ኢሳይያስ 65:1-25
65 “ዘይሓተቱለይ ኪደልዩኒ ፈቒደ፣ዘይደለዩኒ ድማ ኪረኽቡኒ ፈቒደ።+
ስመይ ንዘይጽውዕ ህዝቢ፡ ‘እነኹ፡ እነኹ!’ ኢለዮም።+
2 ንነቓጽ ህዝቢ፡+ነቲ ሓሳብ ርእሱ ስዒቡ ጽብቕቲ ብዘይኰነት መገዲ ዚመላለስ፡+ምሉእ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጊሐሉ፣+
3 ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ብምስዋእን+ ኣብ ሕጡባት ብምዕጣንንደጋጊሞም ኣብ ገጸይ ንዘዀረዩኒ ህዝቢ ኸምኡ ገይረሎም።+
4 ኣብ መንጎ መቓብራት ይቕመጡ፣+ኣብ ሕቡእ ቦታታት* ይሓድሩ፣ስጋ ሓሰማ ይበልዑ፣+መረቕ ፍንፉን* ነገር ድማ ኣብ ኣቕሑኦም ኣሎ።+
5 ‘ኣነ ኻባኻ ብዝያዳ ቕዱስ እየ እሞ፡*ርሓቕ፣ ኣይትቕረበኒ’ ይብሉ።
እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፡ ምሉእ መዓልቲ ዚነድድ ሓዊ እዮም።
6 እንሆ፡ ኣብ ቅድመይ ተጻሒፉ ኣሎ፣ክፈድዮም እየ እምበር፡+ኣይክዓርፍን እየ፣መስፈሪ መሊአ* ኽፈድዮም እየ፣
7 ንስሕተቶምን ንስሕተት ኣቦታቶምን ብሓንሳእ ገይረ ኽፈድዮም እየ”+ ይብል የሆዋ።
“ኣብ ኣኽራን ስለ ዝዓጠኑ፡ኣብ ኵርባታት ድማ ስለ ዝጸረፉኒ፡+ቅድም ምሉእ* ዓስቦም ክሰፍረሎም እየ።”
8 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ከምቲ ጕዕሽ ወይኒ ኻብ ዘለላ ወይኒ ዚርከብ እሞ፡‘ጽቡቕ ነገር* ኣለዎ እሞ፡ ኣይተጥፍእዎ’ ዚብሃል፡ምእንቲ ገላዎይ ከምኡ ኽገብር እየ፣ንዅላቶም ኣይከጥፍኦምን እየ።+
9 ካብ ያእቆብ ዘርኢ፡ካብ ይሁዳ ኸኣ ወራስ ኣኽራነይ ከውጽእ እየ፣+ሕሩያተይ ኪርስተይዋ፡ገላዎይ ድማ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።+
10 ነቲ ዚደልየኒ ህዝበይ ከኣ፡ሳሮን+ መጓሰዪ ኣባጊዕ፡ስንጭሮ* ዓኮር+ እውን መዕረፍ ከብቲ ኪኸውን እዩ።
11 ንስኻትኩም ግና ካብቶም ንየሆዋ ዚሓድጉ፡+ካብቶም ንቕዱስ ከረነይ ዚርስዑ፡+ካብቶም ንኣምላኽ ጽቡቕ ዕድል መኣዲ ዚሰርዑ፡ካብቶም ንኣምላኽ ጽሕፍቶ ጽዋኣት እተሓዋወሰ ወይኒ ዚመልኡ ኢኹም።
12 ስለዚ፡ ንሰይፊ ኽምድበኩም እየ፣+ኵላትኩም ከኣ ንማሕረዲ ኽትጕምብሑ ኢኹም፣+ከመይሲ፡ ጸዊዐ፡ ኣይመለስኩምን፡ተዛሪበ፡ ኣይሰማዕኩምን፣+ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ዘበለ ጌርኩም፡ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሓሪኹም ኢኹም።”+
13 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ ገላዎይ ኪበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም።+
እንሆ፡ ገላዎይ ኪሰትዩ፡+ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም።
እንሆ፡ ገላዎይ ኪሕጐሱ፡+ ንስኻትኩም ግና ክትሓፍሩ ኢኹም።+
14 እንሆ፡ ገላዎይ ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ እዮም፣ንስኻትኩም ግና ብሰንኪ ስቓይ ልቢ ኽትግዕሩ፡ብሰንኪ ስቡር መንፈስ ድማ ዋይዋይ ክትብሉ ኢኹም።
15 ሕሩያተይ ንመራገሚ ዚገብርዎ ስም ክትሓድጉ ኢኹም፣እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍኩም ኪቐትለኩም እዩ፣ንገላዉኡ ግና ብኻልእ ስም ኪጽውዖም እዩ።+
