ኤርምያስ 18:1-23

  • ካይላ ኣብ ኢድ ሰራሕ ካይላ (1-12)

  • የሆዋ ንእስራኤል ዝባኑ መለሰሉ (13-17)

  • ንኤርምያስ እተኣልመሉ ውዲት፣ ልማኖኡ (18-23)

18  እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦  “ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ ካይላ ውረድ፣+ ኣብኡ ኸኣ ቃላተይ ከስምዓካ እየ።”  ኣነ ድማ ናብ ቤት ሰራሕ ካይላ ወረድኩ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ መንኰርኰር ካይላ ይሰርሕ ነበረ።  እቲ ሰራሕ ካይላ ብመሬት ዚሰርሖ ዝነበረ ኣቕሓ ግና ኣብ ኢዱ ተበላሸወ። ስለዚ፡ እቲ ሰራሕ ካይላ ኸምቲ ኣብ ኣዒንቱ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ፡ መሊሱ ኻልእ ኣቕሓ ገይሩ ሰርሖ።  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦  “‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነስ ከምቲ እዚ ሰራሕ ካይላ እዚ ዝገበሮ ኽገብረኩምዶ ኣይክእልን እየ፧’ ይብል የሆዋ። ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ ሰራሕ ካይላ ዘሎ፡ ከምኡ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም።+  ብዛዕባ ምምሓውን ምፍራስን ምጥፋእን ህዝቢ ወይ መንግስቲ ምስ ዝዛረብ፡+  እቲ ህዝቢ እቲ ድማ ነቲ እተዛረብኩሉ እከይ እንተ ሓዲግዎ፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኸምጽኦ ሓሲበ ዝነበርኩ መዓት ሓሳበይ ክልውጥ እየ።*+  ግናኸ፡ ብዛዕባ ምህናጽን ምትካልን ህዝቢ ወይ መንግስቲ ምስ ዝዛረብ፡ 10  ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ክፉእ ምስ ዚገብርን ድምጸይ ምስ ዘይእዘዝን፡ ኣነ እውን ብዛዕባ እቲ ኽገብሮ ሓሲበ ዝነበርኩ ጽቡቕ ሓሳበይ ክልውጥ እየ።’* 11  “ሕጂ፡ በጃኻ ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን፡ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ መዓት አዳልወልኩም፡* ኣንጻርኩም ከኣ ሓሳብ እሓስበልኩም ኣለኹ። ካብ ክፉእ መገድታትኩም ተመለሱ፣ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣሐድሱ”’ በሎም።”+ 12  ንሳቶም ግና፡ “እዝስ ዘይከውን እዩ!+ ንሕናስ ደድሕሪ ሓሳብ ርእስና ኽንመላለስ ኢና፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከም ንቕጽና እቲ እኩይ ልቡ ኺገብር እዩ” በሉ።+ 13  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መንጎ ኣህዛብ እስከ በጃኹም ሕተቱ። ከምዚ ዝበለስ መን ሰሚዑ፧ ድንግል እስራኤል ዝኸፍአ ጉድ ገይራ።+ 14  ውርጪ ሊባኖስዶ ኻብ ኣኻውሕ ካብ ጎቦኡ ይጠፍእ እዩ፧ ወይስ ካብ ርሑቕ ዚውሕዝ ዝሑል ማያትዶ ይነጽፍ እዩ፧ 15  ህዝበይ ግና ረሲዑኒ።+ ንኸንቱስ ሰዊኦም* እዮም፣+ጥጡሕ ብዘይኰነ እሉይ መገድታት ኪኸዱስ፡ኣብ መገድታቶም፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ንሰብ ኣዐንቂፎም እዮም።+ 16  ስለዚ፡ ንምድሮም መሰክሒ፡+ንዘለኣለም ከኣ መፋጸዪ ኺገብርዋ እዮም።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ሰኪሑ ኺጥምትን ርእሱ ኺንቕንቕን እዩ።+ 17  ከም ንፋስ ምብራቕ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ፋሕ ከብሎም እየ። ብመዓልቲ መዓቶም ገጸይ ዘይኰነስ፡ ዝባነይ ከርእዮም እየ።”+ 18  ንሳቶም ድማ፡ “ሕጊ* ኻብ ካህናትና፡ ወይ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛታት፡ ወይ ቃል ካብ ነብያት ኣይጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ውዲት ንእለመሉ።+ ንዑ ኣንጻሩ ንዛረብ፡* ንዚብሎ ድማ ኣይነቕልበሉ” በሉ። 19  ኦ የሆዋ፡ ኣቕልበለይ፡ነቲ ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ። 20  ኣብ ክንዲ ጽቡቕዶ ኽፉእ ይፍደ እዩ፧ ንሳቶምሲ ንህይወተይ* ጕድጓድ ኵዒቶምላ ኣለዉ።+ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ቍጥዓኻ ኸርሕቐሎምን ኢለኸመይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝቘምኩ ዘክር። 21  ስለዚ፡ ደቆም ንጥሜት ሃብ፣ንሓይሊ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሃቦም።+ ኣንስቶም ደቀን ዝሰኣናን መበለታትን ይኹና።+ ሰብኡቶም ድማ ብመቕዘፍቲ ይቀተሉ፣ኣጕባዞም እውን ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይቀተሉ።+ 22  ብሃንደበት ዘመትቲ ምስ ኣምጻእካሎም፡ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይሰማዕ። ኪሕዙንስ ጕድጓድ ኵዒቶምለይ፡ንኣእጋረይ ከኣ መጻወድያታት ኣጻዊዶምለይ እዮም።+ 23  ኦ የሆዋ፡ ንስኻ ግናንዅሉ እቲ ኪቐትሉኒ ዝሓሰቡለይ ተንኰል ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ።+ ስሕተቶም ኣይትሸፍን፣ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ። ብቝጥዓኻ ስጕምቲ ኽትወስደሎም ከለኻ፡+ኣብ ቅድሜኻ ይተዓንቀፉ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነቲ ኸምጽኦ ሓሲበ ዝነበርኩ መዓት ክጥዓሰሉ እየ።”
ወይ፡ “ነቲ ኽገብሮ ሓሲበ ዝነበርኩ ጽቡቕ ክጥዓሰሉ እየ።”
ቃ.ቃ.፡ “እገብረልኩም።”
ወይ፡ “ዓጢኖም።”
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብልሳን ንውቅዓዮ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”