ኤርምያስ 22:1-30

  • ናብ ክፉኣት ነገስታት እተላእከ መልእኽቲ ፍርዲ (1-30)

    • ናብ ሻሉም (10-12)

    • ናብ ዮያቂም (13-23)

    • ናብ ኮንያ (24-30)

22  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ናብ ቤት* ንጉስ ይሁዳ ውረድ እሞ፡ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብጽሕ።  ከምዚ ኸኣ በል፦ ‘ኣታ ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጥካ ዘለኻ ንጉስ ይሁዳ፡ ንስኻ ምስቶም በዘን ኣፍ ደገታት እዚአን ዚኣትዉ ገላዉኻን ህዝብኻን፡ ቃል የሆዋ ስማዕ።  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ፍትሕን ጽድቅን ግበር። ንዚዝመት ዘሎ ኻብ ኢድ ዓማጺ ኣናግፍ። ንጓና ኣይትግፋዕ፣ ንዘኽታም* ወይ ንመበለት ከኣ ኣይትጕዳእ።+ ኣብዛ ቦታ እዚኣ እውን ንጹህ ደም ኣይተፍስስ።+  ነዚ ቓል እዚ ተጠንቂቕካ እንተ ፈጺምካዮ፡ ሽዑ እቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት+ ዚቕመጡ ነገስታት፡ ንሳቶምን ገላዉኦምን ህዝቦምን ኣብ ሰረገላታትን ኣፍራስን ተወጢሖም ብኣፍ ደገታት እዛ ቤት እዚኣ ኺኣትዉ እዮም።”’+  “‘ነዘን ቃላት እዚአን እንተ ዘይተኣዚዝካየን ግና፡ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፡’ ይብል የሆዋ፡ ‘እዛ ቤት እዚኣ ዑና ኽትከውን እያ።’+  “የሆዋ ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንስኻ ንዓይ ከም ጊልዓድ፡ከም ርእሲ ሊባኖስ ኢኻ። ኣነ ግና በረኻ ኽገብረካ እየ፣ዋላ ሓንቲ ኻብ ከተማታትካ እኳ ነበርቲ ኣይኪህልዋን እዩ።+   መጥፋእቲ ኽሸመልካ* እየ፣ነፍሲ ወከፍ ከኣ መምስ ኣጽዋሩ ኺመጽእ እዩ።+ ንሕሩይ ቄድሮሳትካ ኪቘርጽዎ፡ናብ ሓዊ እውን ኬውድቕዎ እዮም።+  “‘ብዙሓት ኣህዛብ ከኣ በዛ ኸተማ እዚኣ ኺሓልፉ፡ ንሓድሕዶም ድማ፡ “ስለምንታይ እዩ የሆዋ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ፧” ኪባሃሃሉ እዮም።+  “ኪዳን የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝሓደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሰገዱን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ” ኢሎም ከኣ ኪምልሱ እዮም።’+ 10  ንምዉት ኣይትብከዩሉ፡ኣይትሕዘኑሉ እውን። ንዚኸይድ ደኣ ኣምሪርኩም ብኸዩሉ፣ንሱስ ነታ እተወልደላ ምድሪ ኺርኢ ኣይኪምለስን እዩ። 11  “የሆዋስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ+ ዝነገሰን ካብዛ ቦታ እዚኣ ዝወጸን ሻሉም*+ ወዲ ዮስያስ ከምዚ ይብል፦ ‘ናብኣ ኣይኪምለስን እዩ። 12  ኣብታ ናብ ምርኮ ዝወሰድዎ ቦታ ደኣ ኺመውት እዩ፣ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ደጊም ኣይኪርእያን እዩ።’+ 13  እቲ ንቤቱ ብዘይ ጽድቂ፡ንደርቡ ድማ ብዘይ ፍትሒ ዚሃንጽ፡ንብጻዩ ብኸንቱ ኸም ዚግዝኦ ዚገብር፡ዓስቡ ኸኣ ምኽፋሉ ዚኣቢ፡ ወይለኡ፣+ 14  ንሱስ፡ ‘ገፋሕቲ ደርብታት ዘለዋርሕብቲ ቤት ክሃንጽ እየ። መሳዅቲ ኽገብረላ፡ብቄድሮስ ክረብባ፡ ብቐይሕ ቀለም ከኣ ክለኽያ እየ’ ይብል። 15  ንቄድሮስ ካብ ካልኦት ብዝሓሸ ስለ እተጠቐምካሉስ፡ ብንግስናኻዶ ኽትቅጽል ኢኻ፧ ኣቦኻ እውን ይበልዕን ይሰትን ነይሩ፣ግናኸ፡ ፍትሕን ጽድቅን ይገብር ነይሩ፣+ጽቡቕ ድማ ኰይኑሉ። 