ኤርምያስ 15:1-21

  • የሆዋ ንፍርዱ ኣይኪቕይሮን እዩ (1-9)

  • ጥርዓን ኤርምያስ (10)

  • ምላሽ የሆዋ (11-14)

  • ጸሎት ኤርምያስ (15-18)

    • ቃላት ኣምላኽ ምብላዕ ዜምጽኦ ደስታ (16)

  • የሆዋ ንኤርምያስ ኣተባብዖ (19-21)

15  የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ዚቘሙ፡+ ነዚ ህዝቢ እዚ ሞገስ ኣይመርኣኽዎን።* ካብ ቅድሚ ገጸይ ስጐጎም። ይኺዱ።  ‘ናበይ ክንከይድ ኢና፧’ እንተ ኢሎምኻ ድማ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንመቕዘፍቲ እተመደበ፡ ናብ መቕዘፍቲ! ንሰይፊ እተመደበ፡ ናብ ሰይፊ!+ ንጥሜት እተመደበ፡ ናብ ጥሜት! ንምርኮ እተመደበ ኸኣ፡ ናብ ምርኮ!”’+  “‘ኣብ ልዕሊኦም ድማ ኣርባዕተ መዓት፡*+ ሰይፊ ንምቕታል፡ ኣኽላባት ንምጕታት፡ ኣዕዋፍ ሰማያትን ኣራዊት ምድርን ንምብላዕን ንምጥፋእን ክሸይም እየ’ ይብል የሆዋ።+  ‘ብሰሪ ምናሴ ወዲ ህዝቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ፡+ ንዅለን መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽገብሮም እየ።+   ኣቲ የሩሳሌም፡ መን ኪርሕርሓልኪ እዩ፧ መን ኪድንግጸልኪ እዩ፧ ብዛዕባ ድሕንነትኪኸ መን ኪሓትተልኪ እዩ፧’   ‘ጠንጢንክኒ’ ይብል የሆዋ።+ ‘ዝባንኪ መሊስክለይ ኣለኺ።*+ ስለዚ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ኸጥፍኣኪ እየ።+ ንዓኺ ብምድንጋጽ* ደኺመ ኣለኹ።   ኣብ ኣፍ ደገታት እታ ምድሪ ብመስአ ኸዝርዎም እየ። ውሉድ ከስእኖም እየ።+ ካብ መገድታቶም ምምላስ ስለ ዝኣበዩ፡+ንህዝበይ ከጥፍኦም እየ።   መበለታቶም ኣብ ቅድመይ ካብ ሑጻ ባሕርታት ኪበዝሓ እየን። ብቐትሪ ኣባታቶም፡ ኣብ ኣዴታትን ኣብ ኣጕባዝን፡ መጥፍኢ ኸምጽእ እየ። ብሃንደበት ነውጽን ሽበራን ከምጽኣሎም እየ።   ሸውዓተ ዝወለደት ሰበይቲ ደኺማ ኣላ፣ትንፋስ ሓጺርዋ ኣሎ።* ገና መዓልቲ ኸሎ፡ ጸሓያ ዓሪባ ኣላ፣እዚ ኸኣ ኣሕፊርዋን ኣዋሪድዋን ኣሎ።’* ‘ነቶም ሒደት ተረፎም ድማ፡ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንሰይፊ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ’ ይብል የሆዋ።”+ 10  ኣቲ ኣደይ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኣደዳ ቘየቛን ባእስን ክኸውንሲ፡ንዓይ ስለ ዝወለድኪ፡ ወይለይ!+ ዘየለቃሕኩን ዘይተለቃሕኩን ክነሰይሲ፡ኵላቶም ይረግሙኒ ኣለዉ። 11  የሆዋ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ብርግጽ ንጽቡቕ ከገልግለካ እየ፣ብግዜ መዓት ብርግጽ ክልምነልካ፡ብግዜ ጭንቂ ንጸላኢ ኽልምነልካ እየ። 12  ሓጺን ኪሰብር፡ሓጺን ሰሜንን ነሓስን ኪሰብር ዚኽእልዶ ኣሎ፧ 13  ብሰሪ እቲ ኣብ ብዘሎ ሃገርካ ዝገበርካዮ ዅሉ ሓጢኣትካ፡ጥሪትካን መዛግብትኻን ንዘመተ ኽህብ እየ።+ 14  ብቝጥዓይ ሓዊ ተባሪዑ፡ኣባኻትኩም ድማ ይነድድ ኣሎ እሞ፡+ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ኪወስድዎስ፡+ንጸላእትኻ ኽህቦም እየ።” 15  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ትፈልጥ፣ዘክረኒ፡ ቈላሕታኻ ድማ ግበረለይ። ንሰጐጕተይ ሕነ ፍደየለይ።+ ንዅራ ደንጓዪ ብምዃንካ፡ ክጠፍእ ኣይትሕደገኒ።* ስለኻ ኢለ እዚ ጸርፊ እዚ ኸም ዝጾርኩ ፍለጥ።+ 16  ቃላትካ ተረኺቡ፡ ኣነ እውን በሊዐዮ፣+ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ብስምካ ተጸዊዐ እየ እሞ፡ቃልካ ፍስሃን ሓጐስ ልበይን ኰይኑኒ። 17  ኣብ ኣኼባ መስሓቕቲ ኣይቅመጥን፡ ምሳታቶም እውን ኣይሕጐስን እየ።+ ኢድካ ኣብ ልዕለይ ስለ ዝዀነት፡ብቝጥዓ* መሊእካኒ ኢኻ እሞ፡+ በይነይ እየ ዝቕመጥ። 18  ስለምንታይ እዩ ስቓየይ ዘየቋርጽ፡ ቍስለይ ከኣ ዘይሓዊ፧ ምሕዋይ ኣብዩ። ከም ዘየተኣማምን መታለሊ ቐረብ ማይዶክትኰነኒ ኢኻ፧ 19  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንተ ተመሊስካ፡ ክመልሰካ እየ፣ኣብ ቅድመይ ከኣ ክትቀውም ኢኻ። ክቡር ካብ ከንቱ እንተ ፈሊኻ፡ከም ኣፈይ* ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ኺምለሱ እዮም እምበር፡ንስኻስ ናባታቶም ኣይክትምለስን ኢኻ።” 20  “ነዚ ህዝቢ እዚ፡ እተዓርደ መንደቕ ነሓሲ ኽገብረካ እየ።+ ንሳቶም ብርግጽ ኪዋግኡኻ እዮም፣ግናኸ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፣+‘ከናግፈካስ ኣነ ምሳኻ እየ’ ይብል የሆዋ።” 21  “ካብ ኢድ እኩያት ድማ ከናግፈካ፡ካብ ኢድ ጨካናት ከኣ ክብጀወካ እየ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሰይ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኣይመበለትን።”
ወይ፡ “ኣርባዕተ ዓይነት ፍርዲ” ኪኸውን ይኽእል። ቃ.ቃ.፡ “ኣርባዕተ ዓሌት።”
ወይ፡ “ናብ ድሕሪት ትኸዲ ኣለኺ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብጣዕሳ።”
ወይ፡ “ሓፊራን ሓኒኻን ኣላ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍሳ ትንፋስ ሓጺርዋ ኣሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣይትውሰደኒ።”
ወይ፡ “ብመልእኽቲ ዅነኔ።”
ወይ፡ “ኣፈኛይ።”