ኢሳይያስ 49:1-26

  • ንጊልያ የሆዋ እተዋህበ ዕዮ (1-12)

    • ብርሃን ኣህዛብ (6)

  • ንእስራኤል እተዋህበ መጸናንዒ (13-26)

49  ኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፣ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘለኹም ኣህዛብ፡ ኣቕልቡ።+ የሆዋ ኸይተወለድኩ* ጸዊዑኒ።+ ካብ ማሕጸን ኣደይ ኣትሒዙ ስመይ ረቚሑ።  2  ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገይርዎ፣ኣብ ጽላል ኢዱ ሓቢኡኒ።+ ስሑል ፍላጻ ገይሩኒ፣ኣብ ጕልድባኡ እውን ከዊሉኒ።  3  “ኣታ እስራኤል፡ንስኻ ግርማይ ዘርእየሉ ጊልያይ ኢኻ” ኢሉኒ።+  4  ኣነ ግና፡ “ንባዶ ጽዒረ። ሓይለይ ንብላሽ፡ ንኸንቱ ወዲአ። ፍርደይ ግና ብርግጽ ምስ የሆዋ እዩ።* ዓስበይ ከኣ ምስ ኣምላኸይ እዩ” ኢለ።+  5  ሕጂ ድማ፡ እቲ ኻብ ማሕጸን ኣትሒዙ ጊልያኡ ገይሩ ዝደኰነኒ የሆዋ፡እስራኤል ናብኡ ኺእከብሲ፡ንያእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ኢሉኒ ኣሎ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ክኸብር እየ፣ኣምላኸይ ከኣ ብርታዐይ ኪኸውን እዩ።  6  “ንነገዳት ያእቆብ ንምትንሳእ፡ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ድማ ንምምላስ፡ጊልያይ ምዃንካ ኣይኣክልን እዩ። ድሕነተይ ክሳብ ወሰናት ምድሪ ምእንቲ ኺበጽሕሲ፡+ብርሃን ኣህዛብ ገይረ እውን ሂበካ ኣለኹ” ድማ ኢሉኒ።+ 7  የሆዋ እቲ ተበጃዊ እስራኤል፡ እቲ ቕዱሱ፡+ ነቲ ንዑቕ፡*+ ነቲ ብኣህዛብ እተፈንፈነ፡ ነቲ ጊልያ ገዛእቲ፡ ከምዚ ይብሎ፦ “ብምኽንያት የሆዋ እቲ እሙን፡+እቲ ዝሓረየካ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡+ነገስታት ኪርእዩን ኪትንስኡን፡መሳፍንቲ ኸኣ ኪሰግዱ እዮም።”  8  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብግዜ ሞገስ* መሊሰልካ፡+ብመዓልቲ ድሕነት ከኣ ረዲአካ እየ።+ ንሰባት ኪዳን ገይረ ኽህበካ፡ንምድሪ ኽትሕድሳ፡ነቲ ዝባደመ ርስቶም ከተረስትዮም ሓልየካ እየ፣+  9  እወ፡ ንእሱራት፡ ‘ውጹ!’ ኽትብል፡+ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ፡+ ‘ተርኣዩ!’ ኽትብል፡ ከምኡ ገይረልካ እየ። ኣብ ጥቓ ጐደናታት ኪምገቡ፡ኣብ ጐድኒ መገድታት* ከኣ መጓሰዪኦም ኪኸውን እዩ። 10  እቲ ዚምሕሮም ኪመርሖም፡+ዓይኒ ማያት ብዘለዎ ኣቢሉ ድማ ኪወስዶም እዩ እሞ፡+ኣይኪጠምዩን፡ ኣይኪጸምኡን እዮም፣+ሃሩር ኣይኬንድዶምን እዩ፡ ወይ ጸሓይ ኣይክትወቕዖምን እያ።+ 11  ንዅሉ ኣኽራነይ፡ መገዲ ኽገብሮ፡ንጐደናታተይ ድማ ልዕል ከብሎ እየ።+ 12  እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ፡+እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፡እዚኣቶም ከኣ ካብ ምድሪ ሲኒም ይመጹ ኣለዉ።”+ 13  የሆዋ ንህዝቡ ኣጸናኒዕዎ፡+ንውጹዓቱ ድማ ምሒርዎም እዩ እሞ፡+ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ፣ ኣቲ ምድሪ፡ ተሓጐሲ።+ ኣኽራን ብእልልታ ይተሓጐስ።