ኣሞጽ 2:1-16

  • ስለ ተደጋጋሚ በደል እተፈርደ ፍርድታት (1-16)

    • ሞኣብ (1-3)፡ ይሁዳ (4, 5)፡ እስራኤል (6-16)

2  “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘“ንሱ ንኣዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም ኖራ ኪኸውን ኢሉ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፡ስለ ሰለስተ በደል* ሞኣብ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።   ስለዚ፡ ናብ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንእተዓርደ ግምብታት ቄሪዮት ከኣ ኪበልዖ እዩ፣+ሞኣብ ኣብ መንጎ ዕግርግር፡ብጭድርታ ውግእን ብደሃይ መለኸትን ኪመውት እዩ።+   ንገዛኢ* ኻብ ማእከላ ኸልግሶ፡ንዅሎም መሳፍንታ ድማ ምስኡ ክቐትሎም እየ”+ ይብል የሆዋ።’   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሕጊ* የሆዋ ነጺጎም፡ስርዓታቱ እውን ኣይሓለዉን፡+የግዳስ፡ እቲ ኣቦታቶም ዝሰዓብዎ ሓሶት ኣስሒትዎም እዩ እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል ይሁዳ፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።   ስለዚ፡ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፣ንእተዓርደ ግምብታት የሩሳሌም ከኣ ኪበልዖ እዩ።’+   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንጻድቕ ብብሩር፡ንድኻ ድማ ብጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም እሞ፡+ስለ ሰለስተ በደል እስራኤል፡+ ድማ ስለ ኣርባዕተ፡ ኣይክመልሶን እየ።   ኣራእስ ትሑታት ኣብ ሓመድ ምድሪ ረጊጾም፡+መገዲ ዓቃላት እውን ዓጽዮም እዮም።+ ሰብኣይን ኣቦኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ኣትዮም፡ነቲ ቕዱስ ስመይ ከኣ ኣርኪሶምዎ እዮም።   ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፡+ ብትሕጃ ኣብ ዝወሰድዎ ኽዳውንቲ በጥ ይብሉ፣+እቲ ኣብ ቤት* ኣማልኽቶም ዚሰትይዎ ወይኒ ድማ ካብቶም ብመቕጻዕቲ ዘኽፈልዎም እተረኽበ እዩ።’   ‘ግናኸ፡ ነቲ ኸም ቄድሮስ ዝቝመቱን ከም ገዚፍ ኦም ዝብርታዐኡንኣሞራዊ ኻብ ቅድሚኦም ዘጥፋእክዎ ኣነ እየ፣+ንፍሪኡ ኻብ ላዕሊ፡ ንሰራውሩ ኻብ ታሕቲ ኣጥፊአዮ።+ 10  ካብ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣውጺአኩም፣+ንምድሪ እቲ ኣሞራዊ ኽትርስተዩ ኸኣ፡40 ዓመት ብበረኻ መሪሐኩም።+ 11  ካብ ደቅኹም ነብያት፡+ካብ ኣጕባዝኩም ድማ ናዝራውያን ኣተንሲአ።+ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ከምኡ ደይኰነን፧’ ይብል የሆዋ። 12  ‘ንስኻትኩም ግና ንናዝራውያን ኪሰትዩስ ወይኒ መመሊስኩም ሂብኩምዎም፡+ንነብያት ከኣ “ኣይትነበዩ” ኢልኩም ኣዚዝኩምዎም።+ 13  ስለዚ፡ ከምቲ ዕጹድ እኽሊ እተጻዕነት ሰረገላ ኣብ ትሕቲኣ ንዘሎ እትጭፍልቖ፡ኣነ እውን ኣብ ቦታኹም ክጭፍልቐኩም እየ። 14  ፈጣን ዚሃድመሉ ኣይኪህልዎን፡+ብርቱዕ ከኣ ሓይሊ ኣይኪተርፎን፡ጅግና ድማ ምስ ህይወቱ* ኣይኬምልጥን እዩ። 15  ቀስተኛ ኣብ መትከሉ ደው ኣይኪብልን፡ፈጣን ዝእግሩ ኸኣ ኣይኬምልጥን፡ፈረሰኛ ድማ ምስ ህይወቱ* ኣይኬምልጥን እዩ። 16  ካብቶም ጀጋኑ እቲ ኣዝዩ ተባዕ ዝዀነ እኳ፡*በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራዩ ኺሃድም እዩ’+ ይብል የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ገበን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንፈራዲ።”
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “እቶም ተባዕ ዝልቦም እኳ።”