ኤርምያስ 23:1-40

  • ሕያዎት ጓሶትን ክፉኣትን (1-4)

  • ኣብ ትሕቲ እቲ “ጻድቕ ብቋል” ዚርከብ ደሓን (5-8)

  • ናይ ሓሶት ነብያት ተዀነኑ (9-32)

  • “ጾር” የሆዋ (33-40)

23  “እቶም ንኣባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ፋሕ ዜብሉን ጓሶት፡ ወይለኦም!” ይብል የሆዋ።+  ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣንጻር እቶም ንህዝበይ ዚጓስዩ ጓሶት ከምዚ ይብል፦ “ንኣባጊዐይ ፋሕ ኣቢልኩምወን ኣለኹም፡ ትብትንወን ድማ ኣለኹም፡ ቈላሕታ እውን ኣይገበርኩምለንን።”+ “ስለዚ፡ ብሰሪ እቲ እከይ ተግባርኩም፡ ቈላሕታይ ናባኻትኩም ክገብር እየ” ይብል የሆዋ።  “ኣነ ኸኣ ነተን ካብ ኣባጊዐይ ዝተረፋ ኻብ ኵሉ እቲ እተበተናሉ ሃገራት ክእክበን፡+ ናብ መጓሰይአን ድማ ከምጽአን እየ፣+ ንሳተን እውን ኪፈርያን ኪበዝሓን እየን።+  ብሓቂ ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ።+ ደጊም ኣይኪፈርሃን ወይ ኣይኪሽበራን እየን፣ ሓንቲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ” ይብል የሆዋ።  “እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ብቋል*+ ዘተንስኣሉ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡” ይብል የሆዋ። “ንጉስ ድማ ኪነግስ፡+ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ልቦና ኺገብር፡ ፍትሕን ጽድቅን እውን ኬውጽእ እዩ።+  ብዘመኑ ይሁዳ ኺድሕን፡+ እስራኤል ድማ ብደሓን ኪነብር እዩ።+ እቲ ዚጽውዓሉ ስም ድማ እዚ እዩ፦ የሆዋ ጽድቅና እዩ።”+  “ግናኸ፡ ደጊም፡ ‘ከምቲ እቲ ንህዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ዘይብሃለለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ።+  “የግዳስ፡ ‘ከምቲ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ምድሪ ሰሜንን ካብ ኵለን እተን ኣነ ዝበተንኩለን ሃገራትን ዘውጽኦ የሆዋ ህያው ዝዀነ!’ ዚብሃለለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፣ ኣብ ምድሮም ድማ ኪቕመጡ እዮም።”+  ብዛዕባ ነብያት ከኣ፦ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተሰይሩ ኣሎ። ኵሉ ኣዕጽምተይ ይናወጽ ኣሎ። ብምኽንያት የሆዋን ብምኽንያት ቅዱስ ቃላቱን፡ከም ስኹርንብወይኒ ኸም እተሰነፈን ኰይነ ኣለኹ። 10  እታ ምድርስ ብዘመውቲ መሊኣ ኣላ፣+ብሰሪ መርገም ከኣ እታ ምድሪ ትሓዝን ኣላ፣+መጓሰዪታት በረኻ እውን ነቒጹ ኣሎ።+ መገዶም እከይ እዩ፣ ንሓይሎም ድማ ብዘይ ግቡእ ይጥቀሙሉ። 11  “ነብይን ካህንንሲ ተበኪሎም* ኣለዉ።+ ኣብ ቤተይ እኳ እከዮም እረክብ ኣለኹ”+ ይብል የሆዋ። 12  “ስለዚ፡ መገዶም መንደልሃጺትን ጸልማትን ክትከውን እያ፣+ኪድፍኡን ኪወድቁን እዮም። ኣነስ ብዓመት ምጽብጻብ፡መዓት ከምጽኣሎም እየ” ይብል የሆዋ። 