16  ንጕዳይ ውጹዕን ድኻን ተጣቢቑ፣ስለዚ፡ ጽቡቕ ኰይኑ። ‘እዝስ ንዓይ ምፍላጥ ማለት ደይኰነን፧’ ይብል የሆዋ። 17  ‘ኣዒንትኻን ልብኻን ግና ኣብቲ ዘይግቡእ ረብሓኻ፡ኣብ ምፍሳስ ደም ንጹህ፡ኣብ ምዕማጽን ኣብ ምዝማትን ዘተኰረ እዩ።’ 18  “ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ከምዚ ይብል፦ ‘“ዋይ፡ ሓወይ! ዋይ፡ ሓብተይ!” ኢሎምኣይኬልቅሱሉን እዮም። “ኣየ፡ ጐይታ! ኣየ፡ ግርማ!” ኢሎምኣይኬልቅሱሉን እዮም። 19  ከም ኣቃብራ ኣድጊ ኪቐብርዎ፡+ጐቲቶም ወሲዶም፡ብኽንየው ኣፍ ደገታት የሩሳሌም ኪድርብይዎ እዮም።’+ 20  ኵሎም እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኽስ ተጨፍሊቖም እዮም እሞ፡+ናብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፣ኣብ ባሳን ድምጽኺ ዓው ኣብሊ፣ካብ ዓባሪም እውን ኣእውዪ።+ 21  ድሕንነት ኪስምዓኪ ኸሎ፡ ተዛረብኩኺ። ንስኺ ግና፡ ‘ኣይእዘዝን እየ’ በልኪ።+ ንድምጸይ ኣይተኣዘዝክን እሞ፡+እዝስ ካብ ንእስነትኪ ኣትሒዙ ዝነበረ መገድኺ እዩ። 22  ንዅሎም ጓሶትኪ ንፋስ ኪጓስዮም እዩ፣+እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኺ ድማ ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም። ሽዑ፡ ብሰሪ እቲ ዅሉ መዓትኪ፡ ክትሓፍርን ክትዋረድን ኢኺ። 23  ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትቕመጢ፡+ኣቲ ኣብ መንጎ ቄድሮሳት እትሰፍሪ፡+ቅልውላው ምስ መጸኪ፡ከም እትወልድ ሰበይቲ ቕልውላው ምስ ሓዘኪ፡ ከመይ ኰን ክትግዕሪ ኢኺ!+ 24  “‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ቀለቤት ማሕተም ነይሩ እኳ እንተ ዚኸውን፡ ካብኡ መውጻእኩኻ! 25  ኣብ ኢድ እቶም ንህይወትካ* ዚደልይዋን ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆምን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።+ 26  ንዓኻን ነታ ዝወለደትካ ኣዴኻን ናብ ዘይተወለድኩምላ ኻልእ ምድሪ ኽድርብየኩም እየ፣ ኣብኡ እውን ክትሞቱ ኢኹም። 27  ናብታ ዚናፍቕዋ* ምድሪ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪምለሱን እዮም።+ 28  እዚ ኮንያ ዚብሃል ሰብኣይ እዚ ንዑቕን ስቡርንሓደ እኳ ዘይደልዮን ኣቕሓ ድዩ፧ ስለምንታይ እዮም ንሱን ዘርኡን እተደርበዩ፡ናብ ዘይፈልጥዋ ምድሪ እውን እተሰንደዉ፧’+ 29  ኣቲ ምድሪ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ቃል የሆዋ ስምዒ። 30  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሓደ ኻብ ዘርኡ እኳ ሰሊጥዎስ፡ኣብ ዝፋን ዳዊት ኣይኪቕመጥን፡ ኣብ ይሁዳ እውን ደጊም ኣይኪገዝእን እዩ እሞ፡እዚ ሰብኣይ እዚ ውሉድ ከም ዘይብሉ፡ብዘመኑ* ኸም ዘይሰለጦ ሰብ ጌርኩም ጽሓፍዎ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ኣቦ ንዘይብሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ክቕድሰልካ።”
ዮኣሓዝ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ዮያኪንን የኮንያን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ናብታ ነፍሶም ዜልዕሉላ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታቱ።”