ኣንባቆም 1:1-17

  • ኣውያት እቲ ነብዪ (1-4)

    • ‘ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ፧’ (2)

    • “ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧” (3)

  • ከለዳውያን፡ የሆዋ ንፍርዲ ዚጥቀመሎም ህዝቢ (5-11)

  • እቲ ነብዪ ንየሆዋ ይልምኖ (12-17)

    • ‘ኦ ኣምላኸይ፡ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ’ (12)

    • “ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ ኽፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን” (13)

1  ነብዪ ኣንባቆም* ብራእይ እተቐበሎ ኸቢድ መልእኽቲ፦   ኦ የሆዋ፡ ከይሰማዕካንስ ክሳዕ መዓስ ከእዊ እየ፧+ ጣልቃ ኸይኣተኻኸ* ብሰንኪ ዓመጻ ኽሳዕ መዓስ ክምህለል እየ፧+   ስለምንታይ ኢኻ ኽፉእ ተግባር እተርእየኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧ ስለምንታይ እዩ ጥፍኣትን ዓመጻን ኣብ ቅድመይ ዘሎ፧ ስለምንታይከ እዩ ባእስን ግጭትን በዚሑ ዘሎ፧   ስለዚ፡ ሕጊ ለሚሱ፡ፍትሒ እውን ከቶ ኣይወጽእን ኣሎ። እኩይሲ ንጻድቕ ይኸብቦ ኣሎ፣ስለዚ፡ ፍትሒ ቐኒኑ ኣሎ።+   “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ርኣዩ እሞ ኣቕልቡ! ተገሪምኩም ጠምቱን ኣስተንክሩን፣ብመዓልትታትኩምሲ እንተ ተነግረኩም እኳዘይትኣምንዎ ነገር ኪኸውን እዩ።+   ኣብዝስ ንከለዳውያን፡ንጨካናትን ንርቡጻትን ህዝቢ አተንስኦም ኣለኹ።+ ዘይናቶም ኣባይቲ ኺምንዝዑ፡ኣብ ሰፊሕ ክፋል ምድሪ የስፋሕፍሑ።+   ዜፍርሁን ዜርዕዱን እዮም። ናይ ርእሶም ፍትሕን ስልጣንን* የቝሙ።+   ኣፍራሶም ካብ ኣናብር ይቕልጥፉ፣ካብ ተዃሉ ለይቲ ይሓስሙ።+ ናይ ውግእ ኣፍራሶም ንቕድሚት ይጋልቡ፣ኣፍራሶም ካብ ርሑቕ ይመጹ። ከምቲ ኺበልዕ ዚህንደድ ንስሪ ይንቈቱ።+   ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ።+ ምእካብ ገጾም ከም ንፋስ ምብራቕ እዩ፣+ከም ሑጻ ድማ ምሩኻት ይሓፍሱ። 10  ንነገስታት የላግጹሎም፣ንሰበ ስልጣን ከኣ ይስሕቅዎም።+ ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣+መደያይቦ ዚዀኖም ሓመድ ኰሚሮም ይሕዝዎ። 11  ሽዑ፡ ከም ንፋስ ይግስግሱን ይሓልፉን፣ግናኸ፡ ሓይሎም ካብ ኣምላኾም ከም ዝረኸቡ ስለ ዚብሉ፡*+በደልቲ ኪዀኑ እዮም።”+ 12  ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ደይኰንካን፧+ ኦ ኣምላኸይ፡ ቅዱሰይ፡ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ።*+ ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ፍርዲ ኺፍጽሙ ሸይምካዮም፣ኣታ ኸውሐይ፡+ ንስኻ ንመቕጻዕቲ* ሰሪትካዮም።+ 13  ኣዒንትኻ ኣዝየን ጽሩያት ካብ ምዃነን እተላዕለ፡ ክፍኣት ስቕ ኢለን ኣይርእያን እየን፣ንእከይ ድማ ክትጻወሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።+ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ንጠለምቲ እትጻወሮም፡+እኩይ ካብኡ ንዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ኸኣ ስቕ እትብል፧+ 14  ስለምንታይከ ኢኻ ንሰብ ከም ዓሳ ባሕሪ፡ከምቶም ገዛኢ ዘይብሎም ለመምቲ እትገብሮ፧ 15  ንሱ* ንዅላቶም ብመቝለብ ዓሳ የውጽኦም ኣሎ። ኣብ መርበቡ ይሕዞም፡ኣብ መግፈፊኡ ድማ ይእክቦም ኣሎ። ስለዚ፡ ብዙሕ ይሕጐስ ኣሎ።+ 16  ስለዚ፡ ንመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ንመግፈፊኡ ድማ ይስውኣሉ* ኣሎ፣ብሳላኦምሲ ግዲኡ መዓዛታት ዘለዎ፡*ምግቡ እውን ሕሩይ ኰይኑሉ እዩ። 17  እሞ ደኣ ገናዶ ኻብ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ፧* ብቐጻሊዶ ኸይራሕርሐ ንኣህዛብ ኪሓርድ እዩ፧+

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “ሕቝፍቍፍ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ከየድሓንካኸ።”
ወይ፡ “ክብርን።”
ወይ፡ “ሓይሎም ኣምላኾም ስለ ዝዀነ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንሕና ኣይክንመውትን ኢና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንመግናሕቲ።”
ማለት፡ እቶም ጸላኢ ዝዀኑ ከለዳውያን።
ወይ፡ “ይዓጥነሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብዘይቲ ዝረስረሰ።”
ወይ፡ “ገናዶ ሰይፉ ኺመልሕ እዩ፧”