16 በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ምድሪ ንርእሱ በረኸት ዚደሊ ዘበለ፡ብኣምላኽ ሓቂ* ኺባረኽ፡ኣብ ምድሪ ዚምሕል ዘበለ ድማ፡ብኣምላኽ ሓቂ* ኺምሕል እዩ።+
እቲ ናይ ቀደም ጭንቅስ* ኪርሳዕ፡ካብ ኣዒንተይ ከኣ ኪኽወል እዩ።+
17 እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን እፈጥር ኣለኹ፣+እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን፡ኣብ ልቢ እውን ኣይኪመጽእን እዩ።+
18 እንሆ፡ የሩሳሌም ንሓጐስ፡ህዝባ ድማ ንፍስሃ እፈጥር ኣለኹ እሞ፡በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ዘለኹ ተፈስሁ፡ ንዘለኣለም እውን ተሓጐሱ።+
19 ብየሩሳሌም ክሕጐስ፡ ብህዝባ ኸኣ ክፍሳህ እየ፣+ደሃይ ብኽያት ኰነ ኣውያት ጭንቂ ኣብኣ ደጊም ኣይኪስማዕን እዩ።”+
20 “ሒደት መዓልትታት ጥራይ ዚነብር ሕጻን ኰነ፡ምሉእ ዕድሚኡ ዘይነብር ኣረጊት ኣብኣ ኣይኪርከብን እዩ፣ከመይሲ፡ ሚእቲ ዓመት ገይሩ ዚመውት ብንእስነቱ ኸም ዝሞተ ኪቝጸር እዩ፣ሓጥእ ድማ ሚእቲ ዓመት እኳ እንተ ገበረ፡ ኪርገም እዩ።*
21 ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣+ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም።+
22 ካልኦት ኪነብሩሉ ኢሎም ኣባይቲ ኣይኪሃንጹን፡ካልኦት ኪበልዕዎ ኢሎም ከኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።
ዕድመ ህዝበይሲ ኸም ዕድመ ኦም ኪኸውን እዩ፣+ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።
23 ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን፡+ንጭንቂ ኸኣ ደቂ ኣይኪወልዱን እዮም፣ከመይሲ፡ ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብየሆዋ እተባረኹ እዮም፣+ውሉዳቶም እውን ምሳታቶም።+
24 ከይጸውዑ እኳ ኽምልሰሎም፡ገና ኺዛረቡ ኸለዉ ድማ ክሰምዖም እየ።
25 ተዅላን ዕየትን ብሓደ ኺበልዑ እዮም፣ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ፡+ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ።
ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን፡ ኣይኬጥፍኡን እዮም”+ ይብል የሆዋ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መሐለዊ ጎጆታት” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ርኹስ።”
^ ወይ፡ “ኣነ ቕድስናይ ከሕልፈልካ እየ እሞ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቝፎም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ሕቝፎም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “በረኸት።”
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
^ ወይ፡ “ተኣማንነት።” ቃ.ቃ.፡ “ኣሜን።”
^ ወይ፡ “ተኣማንነት።” ቃ.ቃ.፡ “ኣሜን።”
^ ወይ፡ “ሽግርሲ።”
^ ወይ፡ “እቲ ሚእቲ ዓመት ዘይመልኦ ኸኣ ከም እተረግመ ኪቝጸር እዩ” ኪኸውን ይኽእል።