ኣስቴር 9:1-32

  • ዓወት ኣይሁድ (1-19)

  • በዓል ጱሪም ቈመ (20-32)

9  እታ ቓል ንጉስን ሕጉን ዚፍጸመላ+ መበል 13 መዓልቲ እታ መበል 12 ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡*+ በታ ጸላእቲ ኣይሁድ ኪስዕርዎም ተስፋ ዝገበሩላ መዓልቲ፡ ብኣንጻሩ፡ ኣይሁድ ነቶም ዚጸልእዎም ሰዓርዎም።+  ኣይሁድ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡+ ኣንጻር እቶም ኪጐድእዎም ዚደልዩ ኣእዳዎም ኬልዕሉ ኣብ ከተማታቶም ተኣከቡ፣ ራዕዶም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኺቃወሞም ኣይከኣለን።+  ኵሎም መሳፍንቲ ኣውራጃታትን ራእስታትን+ ሹማምንትን ጕዳይ ንጉስ ዚገብሩን ከኣ፡ ንማርዶካይ ስለ ዝፈርህዎ፡ ንኣይሁድ ይድግፉ ነበሩ።  ማርዶካይ ኣብ ቤት* ንጉስ ዓብዪ ዀይኑ ነበረ።+ ማርዶካይ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ድማ፡ ዝናኡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ተዘርግሐ።  ኣይሁድ ከኣ ንዅሎም ጸላእቶም ብሰይፊ ወቒዖም ቀተልዎምን ኣጥፍእዎምን፣ ነቶም ዚጸልእዎም፡ ከም ዝደለይዎ ገበርዎም።+  ኣይሁድ ድማ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ፡* 500 ሰባት ቀተሉን ኣጥፍኡን።  ነቶም ጳርሻንዳታን ደልፎንን ኣስጳታን  ጶራታን ኣዳልያን ኣሪዳታን  ጳርማሽታን ኣሪሳይን ኣሪዳይን ዋይዛታን 10  ዚብሃሉ ዓሰርተ ደቂ ሃማን ወዲ ሃመዳታ እቲ ጸላእ ኣይሁድ ከኣ ቀተልዎም።+ ግናኸ፡ ምስ ቀተልዎም፡ ዘመተ ዚብሃል ኣይወሰዱን።+ 11  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ሱሳን* እታ ዕርዲ ኸተማ* እተቐትሉ ንንጉስ ተነግሮ። 12  ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር፡ “ኣይሁድሲ ኣብ ሱሳን* እዛ ዕርዲ ኸተማ* 500 ሰባትን ዓሰርተ ደቂ ሃማንን ቀቲሎምን ኣጥፊኦምን። ኣብ ዝተረፈ ኣውራጃታት ንጉስ ደኣ እንታይ ኰን ገይሮም ይዀኑ፧+ ሕጂኸ እንታይ እዩ ልማኖኺ፧ ኪውሃበኪ እዩ። እንታይከ እዩ ሕቶኺ፧ ኪግበር እዩ” በላ። 13  ሽዑ፡ ኣስቴር፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡+ ኣብ ሱሳን* ዘለዉ ኣይሁድ ጽባሕ ከምዚ ናይ ሎሚ ሕጊ ኺገብሩ ይፈቐድ፣+ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ከኣ ኣብ ጕንዲ ይሰቐሉ” ኢላ መለሰት።+ 14  ንጉስ ድማ ከምኡ ኺግበር ትእዛዝ ሃበ። ኣብ ሱሳን* ከኣ ሕጊ ወጸ፣ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ድማ ተሰቕሉ። 15  እቶም ኣብ ሱሳን* ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ወርሒ ኣዳር ከም ብሓድሽ ተኣከቡ፣+ ኣብ ሱሳን* ድማ 300 ሰባት ቀተሉ፣ ዘመተ ዚብሃል ግና ኣይወሰዱን። 16  እቶም ኣብ ኣውራጃታት ንጉስ ዝነበሩ ዝተረፉ ኣይሁድ እውን ተኣኪቦም ንህይወቶም* ተኸላኸሉላ።+ ንጸላእቶም ከኣ ኣጥፍእዎም፣+ ካብቶም ዚጸልእዎም ድማ 75,000 ቀተሉ፣ ዘመተ ዚብሃል ግና ኣይወሰዱን። 17  እዚ ኣብ መበል 13 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር ኰነ፣ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ኸኣ ዓረፉ፣ መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ድማ ገበርዋ። 18  እቶም ኣብ ሱሳን* ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ መበል 13 መዓልትን+ ኣብ መበል 14 መዓልትን+ ተኣከቡ፣ ኣብ መበል 15 መዓልቲ ድማ ዓረፉ፣ መዓልቲ ድግስን ሓጐስን ከኣ ገበርዋ። 