ኣሞጽ 4:1-13

  • ኣንጻር ኣሓ ባሳን እተዘርበ መልእኽቲ (1-3)

  • የሆዋ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ እስራኤል ኣስተናዓቖ (4, 5)

  • እስራኤል ተግሳጽ ምቕባል ኣበየ (6-13)

    • “ንኣምላኽካ ኽትረኽቦ ተዳሎ” (12)

    • ‘ኣምላኽ ንሰብ ሓሳባቱ ይነግሮ’ (13)

4  “ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ+ ዘለኽን ኣሓ ባሳን፡ኣትን ንትሑታት እትዕምጻን+ ንድኻታት እትጭፍልቓን፡ንሰብኡትክን* ከኣ፡ ‘ዚስተ ኣምጽኡልና’ እትብላ፡እዚ ቓል እዚ ስምዓ።   እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብቕድስናኡ ምሒሉ ኣሎ፦ ‘“እንሆ፡ ንሱ ብዓንቃሪቦ ሓራድ ስጋ፡ካባኻትክን ዝተረፋ ድማ ብመቝለብ ዓሳ ዜልዕለለን መዓልትታት ኣባኻትክን ይመጻ ኣለዋ።   ነፍሲ ወከፍክን ትኽ ኢልክን በቲ ኣብ መካበብያ ዚህሉ ፍሩሳት ክትወጻ ኢኽን፣ናብ ሃርሞን ከኣ ክትድርበያ ኢኽን” ይብል የሆዋ።’   ‘ናብ ቤት-ኤል ንዑ እሞ ኣብሱ፣*+ኣብ ጊልጋል እውን ብዝያዳ ኣብሱ!+ ንግሆ መስዋእትኹም፡+ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዕሽርኩም+ ኣምጽኡ።   ካብ ዝበዅዐ እንጌራ መስዋእቲ ምስጋና ኣሕርሩ፣+መስዋእቲ ፍታውኩም ዓው ኢልኩም ኣውጁ! ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ምግባር ኢኹም እትፈትዉ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።   ‘ኣነ ኸኣ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ንኣስናንኩም ካብ ምግቢ ኣጽርየዮ፣*ኣብ ኵለን ኣባይቲ እውን እንጌራ ኸም ዚስኣን ገይረ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።   ‘ኣነ ድማ ንቐውዒ ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዎ ኸሎ፡ ዝናም ከሊአኩም፣+ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኣዝኒመስ፡ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓንቲ ግራት ዘኒሙስ፡እታ ዘይዘነማ ሓንቲ ግራት ግና ነቒጻ።   ህዝቢ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኸተማ ማይ ኪሰትዩ ሰንከልከል እናበሉ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸይዶም፣+ግናኸ፡ ኣይረወዩን፣ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።   ‘ብሃጕን ብዋግን ወቒዐኩም።+ ስፍራ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣብዚሕኩም፣ግናኸ፡ ንኣእዋም በለስኩምን ንኣእዋም ኣውልዕኩምን ኣንበጣ በሊዕዎ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ። 10  ‘ከምቲ ናይ ግብጺ ዝዀነ ለበዳ ሰዲደልኩም።+ ንኣጕባዝኩም ብሰይፊ ቐቲለዮም፡+ ንኣፍራስኩም እውን ማሪኸዮም።+ ነቲ ሕማቕ ጨና ሰፈርኩም ናብ ኣፍንጫኹም ኣደይበዮ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’ ይብል የሆዋ። 11  ‘ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ዝገልበጠን፡+ኣብ መንጎኹም እውን ገልቢጠ። ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንዝዐ እያድ ኔርኩም፣ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ። 12  ስለዚ፡ ኣታ እስራኤል፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ። ኣታ እስራኤል፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ንኣምላኽካ ኽትረኽቦ ተዳሎ። 13  እንሆ፡ ንሱስ ኣኽራን ዝገበረን+ ንፋስ ዝፈጠረን እዩ፣+ንሰብ ድማ ሓሳባቱ እንታይ ምዃኑ ይነግሮ፣ንወጋሕታ ኸኣ ናብ ጸልማት ይልውጦ፣+ኣብ በረኽቲ ምድሪ እውን ይረግጽ፣+ስሙ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንጐይተትክን።”
ወይ፡ “ዕለዉ።”
ወይ፡ “ዚብላዕ ኣይሃብኩኹምን።”