ኣሞጽ 4:1-13
4 “ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ+ ዘለኽን ኣሓ ባሳን፡ኣትን ንትሑታት እትዕምጻን+ ንድኻታት እትጭፍልቓን፡ንሰብኡትክን* ከኣ፡ ‘ዚስተ ኣምጽኡልና’ እትብላ፡እዚ ቓል እዚ ስምዓ።
2 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብቕድስናኡ ምሒሉ ኣሎ፦
‘“እንሆ፡ ንሱ ብዓንቃሪቦ ሓራድ ስጋ፡ካባኻትክን ዝተረፋ ድማ ብመቝለብ ዓሳ ዜልዕለለን መዓልትታት ኣባኻትክን ይመጻ ኣለዋ።
3 ነፍሲ ወከፍክን ትኽ ኢልክን በቲ ኣብ መካበብያ ዚህሉ ፍሩሳት ክትወጻ ኢኽን፣ናብ ሃርሞን ከኣ ክትድርበያ ኢኽን” ይብል የሆዋ።’
4 ‘ናብ ቤት-ኤል ንዑ እሞ ኣብሱ፣*+ኣብ ጊልጋል እውን ብዝያዳ ኣብሱ!+
ንግሆ መስዋእትኹም፡+ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዕሽርኩም+ ኣምጽኡ።
5 ካብ ዝበዅዐ እንጌራ መስዋእቲ ምስጋና ኣሕርሩ፣+መስዋእቲ ፍታውኩም ዓው ኢልኩም ኣውጁ!
ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ምግባር ኢኹም እትፈትዉ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።
6 ‘ኣነ ኸኣ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ንኣስናንኩም ካብ ምግቢ ኣጽርየዮ፣*ኣብ ኵለን ኣባይቲ እውን እንጌራ ኸም ዚስኣን ገይረ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
7 ‘ኣነ ድማ ንቐውዒ ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዎ ኸሎ፡ ዝናም ከሊአኩም፣+ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኣዝኒመስ፡ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣየዝነምኩን።
ኣብ ሓንቲ ግራት ዘኒሙስ፡እታ ዘይዘነማ ሓንቲ ግራት ግና ነቒጻ።
8 ህዝቢ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኸተማ ማይ ኪሰትዩ ሰንከልከል እናበሉ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸይዶም፣+ግናኸ፡ ኣይረወዩን፣ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
9 ‘ብሃጕን ብዋግን ወቒዐኩም።+
ስፍራ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣብዚሕኩም፣ግናኸ፡ ንኣእዋም በለስኩምን ንኣእዋም ኣውልዕኩምን ኣንበጣ በሊዕዎ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
10 ‘ከምቲ ናይ ግብጺ ዝዀነ ለበዳ ሰዲደልኩም።+
ንኣጕባዝኩም ብሰይፊ ቐቲለዮም፡+ ንኣፍራስኩም እውን ማሪኸዮም።+
ነቲ ሕማቕ ጨና ሰፈርኩም ናብ ኣፍንጫኹም ኣደይበዮ፣+ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’ ይብል የሆዋ።
11 ‘ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ዝገልበጠን፡+ኣብ መንጎኹም እውን ገልቢጠ።
ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንዝዐ እያድ ኔርኩም፣ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን’+ ይብል የሆዋ።
12 ስለዚ፡ ኣታ እስራኤል፡ ከምኡ ኽገብረካ እየ።
ኣታ እስራኤል፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ንኣምላኽካ ኽትረኽቦ ተዳሎ።
13 እንሆ፡ ንሱስ ኣኽራን ዝገበረን+ ንፋስ ዝፈጠረን እዩ፣+ንሰብ ድማ ሓሳባቱ እንታይ ምዃኑ ይነግሮ፣ንወጋሕታ ኸኣ ናብ ጸልማት ይልውጦ፣+ኣብ በረኽቲ ምድሪ እውን ይረግጽ፣+ስሙ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።”