ኢሳይያስ 54:1-17

  • እታ መኻን ጽዮን፡ ብዙሓት ውሉዳት ኪህልውዋ እዮም (1-17)

    • የሆዋ፡ ንጽዮን ሰብኣያ (5)

    • ደቂ ጽዮን ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም (13)

    • ኣንጻር ጽዮን እተሰርሐ ኣጽዋር ኪፈሽል እዩ (17)

54  “ደቂ እታ በይና ዘላ፡ካብ ደቂ እታ ምስ ሰብኣይ* ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡+ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ!+ ኣቲ ቕልውላው ዘይሓዛ፡+ ተሓጐሲ፡ እልል እውን በሊ!”+ ይብል የሆዋ።  2  “ቦታ ድንኳንኪ ኣግፍሒ።+ ዓለባታት ድንኳን እቲ ዓብዪ ማሕደርኪ ዘርግሒ። ኣይትግትኢ፡ ኣግማድ ድንኳንኪ ኣንውሒ፣ሽኻላት ድንኳንኪ እውን ኣበርትዒ።+  3  ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ። ዘርእኺ ንኣህዛብ ኪወርሶም፡ነተን ዝባደማ ኸተማታት ድማ ኪነብረን እዩ።+  4  ኣይክትሓንክን ኢኺ እሞ፡+ ኣይትፍርሂ፣+ኣይክትሓፍርን ኢኺ እሞ፡ ውርደት ኣይሰማዕኪ። ሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ውርደት ምብልውናኺ ኸኣ ደጊም ኣይክትዝክርን ኢኺ።”  5  “እቲ ዓብዪ ገባሪኺ+ ኸም ሰብኣይኪ* እዩ፣+ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ፣እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ተበጃዊኺ እዩ።+ ንሱ ኣምላኽ ብዘላ ምድሪ ኺብሃል እዩ።+  6  የሆዋስ ሕድግትን ጕህይትን* ሰበይቲ ኸም ዝዀነት፡+ብንእስነታ ተመርዕያስ ደሓር ከም እተገድፈት ሰበይቲ ገይሩ ጸዊዑኪ” ይብል ኣምላኽኪ።  7  “ንሓጺር ህሞት ሓዲገኪ ነይረ፣ብዓብዪ ምሕረት ግና ክእክበኪ እየ።+  8  ብዕልቕልቕ ቍጥዓ ንቕጽበት ገጸይ ካባኺ ሓቢአ ነይረ፣+በቲ ዘለኣለማዊ ዝዀነ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ግና ክምሕረኪ እየ”+ ይብል እቲ ተበጃዊኺ+ የሆዋ።  9  “እዚ ንዓይ ከም ዘመን ኖህ እዩ።+ ከምቲ ማያት ኖህ ንምድሪ ኸም ዘይከድና ዝመሓልኩ፡+ከምኡ ድማ ከም ዘይቍጥዓክን ከም ዘይገንሓክን እምሕል ኣለኹ።+ 10  ኣኽራንሲ ይለግሱ፡ኵርባታት ድማ ይናወጹ ይዀኑ፡ብተኣማንነት ዘርእየኪ ፍቕረይ ግና ካባኺ ኣይኬልግስን፡+ኪዳን ሰላመይ እውን ኣይኪናወጽን እዩ”+ ይብል እቲ ዚምሕረኪ የሆዋ።+ 11  “ኣቲ ውጽዕትን+ ብህቦብላ እተደፍአትን ዘይተጸናንዐትን፡+ኣእማንኪ ምስ ጽኑዕ ጭቃ መንደቕ፡መሰረትኪ ኸኣ ምስ ሰፊሮስ ከንብር እየ።+ 12  ንመጋረዲታትኪ ብሮቢኖስ፡ንኣፍ ደገታትኪ ብዜብለጭልጭ ኣእማን፡*ንዅሉ ዶባትኪ ድማ ብኽቡራት ኣእማን ክገብሮ እየ። 13  ኵሎም ደቅኺ ብየሆዋ ኺምሃሩ እዮም፣+ሰላም ደቅኺ እውን ብዙሕ ኪኸውን እዩ።+ 14  ኣብ ጽድቂ ብጽኑዕ ክትስረቲ፡+ካብ ጭቈና ድማ ክትርሕቂ ኢኺ፣+ገለ እኳ ኣይክትፈርህን፡ ሓደ እኳ ኣይኬሸብረክን እዩ። እዝስ ኣይኪቐርበክን እዩ።+ 15  ዜጥቅዓኪ እንተሎ፡ብትእዛዘይ ኣይኰነን። ንዓኺ ዜጥቅዕ ዘበለ ብሰርኺ ኺወድቕ እዩ።”+ 16  “እንሆ፡ ነቲ ንፈሓም ነፊሑ ዜጕህሮ፡ብዕዮኡ ኸኣ ኣጽዋር ዜፍሪኢደ ጥበበኛ ኣነ እየ ፈጢረዮ። ነቲ ዜዕኑ መጥፍኢ ዝፈጠርክዎ እውን ኣነ እየ።+ 17  ኵሉ እቲ ኣንጻርኪ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ፣+ንዅሉ እቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ልሳን ድማ ክትኵንንዮ ኢኺ። እዚ፡ ርስቲ ገላዉ የሆዋ እዩ፣ጽድቆም እውን ካባይ እዩ” ይብል የሆዋ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጐይታ።”
ወይ፡ “ጐይታኺ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሳ እተጐድአ።”
ወይ፡ “ኣእማን ሓዊ።”