ኢሳይያስ 60:1-22
60 “ብርሃንኪ መጺኡ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡+ ብርሂ።
ክብሪ የሆዋ ኣባኺ በሪሁ እዩ።+
2 እንሆ፡ ጸልማትሲ ንምድሪ፡ብርቱዕ ድነ እውን ንኣህዛብ ኬጐልብቦም እዩ፣ኣባኺ ግና የሆዋ ኼብርህ፡ኣባኺ ኸኣ ክብሩ ኺርአ እዩ።
3 ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡+ነገስታት+ ድማ ናብቲ ዚበርህ ግርማኺ*+ ኪኸዱ እዮም።
4 ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ!
ኵሎም ተኣኪቦም፡ ኵሎም እውን ናባኺ ይመጹ ኣለዉ።
ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡+ኣዋልድኪ ኸኣ ኣብ ጐድኒ ተሓቚፈን ይመጹ ኣለዉ።+
5 ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኬቕንዕ፡ጥሪት ኣህዛብ ድማ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡+ሽዑ፡ ክትርእዪ፡ ከተንጸባርቒ ኢኺ፣+ልብኺ እውን ትርግርግ ኪብልን ኪጅርብብን እዩ።
6 ብዙሓት ኣግማል፡ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ዔፋን+ ንምድርኺ ኪኸድናኣ* እየን።
ኵሎም እቶም ካብ ሳባ ዝዀኑ፡ ኪመጹ እዮም፣ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ኪስከሙ እዮም።
ውዳሰ የሆዋ ኺነግሩ እዮም።+
7 ኵለን መጓሰ ቄዳር+ ናባኺ ኺእከባ እየን።
ደዓውል ነባዮት+ ኬገልግሉኺ እዮም።
ተቐባልነት ረኺቦም ናብ መሰውእየይ ኪመጹ እዮም፣+ነታ ኽብርቲ ቤተይ* ድማ ከጸብቓ እየ።+
8 እዘን ከም ደበናታትን ናብ ኣባይተን* ከም ዚነፍራ ረገቢትንብሓባር ዚነፍራ መን እየን፧
9 ደሴታትሲ ብኣይ ተስፋ ኺገብራ እየን፣+ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ፡ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ኬምጽኣ+መራኽብ ተርሲስ ይመርሓ* ኣለዋ፣ንሱ ኬኽብረኪ* እዩ እሞ፡ናብ ስም የሆዋ ኣምላኽክን ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኬምጽኣኦም እየን።+
10 ብቝጥዓይሲ ወቒዐኪ ነይረ፣ብሞገሰይ* ግና ክምሕረኪ እየ እሞ፡+ጓኖት መካበብያኺ ኺሃንጹ፡ነገስታቶም ድማ ኬገልግሉኺ እዮም።+
11 ኣፍ ደገታትኪ ወትሩ ኽፉት ኪኸውን እዩ፣+ጥሪት ኣህዛብ ናባኺ ምእንቲ ኺመጽእሲ፡ብመዓልቲ ዀነ ብለይቲ ኣይኪዕጾን እዩ፣ነገስታቶም ከኣ መሪሖም ኪመጹ እዮም።+
12 ከመይሲ፡ ንዓኺ ዘየገልግል ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ኣህዛብ እውን ፈጺሞም ኪጠፍኡ እዮም።+
13 ንቦታ መቕደሰይ ምእንቲ ኼጸብቖ፡+ክብሪ ሊባኖስን ኦም ጽሕድን* ኦም ልብኒን* ጽሕዲ ቆጵሮስን+ብሓባር ኪመጸኪ እዩ፣ኣነ ድማ ነታ ንኣእጋረይ እትኸውን ቦታ ከኽብራ እየ።+
14 ደቂ ጨቈንትኺ መጺኦም ኣብ ቅድሜኺ ኺሰግዱ፡ኵሎም እቶም ዚንዕቁኺ ኸኣ ኣብ ኣእጋርኪ ኺሰግዱ እዮም።
ከተማ የሆዋ፡ ጽዮን እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስኢሎም ኪጽውዑኺ እዮም።+
15 ሓደ እኳ ዘይሓልፋ እተሓድገትን እተጸልአትን ኣብ ክንዲ እትዀኒ፡+ምንጪ ዘለኣለማዊ ሓበን፡ንውሉድ ወለዶ መሐጐሲት ክገብረኪ እየ።+
16 ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡+ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ፣+ኣነ የሆዋ፡ መድሓኒኺ ምዃነይ፡እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ተበጃዊኺ ምዃኑ ብርግጽ ክትፈልጢ ኢኺ።+
17 ኣብ ክንዲ ነሓሲ፡ ወርቂ ኸምጽእ፡ኣብ ክንዲ ሓጺን ከኣ፡ ብሩር፡ኣብ ክንዲ ዕንጨይቲ ድማ፡ ነሓሲ፡ኣብ ክንዲ ኣእማን እውን፡ ሓጺን ከምጽእ እየ፣ንሰላም ሓለውትኺ ገይረ፡ንጽድቂ ኸኣ ኣዕየይትኺ ገይረ ኽሸይም እየ።+
18 ኣብ ምድርኺ ዓመጻ፡ኣብ ዶባትኪ ድማ ጥፍኣትን ዕንወትን ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።+
ንመካበብያኺ ድሕነት፡+ ንኣፍ ደገታትኪ ኸኣ ውዳሰ ኢልኪ ኽትጽውዕየን ኢኺ።
19 የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+ኣምላኽኪ ድማ ጽባቐኺ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃን ኣይክትኰነልክን እያ፣ድምቀት ወርሒ ኸኣ ኣይኬብርሃልክን እዩ።
20 የሆዋ ዘለኣለማዊ ብርሃን ኪዀነልኪ፡+መዓልትታት ሓዘንኪ ድማ ኪውድኣ እየን እሞ፡+ጸሓይኪ ደጊም ኣይክትዓርብን፡ወርሕኺ እውን ኣይክትጐድልን እያ።
21 ኵሎም ህዝብኺ ኸኣ ጻድቃን ኪዀኑ፡ነታ ምድሪ ድማ ንዘለኣለም ኪርስተይዋ እዮም።
ንሳቶም ናይቲ ዝተኸልክዎ ጠጥዒ፡ግብሪ ኣእዳወይ፡+ ንጽባቐይ እውን ዚዀኑ እዮም።+
22 እቲ ሒደትሲ ሽሕ፡እቲ ንእሽቶ ኸኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ።
ኣነ የሆዋ ነዚ ብግዜኡ ኸፍጥኖ እየ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ብርሃን ወጋሕታኺ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ንዓኺ ኪኸድናኺ።”
^ ወይ፡ “ነታ ናይ ጽባቐ ቤተይ።”
^ ወይ፡ “ናብ መሳዅቲ ኣባይቲ ዑፍ።”
^ ወይ፡ “ከም ቀደመን ይዀና።”
^ ወይ፡ “ኼጸብቐኪ።”
^ ወይ፡ “ብጽቡቕ ፍቓደይ።”
^ ወይ፡ “ተርሚንን።”
^ ወይ፡ “ፍራሲኖን።”