ኤርምያስ 14:1-22
14 እቲ ብዛዕባ ደርቂ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦+
2 ይሁዳ ትሓዝን ኣላ፣+ ኣፍ ደገታታ ድማ ጸምልዮም ኣለዉ።
ጕህዮም ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኣለዉ፣ካብ የሩሳሌም ከኣ ኣውያት ይወጽእ ኣሎ።
3 ጐይተታ ንገላዉኦም* ማይ ኬምጽኡ ይልእኽዎም።
ናብ ጐዳጕዲ ማይ* ከይዶም፡ ማይ ኣይረኽቡን።
ንኣቕሑኦም ጥራዩ ሒዞምዎ ኸኣ ይምለሱ።
ሓፊሮምን ሓኒኾምን ኣለዉ፣ርእሶም ከኣ ይጕልብቡ ኣለዉ።
4 ኣብታ ምድሪ ዝናም የልቦን እሞ፡+እታ መሬት ስለ ዝነቓቕዐት፡ሓረስቶት ተዳሂሎምን ርእሶም ተጐልቢቦምን ኣለዉ።
5 ሳዕሪ ስለ ዘየልቦ፡እራብ መሮር እኳ ንማሕስኣ ትሓድግ።
6 ኣእዱግ በረኻ ኣብ መላጥ ኵርባታት ደው ይብላ።
ከም ወኻሩ* ኣየር ደልየን ይልህልሃ፣ኣትክልቲ ስለ ዘየልቦ፡ ኣዒንተን ይጠልማአን።+
7 ስሕተትና ዚምስክረልና እኳ እንተ ዀነ፡ኦ የሆዋ፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ግበር።+
ጥልመትናስ ብዙሕ እዩ፣+ንዓኻ ኸኣ ኢና በዲልና።
8 ኦ ተስፋ እስራኤል፡ ብግዜ ጭንቂ መድሓኒኡ፡+ስለምንታይ ኢኻ ኣብታ ምድሪ ኸም ጋሻ፡ሓንቲ ለይቲ ጥራይ ከም ዚሓድር ተጓዓዚ ዝዀንካ፧
9 ስለምንታይ ኢኻ ኸም እተዓንደ ሰብ፡ኬድሕን ከም ዘይክእል ጅግና ዝዀንካ፧
ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ መንጎና ኢኻ፣+ብስምካ ኸኣ ንጽዋዕ ኣለና።+
ኣይትሕደገና።
10 የሆዋ ብዛዕባ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኰለል ምባል ይፈትዉ እዮም፣+ ንኣእጋሮም ኣይቀየድወንን።+ ስለዚ፡ የሆዋ ብኣታቶም ባህ ኣይብሎን እዩ።+ ሕጂ ንስሕተቶም ኪዝክሮ፡ ብሓጢኣቶም ከኣ ተሓተትቲ ኺገብሮም እዩ።”+
11 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ንጽቡቕ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትጸሊ።+
12 ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ከጥፍኦም እየ እሞ፡+ ኪጾሙ ኸለዉ፡ ልማኖኦም ኣይሰምዕን እየ፣+ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”+
13 ኣነ ኸኣ፡ “ኣየ፡ ኣታ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ! እንሆ፡ ነብያት፡ ‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ናይ ሓቂ ሰላም ክህበኩም እየ እምበር፡ ሰይፊ ኣይትርእዩን፡ ጥሜት እውን ኣይኪመጸኩምን እዩ’ ይብልዎም ኣለዉ” በልኩ።+
14 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “እቶም ነብያት ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለዉ።+ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን።+ ናይ ሓሶት ራእያትን ከንቱ ጥንቈላን ተንኰል ልቦምን ደኣ ይንበዩልኩም ኣለዉ።+
15 ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣነ ዘይለኣኽክዎም፡ ኣብታ ምድሪ ሰይፊ ዀነ ጥሜት ኣይኪኸውንን እዩ ዚብሉ ብስመይ ዚንበዩ ነብያት ከምዚ ይብል፦ ‘እዞም ነብያት እዚኦም፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ኪጠፍኡ እዮም።+
16 ነቶም እተነበዩሎም ህዝቢ ኸኣ፡ እቲ ዚግብኦም መዓት ክኽዕወሎም እየ እሞ፡+ ብሰሪ እቲ ጥሜትን ሰይፍን፡ ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ዚቐብሮም ዘይብሎም+ ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ኪድርበዩ እዮም።’
17 “ነዚ ቓላት እዚ ተዛረቦም፣‘ድንግል ጓል ህዝበይ ምሉእ ብምሉእ ተጨፍሊቓን ተሰይራን፡+ኣዝዩ ብርቱዕ ቍስሊ ኸኣ ቈሲላ እያ እሞ፡ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን ከየቋረጻ ንብዓት የውሕዛ።+
18 ናብ መሮር እንተ ወጺአ፡እንሆ፡ እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ እርኢ ኣለኹ!+
ናብ ከተማ እንተ ኣትየ፡ብጥሜት ዝሓመሙ እርኢ ኣለኹ!+
እቶም ነብያትን ካህናትንሲ ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ ዞይሮም።’”+
19 ካንዶ ንይሁዳ ጠሪስካ ደርቢኻያ ኢኻ፧ ንጽዮንዶኸ ፈንፊንካያ ኢኻ፧*+
ስለምንታይ ከም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቒዕካና፧+
ንሰላም ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ጽቡቕ ኣይመጸን፣ንግዜ ምሕዋይ ተስፋ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ሽበራ ዀይኑ!+
20 ኦ የሆዋ፡ ንዓኻ በዲልና ኢና እሞ፡+እከይናን ስሕተት ኣቦታትናንንእመን ኣለና።
21 ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትደርብየና።+
ነቲ ኽቡር ዝፋንካ ኣይትንዓቆ።
ነቲ ምሳና ዝኣቶኻዮ ኺዳን ዘክር እሞ ኣይተፍርሶ።+
22 ካብቶም ከንቱ ጣኦታት ኣህዛብ ዝናም ኬዝንም ዚኽእልዶ ኣሎ፧
ሰማያትከ ባዕላቶም ብርቱዕ ካፋ ኬኻፍዩ ይኽእሉዶ፧
ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣይኰንካን፧+
ንስኻ በይንኻ ነዚ ዅሉ ጌርካ ኢኻ እሞ፡ብኣኻ ተስፋ ንገብር ኢና።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ንንኣሽቱኦም።”
^ ወይ፡ “መዕቘሪታት ማይ።”
^ ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
^ ወይ፡ “ብሕማምን።”
^ ወይ፡ “ነፍስኻዶ ንጽዮን ፈንፊናታ እያ፧”