13  “ኣብ ነብያት ሰማርያ+ ኸኣ ዜስገድግድ ነገር ርእየ ኣለኹ። ትንቢታቶም ካብ በዓል እዩ፣ንህዝበይ እስራኤል ድማ ኣስሒቶምዎ። 14  ኣብ ነብያት የሩሳሌም እውን ዜሰክሕ ነገር ርእየ ኣለኹ። ይዝምዉን+ ብሓሶት ይመላለሱን፣+ንገበርቲ እከይ የተባብዑ፡*ካብ እከዮም ከኣ ኣይምለሱን። ንዓይሲ ዅላቶም ከም ሶዶም፡+እቶም ነበርታ ድማ ከም ጎሞራ እዮም።”+ 15  ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣንጻር እቶም ነብያት ከምዚ ይብል፦ “ካብ ነብያት የሩሳሌምሲ ኽሕደት ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ እሞ፡እንሆ፡ መሪር ተኽሊ አብልዖም፡እተመረዘ ማይ እውን አስትዮም ኣለኹ።”+ 16  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ቃላት እቶም ዚንበዩልኩም ነብያት ኣይትስምዑ።+ የታልሉኹም እዮም ዘለዉ።* እቲ ዚዛረብዎ ራእይ ካብ ኣፍ የሆዋ ዘይኰነስ፡+ካብ ልቦም እዩ።+ 17  ነቶም ዚንዕቁኒ ብተደጋጋሚ፡‘የሆዋ፡ “ሰላም ክትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ኣሎ’ ይብልዎም ኣለዉ።+ ነቓጽ ልቦም ንዚስዕቡ ዘበሉ ዅሎም ድማ፡‘መዓት ኣይኪረኽበኩምን እዩ’ ይብልዎም ኣለዉ።+ 18  ቃሉ ኺርእን ኪሰምዕን ኢሉንየሆዋ መኻፍልቲ ምስጢሩ ዝዀነ መን እዩ፧ ኪሰምዖ ኢሉኸ ናብ ቃሉ ዘቕለበ መን እዩ፧ 19  እንሆ፡ ህቦብላ ንፋስ የሆዋ ብነድሪ ኺወጽእ እዩ፣ከም ብርቱዕ ዘራጊቶ ኣብ ርእሲ እኩያት ሕምብሊል ኪብል እዩ።+ 20  ሓሳብ ልቡ ኽሳዕ ዚፍጽምን ዚገብርን፡ቍጥዓ የሆዋ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ነዚ ብንጹር ክትርድእዎ ኢኹም። 21  ነዞም ነብያት ኣይለኣኽክዎምን፣ ግናኸ፡ ይጐይዩ ኣለዉ። ኣይተዛረብክዎምን፣ ግናኸ፡ ይንበዩ ኣለዉ።+ 22  መኻፍልቲ ምስጢረይ እንተ ዚዀኑ ነይሮም ግና፡ንህዝበይ ቃለይ መስምዕዎም፡ካብ ክፉእ መገዶምን ካብ እኩይ ተግባራቶምን ምመለስዎም ነይሮም።+ 23  “ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ ድየ፧” ይብል የሆዋ፡ “ናይ ርሑቕ ኣምላኽ እውን ደይኰንኩን፧” 24  “ኣነ ኽርእዮ ኣብ ዘይክእል ስቱር ቦታ ኺሕባእ ዚኽእልዶ ኣሎ፧”+ ይብል የሆዋ። “ንሰማያትን ንምድርን ዝመልኦ ኣነ ደይኰንኩን፧”+ ይብል የሆዋ። 25  “ነቶም ብስመይ፡ ‘ሓሊመ! ሓሊመ!’+ እናበሉ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ሰሚዐዮም ኣለኹ። 26  እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ክሳዕ መዓስ እዩ ኺጸንሕ፧ ንሳቶምሲ ነብያት ምትላል ገዛእ ልቦም እዮም።+ 27  ከምቲ ኣቦታቶም ብሰሪ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንሓድሕዶም ዚነጋገርዎ ሕልምታቶም ንህዝበይ ስመይ ኬረስዕዎ ይሓስቡ ኣለዉ።+ 28  እቲ ዝሓለመ ነብዪ ሕልሙ ይንገር፣ እቲ ቓለይ ዘለዎ ግና ብሓቂ ቓለይ ይዛረብ።” “ሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ ሓባራዊ ነገር ኣለዎ፧” ይብል የሆዋ። 