ኣስቴር 6:1-14

  • ንጉስ ንማርዶካይ ኣኽበሮ (1-14)

6  በታ ለይቲ እቲኣ፡ ንጉስ ድቃስ ሰኣነ።* ስለዚ፡ መጽሓፍ መዝገብ ታሪኽ ዘመናት ኪመጽእ ኣዘዘ፣+ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ተነብበ።  ኣብኡ ኸኣ፡ ማርዶካይ ብዛዕባ እቶም ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኪቐትልዎ* ውዲት ዝኣለሙ ቢግታናን ተረሽን ዚብሃሉ ሓለውቲ ማዕጾ ዝዀኑ ኽልተ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ከም ዝነገረ ተጻሒፉ ተረኽበ።+  ንጉስ ድማ፡ “ንማርዶካይ ብዛዕባ እዚ እንታይ ክብርን ዕቤትን ተገይሩሉ፧” ኢሉ ሓተተ። እቶም ናይ ብሕቲ ገላዉኡ ኸኣ፡ “ገለ ነገር እኳ ኣይተገብረሉን” በሉ።  ንጉስ ድማ፡ “ኣብ ኣጸድ መን ኣሎ፧” በለ። ሃማን ከኣ ንንጉስ፡ ንማርዶካይ ኣብቲ ዘዳለወሉ ጕንዲ ብዛዕባ ምስቃል ኪዛረቦ ኢሉ+ ናብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ቤት* ንጉስ ኣትዩ ነበረ።+  ገላዉ ንጉስ ድማ፡ “ሃማን ኣብ ኣጸድ ደው ኢሉ ኣሎ” በልዎ።+ ንጉስ ከኣ፡ “ይእቶ” በለ።  ሃማን ምስ ኣተወ፡ ንጉስ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኪግበረሉ ይግባእ፧” በሎ። ሃማን ከኣ ብልቡ፡ “ንጉስ ካባይ ኣብሊጹ ንመን ኬኽብር ምደለየ፧” በለ።+  ሃማን ድማ ንንጉስ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡  ንጉስ ዚኽደኖ ልብሰ መንግስትን+ ኣብ ርእሱ ዘውዲ* ዝገበረ ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስን የምጽኡሉ።  እቲ ልብስን እቲ ፈረስን ከኣ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ሓደ ኻብቶም ልዑላን መሳፍንቲ ንጉስ ይወሃብ፣ ነቲ ንጉስ ኬኽብሮ ዝደለዮ ሰብ ድማ ይኽደንዎ፣ ኣብቲ ፈረስ ኣወጢሖምዎ ኸኣ ብኣደባባይ ከተማ የሕልፍዎ። ቀቅድሚኡ ድማ፡ ‘ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ ከምዚ ይግበረሉ!’ ኢሎም ይጨድሩ” በለ።+ 10  ሽዑ፡ ንጉስ ንሃማን፡ “ቀልጥፍ! ነቲ ልብስን ነቲ ፈረስን ወሲድካ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኸምቲ ዝበልካዮ ግበረሉ። ካብቲ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይተጕድል” በሎ። 11  ሃማን ከኣ ነቲ ልብስን ነቲ ፈረስን ወሰዶ፣ ንማርዶካይ ድማ ከደኖ፡+ ኣብቲ ፈረስ ከኣ ኣወጥሖ፡ ብኣደባባይ እታ ኸተማ እውን ኣሕለፎ፣ ቀቅድሚኡ ድማ፡ “ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ፡ ከምዚ ይግበረሉ!” ኢሉ ጨደረ። 12  ማርዶካይ ከኣ ናብ ኣፍ ደገ ንጉስ ተመልሰ፣ ሃማን ግና ጕህዩን ርእሱ ተጐልቢቡን ናብ ቤቱ ተቐላጢፉ ኸደ። 13  ሃማን ድማ፡ እቲ ዝዀኖ ንሰበይቱ ዘረሽን+ ንዅሎም ፈተውቱን ምስ ኣዘንተወሎም፡ እቶም ጥበበኛታቱን ሰበይቱ ዘረሽን፡ “እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ ማርዶካይ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ዀይኑ፡ ኣይክትስዕሮን ኢኻ፣ የግዳስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብርግጽ ክትወድቕ ኢኻ” በልዎ። 14  ገና ምስኡ ኺዛረቡ ኸለዉ፡ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ መጺኦም፡ ንሃማን ናብቲ ኣስቴር ዝገበረቶ ድግስ ቀልጢፎም ወሰድዎ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ድቃስ ንጉስ በረረ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኢዶም ኬንብሩሉ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ናይ ንግስና ስልማት ርእሲ።”