ኤርምያስ 26:1-24

  • ንኤርምያስ፡ “ክትመውት ኢኻ” ኢሎም ኣፈራርህዎ (1-15)

  • ኤርምያስ ተናሕፈ (16-19)

    • ትንቢት ሚክያስ ተጠቕሰ (18)

  • ነብዪ ኡርያ (20-24)

26  ኣብ መጀመርታ ንግስና ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ እዚ ቓል እዚ ኻብ የሆዋ መጸ፦  “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ኣጸድ ቤት የሆዋ ደው ኢልካ፡ ብዛዕባ ዅሎም* እቶም ኣብ ቤት የሆዋ ኼምልኹ* ዚመጹ ዘለዉ ህዝቢ ኸተማታት ይሁዳ ተዛረብ። ኵሉ እቲ ዝእዝዘካ ንገሮም፣ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተጕድል።  ምናልባት ይሰምዑን ነፍሲ ወከፎም ካብ እኩይ መገዶም ይምለሱን ይዀኑ፣ ሽዑ፡ ኣነ ብዛዕባ እቲ ብሰሪ እከይ ተግባራቶም ከምጽኣሎም ሓሲበዮ ዝነበርኩ መዓት ሓሳበይ ክልውጥ እየ።*+  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርኩልኩም ሕገይ* ንምስዓብ እንተ ዘይሰሚዕኩምኒ፡  ቃላት እቶም ደጋጊመ* ልኢኸልኩም ክነሰይ ዘይሰማዕኩምዎም ገላዎይ ነብያት እንተ ዘይሰሚዕኩም፡+  ሽዑ ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሺሎ ኽገብራ፡+ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ንዅሎም ኣህዛብ ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።’”’”+  ካህናትን ነብያትን ኵሎም ህዝብን ድማ፡ ኤርምያስ ኣብ ቤት የሆዋ ነዘን ቃላት እዚአን ኪዛረብ ከሎ ሰምዕዎ።+  ኤርምያስ ኵሉ እቲ የሆዋ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኺዛረብ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ እቶም ካህናትን እቶም ነብያትን ኵሎም እቶም ህዝብን ሓዝዎ፣ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ።  ስለምንታይ ኢኻ፡ ‘እዛ ቤት እዚኣ ኸም ሺሎ ኽትከውን እያ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ክትዓኑን ብዘይ ነበርቲ ኽትተርፍን እያ’ ኢልካ ብስም የሆዋ እተነበኻ፧” ድማ በልዎ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቤት የሆዋ ኣብ ዙርያ ኤርምያስ ተኣከቡ። 10  መሳፍንቲ ይሁዳ እዚ ቓላት እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ ቤት* ንጉስ ናብ ቤት የሆዋ ደየቡ፣ ኣብ መእተዊ እቲ ሓድሽ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ድማ ተቐመጡ።+ 11  እቶም ካህናትን እቶም ነብያትን ከኣ ነቶም መሳፍንትን ንዅሎም እቶም ህዝብን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኣንጻር እዛ ኸተማ እዚኣ ኸምቲ ብኣእዛንኩም ዝሰማዕኩምዎ ተነብዩ እዩ እሞ፡ ሞት ኪፍረዶ ይግባእ እዩ”+ በልዎም።+ 12  ኤርምያስ ድማ ንዅሎም እቶም መሳፍንትን ንዅሎም እቶም ህዝብን ከምዚ በሎም፦ “ኣንጻር እዛ ቤት እዚኣን ኣንጻር እዛ ኸተማ እዚኣን፡ ኵሉ እቲ ዝሰማዕኩምዎ ቓላት ክንበ ዝለኣኸኒ የሆዋ እዩ።+ 13  ሕጂ እምበኣር፡ መገድታትኩምን ተግባራትኩምን ኣዐርዩ፣ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፣ የሆዋ ኸኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረበልኩም መዓት ሓሳቡ ኺልውጥ እዩ።