ኤርምያስ 13:1-27

  • እታ ቕናት በፍታ ተበላሸወት (1-11)

  • ኣጋንእ ወይኒ ኺስበር እዩ (12-14)

  • እታ ዘይትዕረ ይሁዳ ናብ ምርኮ ኽትውሰድ እያ (15-27)

    • ‘ኩሻዊዶ ቘርበቱ ኺልውጥ ይኽእል እዩ፧’ (23)

13  የሆዋ ኸኣ፡ “ኪድ እሞ ንዓኻ ዕጣቕ በፍታ ዓዲግካ፡ ኣብ ሕቘኻ ተዓጠቃ፣ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ።  ኣነ ድማ ከም ቃል የሆዋ፡ ዕጣቕ ዓዲገ ኣብ ሕቘይ ተዓጠቕክዋ።  ቃል የሆዋ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ናባይ መጺኡ፡  “ነታ ዓዲግካስ ተዓጢቕካያ ዘለኻ ዕጣቕ ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ነቓዕ ከውሒ ሕብኣያ” በለኒ።  ኣነ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ፡ ከይደ ኣብ ጥቓ ኤፍራጥስ ሓባእክዋ።  ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ግና፡ የሆዋ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፣ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ ዕጣቕ ድማ ካብኡ ውሰዳ” በለኒ።  ኣነ ኸኣ ናብ ኤፍራጥስ ከይደ፡ ነታ ዕጣቕ ኵዒተ ኻብቲ እተሓብኣትሉ ወሰድክዋ፣ እታ ዕጣቕ ከም እተበላሸወት ድማ ረኣኹ፣ ጠሪሳ ዘይትጠቅም እውን ኰይና ነበረት።  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦  “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንትምክሕቲ ይሁዳን ንብዙሕ ትምክሕቲ የሩሳሌምን ከምኡ ገይረ ኸጥፍኦ እየ።+ 10  እዞም ቃላተይ ምእዛዝ ዚኣብዩን+ ብንቕጽና ንልቦም ዚስዕቡን+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስዕቡን ዜገልግልዎምን ዚሰግዱሎምን እኩያት ህዝቢ፡ ከምዛ ዕጣቕ እዚኣ ጠሪሶም ዘይጠቕሙ ኪዀኑ እዮም።’ 11  ‘ከምቲ ዕጣቕ ኣብ ሕቘ ሰብ ዚጠብቕ፡ ንብዘለዉ ቤት እስራኤልን ንብዘለዉ ቤት ይሁዳን፡ ህዝብን+ ስምን+ ውዳሰን ጽቡቕ ነገርን ኪዀኑኒ ኢለ፡ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፣ ግናኸ ኣይሰምዑን’+ ይብል የሆዋ። 12  “‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ “ኵሉ ገንኢ ብወይኒ ኺምላእ ኣለዎ” ይብል ኣሎ’ ኢልካ እዚ መልእኽቲ እዚ እውን ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ኵሉ ገንኢ ብወይኒ ኸም ዚምላእሲ ድሮዶ ኣይንፈልጥን ኢና፧’ ኢሎም ኪምልሱልካ እዮም። 13  ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንዅሎም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያትን ንዅሎም ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ብስኽራን እመልኦም ኣለኹ።