ኤርምያስ 2:1-37

  • እስራኤል ንየሆዋ ሓዲጎም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ (1-37)

    • እስራኤል ከም ጓና ተኽሊ ወይኒ ዀነት (21)

    • ወሰናስን ክዳና ብደም ተጸየቐ (34)

2  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦  “ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌም ከምዚ በል፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብንእስነትኪ ዝነበረኪ ተወፋይነት፡*+ክትሕጸዪ ኸለኺ ዝነበረኪ ፍቕሪ፡+ኣብ በረኻ፡ ዘርኢ ኣብ ዘይተዘርአ ምድሪ+ኸመይ ከም ዝሰዓብክኒ ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ።   እስራኤል ንየሆዋ እተቐደሰ፡+ በዅራት ቀውዑ እዩ ነይሩ።”’ ‘ንዕኡ ዚውሕጦ ዘበለ በዳሊ ይኸውን። መዓት ድማ ይወርዶም’ ይብል የሆዋ።”+   ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ኵላትኩም ዓሌታት ቤት እስራኤል፡ ቃል የሆዋ ስምዑ።   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሓቑ፡+ደድሕሪ ኸንቱ ጣኦታት+ ዝሰዓቡን ንርእሶም ከንቱ ዝዀኑንሲ፡+እንታይ ጕድለት ስለ ዝረኸቡለይ እዮም፧   ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና፡+ብበረኻ፡ብምድረ በዳን+ ብጐዳጕድን፡ብምድሪ ደርቅን+ ብብርቱዕ ጽላሎትን፡ሰብ ብዘይጕዓዞንሰብ ብዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓናየሆዋ ኣበይ ኣሎ፧’ ኢሎም ኣይሓተቱን።   ሽዑ፡ ፍሪኣን ጽቡቓን ክትበልዑ፡ናብ ምድሪ ግራት ፍረታት ኣምጺአኩም።+ ንስኻትኩም ግና ምስ መጻእኩም፡ ነታ ምድሪ ኣርኪስኩምዋ፣ንርስተይ እውን ፍንፍንቲ ጌርኩምዋ።+   ካህናት፡ ‘የሆዋ ኣበይ ኣሎ፧’ ኣይበሉን፣+ሕጊ ዝሓዙ፡ ኣይፈለጡንን፣ጓሶት ካባይ ዓለዉ፣+ነብያት ብበዓል ተነበዩ፣+ጥቕሚ ንዘየምጽኡ ኸኣ ሰዓቡ።   ‘ስለዚ፡ መሊሰ ኽብኣሰኩም እየ’+ ይብል የሆዋ፡‘ምስ ደቂ ደቅኹም እውን ክብኣስ እየ።’ 10  ‘ግናኸ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ* ኪቲም+ ተሳገሩ እሞ ርኣዩ። እወ፡ ናብ ቄዳር+ ልኣኹ እሞ ተጠንቂቕኩም ሕሰቡ፣ከምዚ ዝበለ ዀይኑ እንተ ዀይኑ፡ ርኣዩ። 11  ንኣማልኽቱስ ኣማልኽቲ ብዘይኰኑ ዝለወጠ ህዝቢዶ ኣሎ፧ ህዝበይ ግና ንኽብረይ ብዘይጠቅም ለዊጥዎ።+ 12  ኣቱም ሰማያት ተገሪምኩም ጠምቱ፣ብኣዝዩ ዓብዪ ራዕዲ ኣንቀጥቅጡ’ ይብል የሆዋ፡ 13  ‘ህዝበይሲ ኽልተ ኽፉእ ነገር ገይሩ እዩ፦ ንዓይ ንምንጪ ህያው ማይ ሓዲጎምኒ፣+ንርእሶም ከኣ መዕቘሪታት ማይ፡እወ፡ ማይ ዘይዓቍር ነቓዕ መዕቘሪታት ማይ ኵዒቶም።’