ኤርምያስ 21:1-14

  • የሆዋ ንጼዴቅያስ ከም ልማኖኡ ኣይገበረሉን (1-7)

  • እቲ ህዝቢ ኻብ ህይወትን ሞትን ሓዲኡ ይሕረ (8-14)

21  ንጉስ ጼዴቅያስ+ ንጳሽሑር+ ወዲ ማልክያን ንጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን፡ ንኤርምያስ ኪሓትትዎ ኢሉ ምስ ለኣኾም፡ ናብ ኤርምያስ ቃል የሆዋ መጸ።  ንሳቶም ድማ፡ “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ይዋግኣና ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ሕተተልና።+ ንሱ ኻባና ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ምናልባት የሆዋ ሓደ ኻብቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ይገብረልና ይኸውን” በልዎ።+  ኤርምያስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ንጼዴቅያስ ከምዚ በልዎ፦  ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ነቲ ምስ ንጉስ ባቢሎንን+ ምስቶም ኣብ ወጻኢ እቲ መካበብያ ኸቢቦምኹም ዘለዉ ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ዘለኹም ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ውግእ፡ ኣንጻርኩም እመልሶ* ኣለኹ። ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክእክቦ እየ።  ኣነ ባዕለይ ከኣ ብዝርግሕቲ ኢድን ብሓያል ቅልጽምን፡ ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቝጥዓን ክዋግኣኩም እየ።+  ንነበርቲ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ንሰብ ኰነ ንእንስሳ፡ ክወቅዕ እየ። ብብርቱዕ ለበዳ* ኸኣ ኪሞቱ እዮም።”’+  “‘“ድሕርዚ፡” ይብል የሆዋ፡ “ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንገላዉኡን ንህዝቢ እዛ ኸተማ እዚኣን፡—ነቶም ካብ ለበዳን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ዝተረፉ፡—ናብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ክህቦም እየ።+ ንሱ ድማ ብሰይፊ ኪቐትሎም እዩ። ኣይኪድንግጸሎምን፡ ኣይኪርሕርሓሎምን፡ ኣይኪምሕሮምን እዩ።”’+  “ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ።  እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚጸንሑ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኪሞቱ እዮም። ወጺኡ ናብቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ከለዳውያን ኢዱ ዚህብ ዘበለ ግና፡ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ህይወቱ ድማ ምርኮኡ ኽትኰነሉ እያ።”’*+ 10  “‘“ንጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ንመዓት፡ ገጸይ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ገይረ ኽጻረራ እየ”+ ይብል የሆዋ። “ንሳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ፡+ ንሱ ድማ ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።”+ 11  “‘ንቤተ ሰብ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፦ ቃል የሆዋ ስምዑ። 12  ኣቱም ቤት ዳዊት፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንግሆ ንግሆ፡ ፍትሒ ኣውጽኡ፣ብሰንኪ እኩይ ተግባራትኩም፡ነድረይ ከም ሓዊ ኸይባራዕ እሞ+ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸይነድድሲ፡ነቲ ዚዝመት ዘሎ ኻብ ኢድ ዓማጺ ኣናግፍዎ።”’+ 13  ‘ኣቲ ኣብ ስንጭሮ፡*ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ፡ እነኹ ኣንጻርኪ እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ኣቱም፡ “መን ኣንጻርና ኺወርድ እዩ፧ መንከ ንመንበሪና ኺወርር እዩ፧” እትብሉ፡ 14  ኣነ ኸምቲ ንግብርኹም ዚግብኦ ገይረተሓተትቲ ኽገብረኩም እየ’ ይብል የሆዋ።+ ‘ንዱራ ኸባርዖ፡ንሱ ድማ ኣብ ዙርያኣ ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “አዙሮ።”
ወይ፡ “ሕማም።”
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ህይወቱ (ነፍሱ) ድማ ኬድሕን እዩ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”