ኤርምያስ 24:1-10

  • ጽቡቕ በለስን ሕማቕ በለስን (1-10)

24  ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንየኮንያ*+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳ ምስቶም ካብ የሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም መሳፍንቲ ይሁዳን ኢደ ጥበበኛታትን ሓጓዶን* ናብ ምርኮ ምስ ወሰዶ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ የሆዋ እተነብራ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ፣  እታ ሓንቲ መሶብ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዚበስል በለስ ዝበለ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ፣ እታ ሓንቲ መሶብ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ።  ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “በለስ፣ እቲ ጽቡቕ በለስ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ፣ እቲ ሕማቕ በለስ ግና ካብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ” በልኩ።+  ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦  “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ነቶም ካብዛ ቦታ እዚኣ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ፡ ከምዚ ጽቡቕ በለስ እዚ፡ ጽቡቕ ገይረ ኽርእዮም እየ።  ንጽቡቖም ድማ ኣዒንተይ ኣባታቶም ክገብር፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ እውን ክመልሶም እየ።+ ክሃንጾም እምበር፡ ኣይከፍርሶምን እየ፣ ክተኽሎም እምበር፡ ኣይክምሕዎምን እየ።+  ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡኒ ኸኣ ልቢ ኽህቦም እየ።+ ብዅሉ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡+ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+  “‘ብዛዕባ እቲ ኻብ ምሕማቑ እተላዕለ ኺብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ግና፡+ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝተረፉን ነቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚቕመጡ ዘለዉን ከምኡ ገይረ ኽርእዮም እየ።+  ኣብ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንመሰክሕን ንመዓትን ኪዀኑ፡+ ኣብ ኵሉ እቲ ኣነ ዝብትኖም ቦታታት+ ድማ ንመጻረፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመራገምን+ ክገብሮም እየ። 10  ካብታ ንዓታቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብክዎም ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡ፡ ሰይፍን+ ጥሜትን ለበዳን*+ ክሰድደሎም እየ።”’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ዮያኪንን ኮንያን ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ወይ፡ “ሰራሕቲ ዕርድን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሕማምን።”