* 14  ‘እስራኤልሲ ጊልያ ወይ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ድዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ንዘመተ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡ፧ 15  ሽደናት ኣናብስ ጓዚሞምሉ፣+ደሃዮም ኣልዒሎምሉ። ንምድሩ መሰክሒ ገይሮምዋ። ከተማታቱ ነዲደን፣ ስለዚ፡ ነባሪ የብለንን። 16  ህዝቢ ኖፍን*+ ታህጳኔስን+ ኣብ መንበስበስታኺ ተመጊቦም። 17  ብመገዲ እናመርሓክስንየሆዋ ኣምላኽኪ ብምሕዳግኪ፡+ነዚ ባዕልኺ ደይኰንክን ኣብ ርእስኺ ዘምጻእክዮ፧ 18  ሕጂኸ ማያት ሺሖር* ክትሰትይስ፡ስለምንታይ ናብ ግብጺ ዚወስድ መገዲ ትደልዪ ኣለኺ፧+ ማያት እቲ ፈለግ* ክትሰትይስ፡ስለምንታይ ናብ ኣሶር ዚወስድ መገዲ ትደልዪ ኣለኺ፧+ 19  እከይኪ ኺእርመኪ፡ጥልመትኪ ድማ ኪገንሓኪ ይግባእ። ንየሆዋ ኣምላኽኪ ምሕዳግኪ፡ክሳዕ ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፣+ኣይፈራህክንን’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 20  ‘ጥንትስ ኣርዑትኪ ሰይረ፡+መቓውሕኪ በጢሰ። ንስኺ ግና፡ “ኣየገልግልን እየ” ኢልኪ፣ኣብ ኵሉ በሪኽ ኵርባን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን+ንምንዝር ተጋሕቲንኪ በጥ ኢልኪ።+ 21  ሕሩይ ቀይሕ ተኽሊ ወይኒ፡+ ኵሉ ጽሩይ ዘርኢ ገይረ ተኺለኪ፣ከመይ ኢልኪ ደኣ ብልሽውቲ ጨናፍር ጓና ተኽሊ ወይኒ ዄንኪ ኣብ ቅድመይ ተለዊጥኪ፧’+ 22  ‘ብሶዳ* እኳ እንተ ተሓጸብኪ፡ ብዙሕ ሳሙና እውን እንተ ተጠቐምኪ፡በደልኪ ኣብ ቅድመይ ጽያቕ ኪኸውን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 23  ከመይ ኢልኪ፡ ‘ኣይረኸስኩን። ደድሕሪ በዓላት ኣይሰዓብኩን’ እትብሊ፧ መገድኺ ኣብ ስንጭሮ ተመልከቲ። እንታይ ከም ዝገበርኪ ሕሰቢ። ከምታ ኣብ መገድታታ ኣብዝን ኣብትን እትፋንንፈጣን ረባዕ ገመል ኢኺ፣ 24  በረኻ ኸም ዝለመደት ኣድጊ በረኻ፡ክትስረር ደልያ* ንንፋስ ፊንፊን ከም እትብል ኢኺ። ምስ ረሰነት መን ኪገትኣ ይኽእል፧ ኵሎም እቶም ዚደልይዋ ኺደኽሙ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ ወርሓታ ኺረኽብዋ እዮም። 25  ኣእጋርኪ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡ጐረሮኺ ድማ ካብ ጽምኢ ሓልዊ። ንስኺ ግና፡ ‘እዝስ ዘይከውን እዩ!