+ 14  ጽዮን ግና፡“የሆዋ ሓዲጉኒ፡+ የሆዋ ረሲዑኒ”+ ትብል ኣላ። 15  ሰበይቲዶ ንዚጠቡ ውላዳ ኽትርስዕ ትኽእል እያ፧ ንውላድ ማሕጸናዶኸ ኸይትርሕርሓሉ ትኽእል እያ፧ እዘን ኣንስቲ እዚአን እኳ እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓክን እየ።+ 16  እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ቀሪጸኪ ኣለኹ። መካበብያኺ ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ። 17  ደቅኺ ቐልጢፎም ይምለሱ። እቶም ዘፍረሱኽን ዘጥፍኡኽን ካባኺ ኺርሕቁ እዮም። 18  ኣዒንትኺ ኣልዕሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ። ኵሎም ይእከቡ ኣለዉ።+ ናባኺ ይመጹ ኣለዉ። “ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል የሆዋ፡“ንዅላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡ከምቲ መርዓት እትገብሮ ኸኣ ክትኣስርዮም ኢኺ። 19  ቦታታትኪ ዝጠፍአን ዝባደመን፡ ምድርኺ ድማ ዝዓነወ እኳ እንተ ነበረ፡+ሕጂ በቶም ኣብኡ ዚቕመጡ ኺጸብብ እዩ፣+እቶም ዝወሓጡኺ+ ኸኣ ኪርሕቁ እዮም።+ 20  ውሉዳት ስኢንኪ ኸለኺ እተወልዱ ደቅኺ፡ እናሰማዕኪ፡‘እዚ ቦታ እዚ ጸቢቡኒ። ክቕመጦስ ኣርሕብለይ’ ኪብሉ እዮም።+ 21  ብልብኺ ድማ፡‘ውሉዳተይ ዝሰኣንኩን መኻንንምርኽትን እስርትን ስለ ዝዀንኩ፡ነዚኣቶም ደኣ መን እዩ ዝወለደለይ፧ መንከ ኣዕብይዎም፧+ እንሆ፡ በይነይ እየ ተሪፈ ነይረ፣+እዚኣቶም ደኣ ካበይ መጺኦም፧’” ክትብሊ ኢኺ።+ 22  እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ከልዕል፡ሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ልዕል ከብል እየ።+ ንሳቶም ንኣወዳትኪ ሓቚፎም ኬምጽእዎም፡ንኣዋልድኪ ድማ ኪሕንግርወን እዮም።+ 23  ነገስታት ኣለይትኺ ኪዀኑ እዮም፣+ልዕልትታት ድማ መጕዚታትኪ ኪዀና እየን። ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪ፡+ደሮና ኣእጋርኪ ኸኣ ኪልሕሱ እዮም፣+ንስኺ ድማ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፣እቶም ብኣይ ተስፋ ዚገብሩስ ኣይኪሓፍሩን እዮም።”+ 24  ካብ ጅግናዶ እተታሕዙ ምውሳድ ይከኣል እዩ፧ ምሩኻት ጨቋኒዶኸ ምንጋፍ ይከኣል እዩ፧ 25  የሆዋ ግና ኸምዚ ይብል፦ “ምሩኻት ጅግና እኳ ኺውሰዱ፡+ብጨቋኒ እተታሕዙ ድማ ኪናገፉ እዮም።+ ንዚጻረሩኺ ኽጻረሮም፡+ንደቅኺ ኸኣ ከድሕኖም እየ። 26  ንዚገፍዑኺ ገዛእ ስጋኦም ከብልዖም እየ፣ከም ብጕዕሽ ወይኒ ድማ፡ ብገዛእ ደሞም ኪሰኽሩ እዮም። ኵሎም ሰባት* ከኣ ኣነ የሆዋ፡መድሓኒኽን+ ተበጃዊኽን፡+እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል+ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ካብ ማሕጸን።”
ወይ፡ “የሆዋ ፍትሒ ኺህበኒ እዩ።”
ወይ፡ “ንዑቕ ዝነፍሱ።”
ወይ፡ “ጽቡቕ ፍቓድ።”
ወይ፡ “ኣብ ጐድኒ መገዲ ጻጸ።” ወይ፡ “መላጥ ኵርባታት” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ስጋ።”