ኤርምያስ 14:1-22

  • ደርቅን ጥሜትን ሰይፍን (1-12)

  • ናይ ሓሶት ነብያት ተዀነኑ (13-18)

  • ኤርምያስ፡ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ተኣመነ (19-22)

14  እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦+   ይሁዳ ትሓዝን ኣላ፣+ ኣፍ ደገታታ ድማ ጸምልዮም ኣለዉ። ጕህዮም ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኣለዉ፣ካብ የሩሳሌም ከኣ ኣውያት ይወጽእ ኣሎ።   ጐይተታ ንገላዉኦም* ማይ ኬምጽኡ ይልእኽዎም። ናብ ጐዳጕዲ ማይ* ከይዶም፡ ማይ ኣይረኽቡን። ንኣቕሑኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ኸኣ ይምለሱ። ሓፊሮምን ሓኒኾምን ኣለዉ፣ርእሶም ከኣ ይጕልብቡ ኣለዉ።   ኣብታ ምድሪ ዝናም የልቦን እሞ፡+እታ መሬት ስለ ዝነቓቕዐት፡ሓረስቶት ተዳሂሎምን ርእሶም ተጐልቢቦምን ኣለዉ።   ሳዕሪ ስለ ዘየልቦ፡እራብ መሮር እኳ ንማሕስኣ ትሓድግ።   ኣእዱግ በረኻ ኣብ መላጥ ኵርባታት ደው ይብላ። ከም ወኻሩ* ኣየር ደልየን ይልህልሃ፣ኣትክልቲ ስለ ዘየልቦ፡ ኣዒንተን ይጠልማአን።+   ስሕተትና ዚምስክረልና እኳ እንተ ዀነ፡ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ግበር።+ ጥልመትናስ ብዙሕ እዩ፣+ንዓኻ ኸኣ ኢና በዲልና።   ኦ ተስፋ እስራኤል፡ ብግዜ ጭንቂ መድሓኒኡ፡+ስለምንታይ ኢኻ ኣብታ ምድሪ ኸም ጋሻ፡ሓንቲ ለይቲ ጥራይ ከም ዚሓድር ተጓዓዚ ዝዀንካ፧   ስለምንታይ ኢኻ ኸም እተዓንደ ሰብ፡ኬድሕን ከም ዘይክእል ጅግና ዝዀንካ፧ ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ መንጎና ኢኻ፣+ብስምካ ኸኣ ንጽዋዕ ኣለና።+ ኣይትሕደገና። 10  የሆዋ ብዛዕባ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኰለል ምባል ይፈትዉ እዮም፣+ ንኣእጋሮም ኣይቀየድወንን።+ ስለዚ፡ የሆዋ ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+ ሕጂ ንስሕተቶም ኪዝክሮ፡ ብሓጢኣቶም ከኣ ተሓተትቲ ኺገብሮም እዩ።”+ 11  የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ንጽቡቕ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ።+ 12  ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ከጥፍኦም እየ እሞ፡+ ኪጾሙ ኸለዉ፡ ልማኖኦም ኣይሰምዕን እየ፣+ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”+ 13  ኣነ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ነብያት፡ ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ናይ ሓቂ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይትርእዩን፡ ጥሜት እውን ኣይኪመጸኩምን እዩ’ ይብልዎም ኣለዉ” በልኩ።+ 14  የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “እቶም ነብያት ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ።+ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን።+ ናይ ሓሶት ራእያትን ከንቱ ጥንቈላን ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።+ 15  ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣነ ዘይለኣኽክዎም፡ ኣብታ ምድሪ ሰይፊ ዀነ ጥሜት ኣይኪኸውንን እዩ ዚብሉ ብስመይ ዚንበዩ ነብያት ከምዚ ይብል፦ ‘እዞም ነብያት እዚኦም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም።+ 16  ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ኸኣ፡ እቲ ዚግብኦም መዓት ክኽዕወሎም እየ እሞ፡+ ብሰሪ እቲ ጥሜትን ሰይፍን፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ዚቐብሮም ዘይብሎም+ ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ኪድርበዩ እዮም።’ 17  “ነዚ ቓላት እዚ ተዛረቦም፣‘ድንግል ጓል ህዝበይ ምሉእ ብምሉእ ተጨፍሊቓን ተሰይራን፡+ኣዝዩ ብርቱዕ ቍስሊ ኸኣ ቈሲላ እያ እሞ፡ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ።+ 18  ናብ መሮር እንተ ወጺአ፡እንሆ፡ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ እርኢ ኣለኹ!+ ናብ ከተማ እንተ ኣትየ፡ብጥሜት ዝሓመሙ እርኢ ኣለኹ!+ እቶም ነብያትን ካህናትንሲ ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ ዞይሮም።’”+ 19  ካንዶ ንይሁዳ ጠሪስካ ደርቢኻያ ኢኻ፧ ንጽዮንዶኸ ፈንፊንካያ ኢኻ፧*+ ስለምንታይ ከም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቒዕካና፧+ ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን፣ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+ 20  ኦ የሆዋ፡ ንዓኻ በዲልና ኢና እሞ፡+እከይናን ስሕተት ኣቦታትናንንእመን ኣለና። 21  ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደርብየና።+ ነቲ ኽቡር ዝፋንካ ኣይትንዓቆ። ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ።+ 22  ካብቶም ከንቱ ጣኦታት ኣህዛብ ዝናም ኬዝንም ዚኽእልዶ ኣሎ፧ ሰማያትከ ባዕላቶም ብርቱዕ ካፋ ኬኻፍዩ ይኽእሉዶ፧ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣይኰንካን፧+ ንስኻ በይንኻ ነዚ ዅሉ ጌርካ ኢኻ እሞ፡ብኣኻ ተስፋ ንገብር ኢና።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንንኣሽቱኦም።”
ወይ፡ “መዕቘሪታት ማይ።”
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
ወይ፡ “ብሕማምን።”
ወይ፡ “ነፍስኻዶ ንጽዮን ፈንፊናታ እያ፧”