ኣስቴር 7:1-10

  • ኣስቴር ንሃማን ኣቃልዓቶ (1-6ሀ)

  • ሃማን ኣብታ ዘዳለዋ ጕንዲ ተሰቕለ (6ለ-10)

7  ንጉስን ሃማንን+ ከኣ ናብ ድግስ ንግስቲ ኣስቴር መጹ።  ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ ኣብቲ ድግስ ወይኒ፡ ንጉስ ንኣስቴር፡ “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ! እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪግበር እዩ!” በላ።+  ንግስቲ ኣስቴር ድማ፡ “ኦ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ህይወተይ* ከም ልማኖይ፡ ህዝበይ+ ከኣ ከም ሕቶይ ይወሃበኒ።  ኣነን ህዝበይንሲ፡ ክንጸንትን ክንቅተልን ክንጠፍእን+ ተሼጥና ኢና።+ ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን ኴንና ጥራይ እንተ ንሽየጥ፡ ስቕ ምበልኩ። ግናኸ፡ እዚ ንንጉስ ዚጐድኦ እዩ እሞ፡ እቲ ጭንቂ ግቡእ ኣይኰነን” ኢላ መለሰት።  ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር፡ “ከምዚ ኺገብር ዝደፈረ መን እዩ፧ ኣበይከ ኣሎ፧” በላ።  ኣስቴር ከኣ፡ “እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ፡ እዚ ኽፉእ ሃማን እዩ” በለት። ሽዑ፡ ሃማን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ተሸበረ።  ንጉስ ድማ ነዲሩ ኻብቲ ድግስ ወይኒ ተንስአ፡ ናብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲ ቤተ መንግስቲ ኸኣ ከደ፣ ሃማን ግና፡ ንጉስ ኪቐጽዖ ኸም ዝቘረጸ ተገንዚቡ ነበረ እሞ፡ ንንግስቲ ኣስቴር ምእንቲ ህይወቱ* ኺልምና ተንስአ።  ንጉስ ከኣ ካብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እቲ ቤተ መንግስቲ ናብቲ ቤት እቲ ድግስ ወይኒ ተመልሰ እሞ፡ ንሃማን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዘላቶ ዓራት ወዲቑ ረኣዮ። ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ንንግስቲኸ ኣብ ገዛእ ቤተይዶ ኺዕምጻ እዩ፧” በለ። እዚ ቓላት እዚ ኻብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ንሃማን ገጹ ሸፈንዎ።  ሽዑ፡ ሓርቦና፡+ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፡ “ሃማን ነቲ ነጊሩ ንንጉስ ዘድሓኖ+ ማርዶካይ ኪኸውን ኢሉ እውን 50 እመት* ዝቝመቱ ጕንዲ ኣዳልዩ ኣሎ።+ ኣብ ቤት ሃማን ከኣ ቈይሙ ኣሎ” በለ። ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ኣብኡ ስቐልዎ” በለ። 10  ንሃማን ድማ ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፣ ነድሪ ንጉስ ከኣ ዘሓለ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ኣስታት 22.3 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።