ኢሳይያስ 9:1-21
9 ግናኸ፡ እቲ ድነ ኸምቲ እታ ሃገር ኣብ ጭንቂ ዝነበረትሉ፡ ከምቲ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን ዚንዓቓሉ ዝነበራ ናይ ቀደም ግዜ ኣይኪኸውንን እዩ።+ ኣብ ዳሕራይ ግዜ ግና፡—ንመገዲ ባሕሪ፡ ኣብ ዞባ ዮርዳኖስ፡ ንናይ ኣህዛብ ገሊላ፡—ኬኽብራ እዩ።
2 እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ህዝቢ፡ዓብዪ ብርሃን ርእዩ።
ነቶም ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ጽላሎት ዚነብሩ፡ብርሃን በሪሁሎም።+
3 ነቲ ህዝቢ ኣብዚሕካዮ፣ንሓጐሱ ኣዕቢኻዮ።
ከምቶም ብግዜ ቐውዒ ዚሕጐሱ፡ከምቶም ብታሕጓስ ምርኮ ዚማቐሉ ህዝቢ፡ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ።
4 ከመይሲ፡ ከም ብመዓልቲ ሚድያን፡ንኣርዑት ጾሮምን ንበትሪ መንኵቦምንንሻቦጥ ኣዕያይኦምን ሰባቢርካ ኣለኻ።+
5 ኪስጕም ከሎ ንምድሪ ዜንቀጥቅጥ ዘበለ ዅሉ ነዊሕ ሳእንንብደም ዝጠልቀየ ዅሉ ኽዳንን፡ሓዊ ኺበልዖ እዩ።
6 ውሉድሲ ተወሊዱልና፣+ወዲ ተዋሂቡና፣ግዝኣት* ከኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ።+
ስሙ ድማ ግሩም መኻሪ፡+ ብርቱዕ ኣምላኽ፡+ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪብሃል እዩ።
7 ብፍትሕን+ ብጽድቅን+ካብ ሕጂ ንዘለኣለምምእንቲ ኺስርታን ኬጽንዓን፡+ኣብ ዝፋን ዳዊትን+ ኣብ መንግስቱንሲ፡ንዕቤት ግዝኣቱንንሰላሙን መወዳእታ ኣይኪህልዎን እዩ።+
ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ።
8 የሆዋ ኣንጻር ያእቆብ ቃል ሰዲዱ፣እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጺኡ።+
9 ኵሎም እቶም ህዝቢ፡—ኤፍሬምን ነበርቲ ሰማርያን፡—ከኣ ኪፈልጥዎ፡ብትዕቢቶምን ብድርቅና ልቦምን ድማ ከምዚ ኺብሉ እዮም፦
10 “ሕጡባት ፈሪሱ፣ግናኸ፡ ብውቑር እምኒ ኽንሃንጽ ኢና።+
ኣእዋም ሳግላ ተቘሪጹ፣ግናኸ፡ ብቄድሮሳት ክንትክኦ ኢና።”
11 የሆዋ ንረጺን፡ ንተጻረርቱ ኣብ ልዕሊኡ ኼተንስኣሉ፡ንጸላእቱ እውን ንተግባር ኬለዓዕሎም እዩ።
12 ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡*+ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ኪውሕጥዎ እዮም።+
ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+
13 እቶም ህዝብስ ናብቲ ዚወቕዖም ኣይተመልሱን፣ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን።+
14 የሆዋ ድማ ካብ እስራኤል፡ርእስን ጭራን፡ ጨንፈርን ሰትን* ብሓንቲ መዓልቲ ኪቘርጽ እዩ።+
15 እቲ ሽማግለን እቲ ሕፉርንሲ ርእሲ፡እቲ ሓሶት ዚምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።+
16 እቶም ነዞም ህዝቢ እዚኦም ዚመርሕዎም፡ የስሕትዎም፡እቶም ዚምርሑ ኸኣ፡ ይደናገሩ ኣለዉ።
17 ኵላቶም ከሓድትን ገበርቲ እከይን እዮም፡+ኵሉ ኣፍ ድማ ዕሽነት ይዛረብ ኣሎ እሞ፡ስለዚ፡ የሆዋ ብኣጕባዞም ኣይኪሕጐስን፡ንዘኽታማቶምን* ንመበለታቶምን ድማ ኣይኪምሕርን እዩ።
ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+
18 እከይሲ ኸም ሓዊ ይነድድ፡ኣሻዅ ቈጥቋጣትን ጻህያይን ድማ ይበልዕ እዩ።
ንጣሻ ዱር ኬባርዖ፡ዑብ ዚብል ትኪ ዀይኑ ኸኣ ኪዓርግ እዩ።
19 ብነድሪ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡እታ ምድሪ ኽትባራዕ፡እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ሓዊ ነዳዲ ኪዀንዎ እዮም።
ዋላ ሓደ ንሓዉ እኳ ኣይኪንሕፍን እዩ።
20 ገሊኡ ኸኣ ብየማን ኪቘርጽ፡ግናኸ ኺጠሚ እዩ፣ገሊኡ ድማ ብጸጋም ኪበልዕ፡ግናኸ ኣይኪጸግብን እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ካብ ቅልጽሙ ስጋ ኺበልዕ እዩ፣
21 ምናሴ ንኤፍሬም፡ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ኺበልዖ እዩ።
ብሓደ ድማ ኣንጻር ይሁዳ ኪዀኑ እዮም።+
ምስናይዚ ዅሉ፡ ቍጥዓኡ ኣይተመልሰን፣ኢዱ እውን ገና ኽትወቅዕ ተዘርጊሓ ኣላ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “መንግስቲ፣ መስፍናዊ ግዝኣት።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ካብ ድሕሪት።”
^ ወይ፡ “ጨንፈር ስየን ሻምብቆን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሎም ደቆምን።”