ኢሳይያስ 64:1-12

  • ጸሎት ንስሓ ይቕጽል (1-12)

    • የሆዋ፡ “ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ” (8)

64  ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ኼንቀጥቅጡስ፡ሰማያት ጨንዲሕካ እባ እንተ ትወርድ!  2  ሓዊ ንቐሸም ከም ዜንድዶ፡ሓዊ ድማ ንማይ ከም ዜፍልሖ፡ሽዑ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምተፈልጠ፡ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ምበሉ!  3  ዘይተጸበናዮ ዜፍርህ ነገር ምስ ገበርካ፡+ወረድካ፡ ኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ።+  4  ምእንቲ እቶም ዚጽበይዎ* ዚገብር ኣምላኽሲ+ብዘይካኻ ኻብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፡ ጽን ኣይተባህለን፡ዓይኒ እውን ኣይረኣየትን።  5  ነቶም ተሓጒሶም ቅኑዕ ዚገብሩ፡+ነቶም ዚዝክሩኻን መገድታትካ ዚስዕቡን ተቐበልካዮም። እንሆ፡ ክንሓጥእ ከለና፡ ተቘጣዕካ፣+ንነዊሕ ግዜ ኸምኡ ገበርና። ሕጅስ ክንድሕንዶ ይግብኣና እዩ፧  6  ኵላትና ኸም ርኹስ ኴንና ኣለና፣ኵሉ ተግባራት ጽድቅና ኸኣ ከም ክዳን ጻግነ እዩ።+ ኵላትና ኸም ቈጽሊ ኽንጽምሉ ኢና፣ስሕተትና ድማ ከም ንፋስ ኪወስደና እዩ።  7  ገጽካ ኻባና ሓቢእካ ኣለኻ፡+ብሰሪ* ስሕተትና ኸኣ ተማህምነና* ኣለኻ እሞ፡ስምካ ዚጽውዕ የልቦን፣ንዓኻ ኺሕዝ ኢሉ ዚለዓዓል እውን የልቦን።  8  ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ።+ ንሕና ኻይላ ኢና፣ ንስኻ ዝገበርካና ሰራሕ ካይላ* ኢኻ፣+ኵላትና ግብሪ ኢድካ ኢና።  9  ኦ የሆዋ፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፣+ስሕተትና ንዘለኣለም ኣይትዘክር። ኵላትና ህዝብኻ ኢና እሞ፡ በጃኻ ተመልከተና። 10  እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን ኣለዋ። ጽዮን በረኻ ዀይና ኣላ። የሩሳሌም ባዲማ ኣላ።+ 11  እታ ኣቦታትና ንዓኻ ዝወደሱላናይ ቅድስናን ክብርን* ቤትና*ብሓዊ ነዲዳ ኣላ፣+ኵሉ እቲ ኣኽቢርና እንርእዮ እውን ዓንዩ ኣሎ። 12  ኣብዚ ዅሉስ፡ ኦ የሆዋ፡ ንርእስኻዶ ኽትገትእ ኢኻ፧ ስቕዶ ኽትብል ኢኻ፧ እምብዛ ኽንውጻዕዶኸ ኽትሓድገና ኢኻ፧+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብትዕግስቲ ዚጽበይዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ተምክኸና።”
ቃ.ቃ.፡ “ብኢድ።”
ወይ፡ “ሰራሒና፣ ደኳኒና።”
ወይ፡ “ጽባቐን።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስና።”