19  ስለዚ፡ እቶም ኣብ ናይ ገጠር ከተማታት ዚርከቡ ኣብ ገጠር ዚነብሩ ኣይሁድ፡ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር መዓልቲ ሓጐስን ድግስን መዓልቲ በዓልን+ ንሓድሕዶም ግደታት ምግቢ ዚለኣኣኹላ እዋንን ገበርዋ።+ 20  ማርዶካይ+ ድማ ነዚ ነገር እዚ መዝጊቡ፡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዚርከቡ ዅሎም ኣይሁድ ወግዓዊ ደብዳበታት ሰደደ። 21  መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣዳር፡ ከምኡ እውን መበል 15 መዓልቲ፡ ዓመት ዓመት ኬብዕሉ ኣዘዞም። 22  ከመይሲ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዓረፉ፡ በታ ወርሒ እቲኣ እውን ጓሂኦም ናብ ሓጐስ፡ ሓዘኖም+ ከኣ ናብ በዓል ተቐየረ። መዓልትታት ድግስን ሓጐስን፡ ግደታት ምግቢ ንሓድሕዶም ዚለኣኣኹሉን ንድኻታት ህያባት ዚህቡሉን እዋን ገይሮም ኬብዕልወን ነበሮም። 23  ኣይሁድ ድማ ነቲ ዝጀመርዎ በዓል ኪቕጽልዎን ነቲ ማርዶካይ ዝጸሓፈሎም ኪገብርዎን ተሰማምዑ። 24  ከመይሲ፡ ሃማን+ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡+ እቲ ጸላእ ኵሎም ኣይሁድ፡ ንኣይሁድ ኬጥፍኦም ኢሉ ተተናዂልዎም ነበረ፣+ ኪርብሾምን ኬጥፍኦምን ኢሉ እውን ጱር፡+ ማለት ዕጫ፡ ኣውዲቑ ነበረ። 25  ኣስቴር ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ መጸት ግና፡ ንሱ፡ “እቲ ንኣይሁድ እተተናዀሎም ክፉእ ተንኰሉ+ ኣብ ርእሱ ይመለስ” ኢሉ ብጽሑፍ ትእዛዝ ሃበ፣+ ንሳቶም ከኣ ንዕኡን ንደቁን ኣብ ጕንዲ ሰቐልዎም።+ 26  ስለዚ እዮም ነዘን መዓልትታት እዚአን፡ ብስም ጱር፡ ጱሪም ኢሎም ዝጸውዕወን።*+ እምበኣር፡ ብምኽንያት እቲ ዅሉ ኣብዛ ደብዳበ እዚኣ እተጻሕፈን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝረኣይዎን ኣብ ልዕሊኦም ዝመጸን፡ 27  ኣይሁድ ነዘን ክልተ መዓልቲ ብርግጽ ኬብዕልወን፡ እቲ ብዛዕባአን እተጻሕፈ ድማ ኣብቲ ምዱብ ግዜ በብዓመቱ ኺገብሩ፡ ኣብ ርእሶምን ኣብ ዘርኦምን ምሳታቶም ኣብ ዚሓብሩ ዅሎምን ግዴታ ጸዓኑ።+ 28  እዘን መዓልትታት እዚአን፡ ኣብ ኣኣውራጃን ኣብ ከከተማን ኣብ ኵሉ ወለዶ በብዓሌት ኪዝከራን ኪብዓላን እየን፣ እዘን መዓልትታት ጱሪም እዚአን ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ኣይኬቋርጻን፡ ዝኽረን ከኣ ኣብ መንጎ ዘርኦም ኣይኪጠፍእን እዩ። 29  ሽዑ፡ ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢሓይልን ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን፡ ብዛዕባ ጱሪም ንእትገልጽ ካልአይቲ ደብዳበ ንምጽናዕ ብምሉእ ስልጣን ጸሓፉ። 30  ነቲ ወግዓዊ ደብዳበታት ከኣ ኣብ 127 ኣውራጃ፡+ ኣብ ግዝኣት ኣሓሽዌሮስ+ ናብ ዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ብቓላት ሰላምን ሓቅን ሰደዶ፣ 31  እዚ ድማ ከምቲ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳውን ንግስቲ ኣስቴርን ኪገብርዎ ዝኣዘዝዎም፡+ ከምቲ ንሳቶም እውን ብዛዕባ ጾምን+ ምህለላን+ ኪገብርዎ ኢሎም ኣብ ርእሶምን* ኣብ ዘርኦምን ዝጸዓንዎ ግዴታ፡+ እቲ ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ዚብዓል መዓልትታት ጱሪም ምእንቲ ኺጸንዕ እዩ። 32  ትእዛዝ ኣስቴር ከኣ ነዚ ናይ ጱሪም ነገር ኣጽንዖ፣+ ኣብ መጽሓፍ ድማ ተመዝገበ።

እግረ ጽሑፍ

ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ፣ ዕርዲ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ወይ፡ “ሱሳ።”
“ጱር፡” ትርጉሙ “ዕጫ።” እታ፡ “ጱሪም” እትብል ንብዙሕ እተመልክት ቃል፡ መጸውዒ እቲ ኣብ መበል 12 ወርሒ እቲ ቕዱስ ዓውደ ኣዋርሕ ዚብዓል በዓል ኣይሁድ ኰነት። ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።
ወይ፡ “ነፍሶምን።”