*+ 14  ኣነ ግና እነኹ ኣብ ኢድኩም እየ። ኣብ ኣዒንትኹም ጽቡቕን ቅኑዕን ዝመሰለኩም ግበሩኒ። 15  ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን እናሰማዕኩም ክዛረብ ዝለኣኸኒ ብሓቂ የሆዋ እዩ እሞ፡ እንተ ቐቲልኩምኒ፡ ንጹህ ደም ኣብ ርእስኹምን ኣብዛ ኸተማ እዚኣን ኣብቶም ነበርታን ከም እተምጽኡ፡ ብርግጽ ፍለጡ።” 16  ሽዑ፡ እቶም መሳፍንትን ኵሎም እቶም ህዝብን ነቶም ካህናትን ነቶም ነብያትን፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ብስም የሆዋ ኣምላኽና እዩ እተዛረበና እሞ፡ ሞት ኪፍረዶ ኣይግባእን እዩ” በልዎም። 17  ገለ ኻብቶም ዓበይቲ እታ ምድሪ ድማ ተንሲኦም ንብዘሎ ጉባኤ እቲ ህዝቢ ኸምዚ በልዎ፦ 18  “ሚክያስ+ ብዓል ሞረሸት ብዘመን ህዝቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ይንበ ነበረ፣ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡የሩሳሌም ከኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ፣+ከረን እታ ቤት* ድማ ኣብ ዱር ከም ዘሎ በረኽቲ* ኪኸውን እዩ።”’+ 19  “እሞኸ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኵሎም ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም፧ የግዳስ፡ ንየሆዋዶ ኣይፈርሀን፡ ሞገስ የሆዋዶ ኣይለመነን፧* የሆዋኸ ብዛዕባ እቲ ተዛሪቡሎም ዝነበረ መዓትዶ ሓሳቡ ኣይለወጠን፧*+ ስለዚ፡ ንሕና ኣብ ርእስና* ዓብዪ መዓት ከነምጽእ ኢልና ኣለና። 20  “ብስም የሆዋ ዚንበ ኡርያ ዚብሃል ሰብኣይ ወዲ ሸማዕያ ብዓል ቂርያት-የዓሪም+ ከኣ ነበረ፣ ንሱ ኣንጻር እዛ ኸተማ እዚኣን ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣን ከም ናይ ኤርምያስ ብዝበለ ቓላት ተነበየ። 21  ንጉስ ዮያቂምን+ ኵሎም ጀጋኑን ኵሎም መሳፍንትን ድማ ቃላቱ ሰምዑ፣ ንጉስ ከኣ ኪቐትሎ ደለየ።+ ኡርያ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ፈሪሁ ብኡብኡ ናብ ግብጺ ሃደመ። 22  ሽዑ፡ ንጉስ ዮያቂም ንኤልናታን+ ወዲ ዓኽቦር ምስ ካልኦት ሰባት ገይሩ ናብ ግብጺ ለኣኾ። 23  ንሳቶም ድማ ንኡርያ ኻብ ግብጺ ኣምጺኦም ናብ ንጉስ ዮያቂም ወሰድዎ፣ ንሱ ኸኣ ብሰይፊ ቐተሎ፣+ ንሬሳኡ እውን ኣብ መቓብር ተራ ህዝቢ ደርበዮ።” 24  ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ግና ንኤርምያስ ደገፎ፣ ስለዚ ድማ፡ ኪቕተልሲ ኣብ ኢድ እቲ ህዝቢ ኣሕሊፍካ ኣይተዋህበን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንዅሎም።”
ወይ፡ “ኺሰግዱ።”
ወይ፡ “ነቲ ብሰሪ እከይ ተግባራቶም ከምጽኣሎም ሓሲበዮ ዝነበርኩ መዓት ክጥዓሰሉ እየ።”
ወይ፡ “ትምህርተይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ነቲ እተዛረበልኩም መዓት ኪጥዓሰሉ እዩ።”
ወይ፡ “ከረን ቤተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ኣግራብ ከም ዘለዎ ጎቦታት።”
ወይ፡ “ነቲ ተዛሪቡሎም ዝነበረ መዓትዶ ኣይተጣዕሰሉን፧”
ወይ፡ “ነፍስና።”
ወይ፡ “ገጽ የሆዋዶ ኣየፈሽሓወን፧”