ኣስቴር 10:1-3

  • ዕቤት ማርዶካይ (1-3)

10  ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ብግዲ ኣሸቀለ።  ኵሉ ብርቱዕን ሓያልን ግብሩ፡ ከምኡ እውን ዝርዝር ጸብጻብ እቲ ንጉስ ልዕል ዘበሎ ዕቤት+ ማርዶካይ፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን+ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጻሒፉዶ የሎን፧+  ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውስ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ካልኣዩ ነበረ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ ዓብዪ፡* ብብዙሓት ኣሕዋቱ ድማ ዚኽበር፡ ንጽቡቕ ህዝቡ ዚዓይን ንድሕንነት ኵሎም ዘርኦም ዚጣበቕን* ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክቡር።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዅሎም ዘርኦም ሰላም ዚዛረብን።”