ኤርምያስ 12:1-17

  • ጥርዓን ኤርምያስ (1-4)

  • ምላሽ የሆዋ (5-17)

12  ኦ የሆዋ፡+ ናባኻ ምስ ጠራዕኩ፡ብዛዕባ ነገር ፍትሒ ምስ ተዛረብኩኻ፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ። ስለምንታይ እዩ ግና መገዲ እኩያት ዚሰልጥ፧+ ስለምንታይከ እዮም ጠለምቲ ዘይጭነቑ፧   ንስኻ ተኺልካዮም፡ ሱር ድማ ሰዲዶም። ዓብዮም፡ ፍረ እውን ፈርዮም። ንስኻ ኣብ ከናፍሮም ኢኻ፣ ካብ ውሽጣዊ ሓሳባቶም* ግና ርሑቕ ኢኻ።+   ኦ የሆዋ፡+ ንስኻ ግና ኣጸቢቕካ ትፈልጠንን ትርእየንን ኢኻ፣ንልበይ መርሚርካዮ፡ ምሳኻ ሓድነት ዘለዎ ዀይኑ ድማ ረኺብካዮ።+ ከም በጊዕ ማሕረዲ ነጽሎም፣ንመዓልቲ ቕትለት ከኣ ፍለዮም።   እታ ምድርስ ክሳዕ መዓስ ክትጽምሉ እያ፧ እቲ ኣትክልቲ ዅሉ መሮርከ ኽሳዕ መዓስ ኪነቅጽ እዩ፧+ ብሰሪ እከይ እቶም ዚቕመጥዋ፡እንስሳታትን ኣዕዋፍን ተዀስቲሮም። ንሳቶምሲ፡ “እንታይ ከም እንኸውን ኣይርእን እዩ” ኢሎም ኣለዉ።   ምስ ኣጋር ጐዪኻ ኻብ ደኸምካስ፡ምስ ኣፍራስ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኽትቀዳደም ኢኻ፧+ ኣብ ምድሪ ሰላም እኳ ኻብ ተኣማመንካ፡ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻ ደኣ ኸመይ ክትከውን ኢኻ፧   ከመይሲ፡ ኣሕዋትካ፡ ቤተ ሰብ ኣቦኻ እኳጠሊሞምኻ ኣለዉ።+ ኣንጻርካ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ኣለዉ። ጽቡቕ እኳ እንተ ተዛረቡኻ፡ኣይትእመኖም።   “ቤተይ ሓዲገ፡+ ርስተይ ጠንጢነ ኣለኹ።+ ነታ ኣዝየ ዘፍቅራ* እውን ኣብ ኢድ ጸላእታ ሂበያ ኣለኹ።+   ርስተይ ከምቲ ኣብ ዱር ዘሎ ኣንበሳ ዀይናትኒ ኣላ። ንሳስ ጓዚማትለይ። ስለዚ፡ ጸሊአያ።   ርስተይ ብዙሕ ዝሕብሩ* ኣሞራ እያ፣ካልኦት ኣሞራታት ከቢቦም የጥቅዕዋ።+ ኣቱም ኣራዊት መሮር ንዑ ተኣከቡ፣ክትበልዑ ንዑ።+ 10  ብዙሓት ጓሶት ንኣታኽልቲ ወይነይ ኣበላሽዮምዋ፣+ነታ ግደይ ዝዀነት ምድሪ ረጊጾምዋ፣+ነታ ተባሃጊት ግደይ ዝዀነት ምድሪ ናብ ዝባደመት በረኻ ቐዪሮምዋ። 11  ባድም ኰይና ኣላ። ጸምልያ* ኣላ፣ኣብ ቅድመይ ባዲማ ኣላ።+ ብዘላ እታ ምድሪ ባዲማ ኣላ፣ነዚ ኣብ ልቡ ዜሕድሮ ሰብ ግና የልቦን።+ 12  ሰይፊ የሆዋ ኻብ ሓደ ወሰን እታ ምድሪ ኽሳብ እቲ ሓደ ወሰን ይውሕጥ ኣሎ እሞ፡ኣብ ኵሉ መገድታት በረኻ፡* መጥፋእቲ መጺኦም ኣለዉ።+ ንሓደ እኳ* ሰላም የልቦን። 13  ስርናይ ዘሪኦም፣ ግናኸ፡ እሾዅ ዓጺዶም።+ ደኺሞም፣ ግናኸ፡ ጥቕሚ ኣይረኸቡን። ብሰሪ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ፡ብፍርያቶም ኪሓፍሩ እዮም።” 14  የሆዋ ኣንጻር ኵሎም እቶም ነታ ንህዝበይ እስራኤል ዘረስተኽዎ ርስቲ ዚትንክዩ እኩያት ጐረባብተይ ከምዚ ይብል፦+ “እንሆ፡ ካብ ምድሮም ክምሕዎም እየ፣+ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ መንጎኦም ክምሕዋ እየ። 15  ምስ መሓኽዎም ግና፡ ከም ብሓድሽ ክምሕሮም፡ ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ነናብ ርስቱን ነናብ ምድሩን ክመልሶም እየ።” 16  “መገድታት ህዝበይ እንተ ተማሂሮም፡ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ኪምሕሉ ዝመሃርዎም ድማ፡ ‘ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ኢሎም ብስመይ ምምሓል እንተ ተማሂሮም፡ ኣብ መንጎ ህዝበይ ኪህነጹ እዮም። 17  ምእዛዝ እንተ ኣብዮም ግና፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኽምሕዎ፡ እወ፡ ክምሕዎን ከጥፍኦን እየ” ይብል የሆዋ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውሽጣዊ ስምዒቶም።” ቃ.ቃ.፡ “ኰላሊቶም።”
ወይ፡ “ነታ ነፍሰይ እተፍቅራ።”
ወይ፡ “ትኳዕ ትኳዕ።”
ወይ፡ “ሓዚና” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብ በረኻ ዘሎ ዅሉ መገዲ ጻጸ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዅሉ ስጋ።”