ኣሞጽ 6:1-14

  • ሸለልተኛታት ወይለኦም! (1-14)

    • መደቀሲታት ስኒ ሓርማዝ፣ ጭሔሎታት ወይኒ (4, 6)

6  “እቶም ኣብ ጽዮን ዘለዉ ብርእሶም ዚተኣማመኑ፡*ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተኣሚኖም ዚነብሩ፡+እቶም ናይቶም ቀዳሞት ኣህዛብ ምርኡያት፡እቶም ቤት እስራኤል ዝመጽዎም፡ ወይለኦም!   ናብ ካልነ ተሳገሩ እሞ ርኣዩ። ካብኡ ናብታ ዓባይ ሓማት ኪዱ፣+ናብ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከኣ ውረዱ። ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታት* እዚአን ይበልጻ እየን፧ ወይስ ሃገረንዶ ኻብ ናታትኩም ይገፍሕ እዩ፧   ንመዓልቲ መዓት ካብ ኣእምሮኹም ኣውጺእኩምሲ፡+ዓመጻዶ ተስፍኑ* ኣለኹም፧+   ኣብ መደቀሲታት ስኒ ሓርማዝ በጥ ይብሉ፡+ ኣብ ዓራውቲ የሳፍሑ፡+ደዓውል መጓሰን ስቡሓት ምራኹትን* ይበልዑ፣+   ብደሃይ መሰንቆ፡* ደርፊ የውጽኡ፡+ከም ዳዊት ድማ ናውቲ ሙዚቃ ይምህዙ፣+   ብጭሔሎ መሊኦም ወይኒ ይሰትዩ፡+ሕሩይ ዘይቲ ኸኣ ይቕብኡ። ብዛዕባ መዓት ዮሴፍ ግና ግዲ የብሎምን።*+   ስለዚ፡ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም፣+ፈንጠዝያ እቶም ዘሳፍሑ ድማ ኪውዳእ እዩ።   ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብርእሱ* ምሒሉ ኣሎ’+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡‘“ኣነ ንትምክሕቲ ያእቆብ እፍንፍኖ፡+ንእተዓርደ ግምብታቱ ኸኣ እጸልኦ እየ፣+ነታ ኸተማን ነቲ ንዓኣ ዚመልኣን ኣሕሊፈ ኽህብ እየ።+  “‘“ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እንተ ተሪፎም ከኣ፡ ንሳቶም እውን ኪሞቱ እዮም። 10  ዘመድ* ተሰኪሙ ኼውጽኦምን በብሓደ ኼንድዶምን እዩ። ንኣዕጽምቶም ካብታ ቤት ኬውጽኦ እዩ፣ ሽዑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍልታት እታ ቤት ንዘሎ፡ ‘ምሳኻኸ ገለዶ ኣሎ፧’ ኪብሎ እዩ። ንሱ ድማ፡ ‘ገለ እኳ የልቦን’ ኪብል እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ስም የሆዋ ዚርቍሓሉ ግዜ ኣይኰነን እሞ፡ ስቕ በል!’ ኪብል እዩ።” 11  ዚእዝዝ ዘሎስ የሆዋ እዩ፣+ንዓባይ ቤት ድማ ወቒዑ ዑናታት ኪገብራ፡ንንእሽቶ ቤት ከኣ ፍሩሳት ኪገብራ እዩ።+ 12  ኣፍራስዶ ኣብ ከውሒ ይጐይዩ፡ወይስ ኣብዑርዶ ኣብኡ ይሕረሱ እዮም፧ ንስኻትኩምሲ ንፍትሒ ናብ መርዛም ተኽሊ፡ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ መሪር ተኽሊ* ለዊጥኩምዎ ኣለኹም።+ 13  ብኸንቱ ነገር ትሕጐሱ፣“ብብርታዐና ደይኰንናን ሓያላት ዝዀንና፧”* ከኣ ትብሉ።+ 14  ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣንጻርኩም ህዝቢ ኸምጽእ እየ’+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡‘ንሳቶም ድማ ካብ ለቦ-ሓማት*+ ክሳብ ርባ ዓራባ ኺጭቍንኹም እዮም።’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሸለልተኛታት።”
ንመንግስቲ ይሁዳን እስራኤልን ዜመልክታ ኪዀና ኣለወን።
ቃ.ቃ.፡ “መንበር ዓመጻዶ ተቕርቡ።”
ወይ፡ “ዝራብዓትን።”
ወይ፡ “በገና።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓት ዮሴፍ ግና ኣይሓመሙን።”
ወይ፡ “ብነፍሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሓው ኣቦኡ።”
ወይ፡ “ምረት።”
ቃ.ቃ.፡ “ብብርታዐና ደይኰንናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና፧”
ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”