይ።”
ወይ፡ “እቲ መለኮት።”
ወይ፡ “ዕላማይ፣ ምኽረይ።”
ወይ፡ “ዕላማይ፣ ምኽረይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሓያል ዝልቦም።”