29  “ቃለይ ከም ሓውን+ ከውሒ ኸም ዚሰባብር ሞደሻን ደይኰነን፧”+ ይብል የሆዋ። 30  “ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣንጻር እቶም ካብ ንሓድሕዶም ቃለይ ዚሳራረቑ ነብያት እየ”+ ይብል የሆዋ። 31  “እንሆ፡ ኣንጻር እቶም ልሳኖም፡ ‘ይብል!’ ንምባል ዚጥቀሙሉ ነብያት እየ” ይብል የሆዋ።+ 32  “እንሆ፡ ኣንጻር እቶም ሕልሚ ሓሶት ዚነግሩ፡ ብሓሶቶምን ብትምክሕቶምን ከኣ ንህዝበይ ዜስሕትዎ ነብያት እየ” ይብል የሆዋ።+ “ግናኸ፡ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ወይ ኣይኣዘዝክዎምን። ስለዚ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሓንቲ እኳ ኣይኪጠቕምዎን እዮም”+ ይብል የሆዋ። 33  “እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህን፡ ‘ጾር* የሆዋ እንታይ እዩ፧’ ኢሎም እንተ ሓቲቶምኻ፡ ‘“እቲ ጾርሲ ንስኻትኩም ኢኹም! ኣነ እውን ክድርብየኩም እየ”+ ይብል የሆዋ’ ኢልካ መልሰሎም። 34  እቲ፡ ‘እዚ ጾር የሆዋ እዩ!’ ዚብል ነብዪ ወይ ካህን ወይ ህዝቢ፡ ቈላሕታይ ኣብቲ ሰብ እትን ኣብ ቤተ ሰቡን ክገብር እየ። 35  ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ንሓዉን፡ ‘የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱ፧ የሆዋ እንታይ ኢሉ እዩ ተዛሪቡ፧’ ይብል ኣሎ። 36  ግናኸ፡ እቲ ጾርሲ* ቓላት ነፍሲ ወከፍ እዩ፡ ቃላት እቲ ህያው ኣምላኽ፡ ኣምላኽና የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ለዊጥኩም ኢኹም እሞ፡ ደጊም ጾር* የሆዋ ኣይትበሉ። 37  “ንነብዪ ኸኣ ከምዚ ኽትብሎ ኢኻ፦ ‘የሆዋ እንታይ ኢሉ መሊሱልካ፧ የሆዋ እንታይ ኢሉ ተዛሪቡካ፧ 38  “ጾር* የሆዋ!” ትብሉ እንተ ዄንኩም፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “‘“ጾር* የሆዋ” ኣይትበሉ!’ ምስ በልኩኹም፡ ‘እዚ ቓል እዚ ጾር* የሆዋ እዩ’ ትብሉ ስለ ዘለኹም፡ 39  እንሆ፡ ንዓኻትኩምን ነታ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝሃብኩኹም ከተማን ኣልዒለ ኻብ ቅድመይ ክድርብየኩም እየ። 40  ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ሕስራንን ዘለኣለማዊ ውርደትን ድማ ከውርደልኩም እየ።”’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ወራሲ።”
ወይ፡ “ኸሓድቲ ዀይኖም።”
ቃ.ቃ.፡ “ንኣእዳው ገበርቲ እከይ የበርትዑ።”
ወይ፡ “ብባዶ ተስፋታት ይመልኡኹም እዮም ዘለዉ።”
ወይ፡ “ከቢድ መልእኽቲ።” እታ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ከቢድ ቃል የሆዋ” ወይ “ከቢድ ነገር” ዚብል ክልተ ትርጉም ዝሓዘት እያ።
ወይ፡ “እቲ ኸቢድ መልእኽትስ።”
ወይ፡ “ከቢድ መልእኽቲ።”
ወይ፡ “ከቢድ መልእኽቲ።”
ወይ፡ “ከቢድ መልእኽቲ።”
ወይ፡ “ከቢድ መልእኽቲ።”