ኤርምያስ 21:1-14
21 ንጉስ ጼዴቅያስ+ ንጳሽሑር+ ወዲ ማልክያን ንጸፎንያስ+ ወዲ ማዓስያ እቲ ኻህንን፡ ንኤርምያስ ኪሓትትዎ ኢሉ ምስ ለኣኾም፡ ናብ ኤርምያስ ቃል የሆዋ መጸ።
2 ንሳቶም ድማ፡ “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ይዋግኣና ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ሕተተልና።+ ንሱ ኻባና ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ምናልባት የሆዋ ሓደ ኻብቲ ዜደንቕ ግብርታቱ ይገብረልና ይኸውን” በልዎ።+
3 ኤርምያስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ንጼዴቅያስ ከምዚ በልዎ፦
4 ‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ነቲ ምስ ንጉስ ባቢሎንን+ ምስቶም ኣብ ወጻኢ እቲ መካበብያ ኸቢቦምኹም ዘለዉ ከለዳውያንን እትዋግኡሉ ዘለኹም ኣብ ኣእዳውኩም ዘሎ ኣጽዋር ውግእ፡ ኣንጻርኩም እመልሶ* ኣለኹ። ኣብ ማእከል እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ክእክቦ እየ።
5 ኣነ ባዕለይ ከኣ ብዝርግሕቲ ኢድን ብሓያል ቅልጽምን፡ ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቝጥዓን ክዋግኣኩም እየ።+
6 ንነበርቲ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ንሰብ ኰነ ንእንስሳ፡ ክወቅዕ እየ። ብብርቱዕ ለበዳ* ኸኣ ኪሞቱ እዮም።”’+
7 “‘“ድሕርዚ፡” ይብል የሆዋ፡ “ንጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንገላዉኡን ንህዝቢ እዛ ኸተማ እዚኣን፡—ነቶም ካብ ለበዳን ካብ ሰይፍን ካብ ጥሜትን ዝተረፉ፡—ናብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ናብ ኢድ ጸላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ክህቦም እየ።+ ንሱ ድማ ብሰይፊ ኪቐትሎም እዩ። ኣይኪድንግጸሎምን፡ ኣይኪርሕርሓሎምን፡ ኣይኪምሕሮምን እዩ።”’+
8 “ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መገዲ ህይወትን መገዲ ሞትን አንብር ኣለኹ።
9 እቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዚጸንሑ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ኪሞቱ እዮም። ወጺኡ ናብቶም ከቢቦሙኹም ዘለዉ ከለዳውያን ኢዱ ዚህብ ዘበለ ግና፡ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ህይወቱ ድማ ምርኮኡ ኽትኰነሉ እያ።”’*+
10 “‘“ንጽቡቕ ዘይኰነስ፡ ንመዓት፡ ገጸይ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ገይረ ኽጻረራ እየ”+ ይብል የሆዋ። “ንሳ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክትውሃብ፡+ ንሱ ድማ ብሓዊ ኼንድዳ እዩ።”+
11 “‘ንቤተ ሰብ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ፦ ቃል የሆዋ ስምዑ።
12 ኣቱም ቤት ዳዊት፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ንግሆ ንግሆ፡ ፍትሒ ኣውጽኡ፣ብሰንኪ እኩይ ተግባራትኩም፡ነድረይ ከም ሓዊ ኸይባራዕ እሞ+ሓደ እኳ ኼጥፍኦ ኸም ዘይክእል ኰይኑ ኸይነድድሲ፡ነቲ ዚዝመት ዘሎ ኻብ ኢድ ዓማጺ ኣናግፍዎ።”’+
13 ‘ኣቲ ኣብ ስንጭሮ፡*ኣብ ከውሒ ጐልጐል እትነብሪ፡ እነኹ ኣንጻርኪ እየ’ ይብል የሆዋ።
‘ኣቱም፡ “መን ኣንጻርና ኺወርድ እዩ፧
መንከ ንመንበሪና ኺወርር እዩ፧” እትብሉ፡
14 ኣነ ኸምቲ ንግብርኹም ዚግብኦ ገይረተሓተትቲ ኽገብረኩም እየ’ ይብል የሆዋ።+
‘ንዱራ ኸባርዖ፡ንሱ ድማ ኣብ ዙርያኣ ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ።’”+
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
^ ወይ፡ “አዙሮ።”
^ ወይ፡ “ሕማም።”
^ ወይ፡ “ንነፍሶም።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
^ ወይ፡ “ህይወቱ (ነፍሱ) ድማ ኬድሕን እዩ።”
^ ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”