+ ኣይፋለይን! ንጓኖት* ኣፍቂረ እየ፡+ክስዕቦም ከኣ እየ’+ ኢልኪ። 26  ከምቲ ሰራቒ ምስ ተታሕዘ ዚሓፍር፡ከምኡ ድማ ቤት እስራኤል፡ንሳቶምን ነገስታቶምን መሳፍንቶምንካህናቶምን ነብያቶምን ሓፊሮም ኣለዉ።+ 27  ንኦም፡ ‘ንስኻ ኣቦና ኢኻ’ ይብሉ፣+ንእምኒ፡ ‘ንስኺ ወሊድክና’ ይብሉ። ናባይ ግና ዝባኖም እምበር ገጾም ኣይመለሱን።+ ብግዜ መዓቶም ድማ፡‘ተንስእ እሞ ኣድሕነና!’ ኪብሉ እዮም።+ 28  እቶም ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፧+ ኦ ይሁዳ፡ ኣማልኽትኻ ኸም ከተማታትካ ብዙሓት ኰይኖም እዮም እሞ፡ብግዜ መዓትካ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ ይተንስኡ።+ 29  ‘ስለምንታይ ምሳይ እትብኣሱ፧ ስለምንታይከ ዅላትኩም ካባይ ዓሊኹም፧’+ ይብል የሆዋ። 30  ንደቅኹም ብኸንቱ ወቒዐ።+ ተግሳጽ ኣይቅበሉን እዮም፣+ሰይፍኹም ከም ዘራፊ ኣንበሳንነብያትኩም ውሒጥዎም።+ 31  ኣቱም ወለዶ፡ ንቓል የሆዋ ሕሰቡሉ። ንእስራኤልዶ ኸም በረኻ፡ወይስ ከም ምድሪ ድቕድቕ* ጸልማት ኰይነዮም እየ፧ እዞም ህዝበይ ደኣ ስለምንታይ እዮም፡ ‘ብናጽነት ኰለል ንብል ኢና። ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን ኢና’ ዝበሉ፧+ 32  ድንግልዶ ስልማታ፡መርዓትከ መቐነታ* ትርስዕ እያ፧ ህዝበይ ግና ቍጽሪ ንዘይብሉ መዓልትታት ረሲዑኒ።+ 33  ፍቕሪ ኽትደልዪ ኢልኪ መገዲ ምቕናዕሲ ኽንደይ ኰን ትኽእልሉ ኢኺ! ብመገድታት እከይ ርእስኺ ኣሰልጢንኪ ኣለኺ።+ 34  ጥሒሶም ኪኣትዉ እኳ እንተ ዘይረኸብክዎም፡ወሰናስን ክዳንኪ እኳ ብደም ንጹሃት ድኻታት* ተጸይቑ ኣሎ፣+ኣብ ኵሉ ወሰናስን ክዳንኪ ኣሎ።+ 35  ንስኺ ግና፡ ‘ኣነ ንጽህቲ እየ። ብርግጽ ቍጥዓኡ ኻባይ ተመሊሱ እዩ’ ትብሊ። ‘ኣይሓጣእኩን’ ስለ እትብሊ፡ሕጂ ኣነ ፍርዲ አምጽኣልኪ ኣለኹ። 36  ነቲ ዘይጽኑዕ መገድኺ ስለምንታይ ኣቕሊልኪ እትርእይዮ፧ ከምቲ ብኣሶር ዝሓፈርኪ፡+ብግብጺ እውን ክትሓፍሪ ኢኺ።+ 37  የሆዋ ነቶም እትእመንዮም ደርብይዎም እዩ እሞ፡በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኣእዳውኪ ኣብ ርእስኺ ጌርኪ ኽትወጺ ኢኺ፣+ንሳቶም ኣይኬስልጡልክን እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብንእስነትኪ ኸለኺ ብተኣማንነት እተርእይዮ ዝነበርኪ ፍቕሪ።”
ወይ፡ “ደሴታት።”
ወይ፡ “ወቒሮም ኵዒቶም፡” ካብ ከውሒ ኪኸውን ኣለዎ።
ወይ፡ “ሞፍን።”
ማለት፡ ጨንፈር ፈለግ ኒል።
ማለት፡ ኤፍራጥስ።
ወይ፡ “ብኣልካሊ።”
ወይ፡ “ብትምኒት ነፍሳ።”
ወይ፡ “ንጓኖት ኣማልኽቲ።”
ወይ፡ “ዓቕሊ ዜጽብብ።”
ወይ፡ “መቐነት መርዓኣ።”
ወይ፡ “ድኻታት ነፍሳት።”