+ 14  ንኣቦታትን ንደቅን ብሓደ ንሓድሕዶም ከራጽሞም እየ” ይብል የሆዋ።+ “ኣይክርሕርሕን፡ ኣይክሓዝንን፡ ኣይክምሕሮምን እየ፣ ካብ ምጥፋኦም ደው ዜብለኒ የልቦን።”’+ 15  ስምዑን ጽን በሉን። የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ዕቡያት ኣይትኹኑ። 16  ንሱ ጸልማት ከየምጽአ፡ኣእጋርኩም ከኣ ብጽልግልግታ ኣኽራን ከይተዓንቀፈ፡ንየሆዋ ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ። ንብርሃን ተስፋ ኽትገብሩ ኢኹም፣ንሱ ግና ብርቱዕ ጽላሎት ኬምጽእ እዩ፣ናብ ብርቱዕ ድነ ድማ ኪልውጦ እዩ።+ 17  ምስማዕ እንተ ኣቢኹም ከኣ፡ብሰሪ ትምክሕትኹም ብሕቡእ ክበኪ እየ።* መጓሰ የሆዋ+ ተማሪኹ ተወሲዱ እዩ እሞ፡ንብዓተይ ከፍስስ፡ ካብ ኣዒንተይ እውን ንብዓት ኪውሕዝ እዩ።+ 18  ንንጉስን ንኣደ ንጉስን፡*+ ‘ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተቐመጡ፣እቲ ጽቡቕ ዘውድኹምሲ ኻብ ርእስኹም ኪወድቕ እዩ’ ኢልካ ንገሮም። 19  ከተማታት ደቡብ ተዓጽየን፣* ዚኸፍተን ድማ የልቦን። ኵላ ይሁዳ ተማሪኻ ተወሲዳ፣ ጠሪሳ ተማሪኻ ተወሲዳ።+ 20  ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ነቶም ካብ ሰሜን ዚመጹ ዘለዉ ርኣይዮም።+ እቲ እተዋህበኪ መጓሰ፡ እተን ጽቡቓት ኣባጊዕ፡ ኣበይ ኣለዋ፧+ 21  ካብቶም ካብ መጀመርታ ዘቕረብክዮም ናይ ቀረባ ፈተውትኺ+መቕጻዕትኺ ምስ መጸ፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ፧ ከምቲ ንእትወልድ ሰበይቲ ዚሕዛ፡ ቅልውላውዶ ኣይክሕዘክን እዩ፧+ 22  ብልብኺ ድማ፡ ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ወሪዱኒ፧’ እንተ ኢልኪ፡+ብሰሪ ዓብዪ ስሕተትኪ እዩ ወሰን ክዳንኪ እተቐንጠጠ፡+ሸዀናኺ እውን እተሃስየ። 23  ኩሻዊዶ* ቘርበቱ ወይስ ነብሪዶ ነጠብጣቡ ኺልውጥ ይኽእል እዩ፧+ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ንስኻትኩም ድማ ጽቡቕ ምግባር ክትክእሉ ኢኹም፣ንስኻትኩምሲ ሕማቕ ንምግባር ዝሰልጠንኩም ኢኹም። 24  ስለዚ፡ ብንፋስ ምድረ በዳ ኸም እተበቈጸ ሓሰር ፋሕ ከብሎም እየ።+ 25  እዚ ዕጫኺ፡ ዝሰፈርኩልኪ ግደኺ እዩ” ይብል የሆዋ፡“ከመይሲ፡ ንስኺ ረሲዕክኒ፡+ ብሓሶት ድማ ተኣሚንኪ ኢኺ።+ 26  ስለዚ፡ ንወሰን ክዳንኪ ናብ ገጽኪ ኸልዕሎ፡ሕፍረትኪ እውን ኪርአ እዩ፣+ 27  እወ፡ ዝሙትክን+ ብፍትወተ ስጋ ምሕምሓምክንጽዩፍ* ምንዝርናኽን ኪርአ እዩ። ኣብ ኵርባታትን ኣብ መሮርን፡እቲ ጽዩፍ ተግባርኪ ርእየዮ እየ።+ ኣቲ የሩሳሌም፡ ወይለኺ! ክሳዕ መዓስ ኢኺ ርኽስቲ ዄንኪ ኽትጸንሒ፧”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበኪ እያ።”
ወይ፡ “ንእተጌን።”
ወይ፡ “ተኸቢበን።”
ወይ፡ “ኢትዮጵያዊዶ።”
ወይ፡ “ዜሕፍር።”