ኤርምያስ 28:1-17

  • ኤርምያስ ምስቲ ናይ ሓሶት ነብዪ ዝዀነ ሓናንያ እተመላለሶ ቓል (1-17)

28  በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ መጀመርታ ንግስና ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት፡ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ነብዪ ሓናንያ ወዲ ዓዙር ብዓል ጊብዖን+ ኣብ ቤት የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዚ በለኒ፦  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ።+  ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት፡* ኵሉ እቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብዚ ቦታ እዚ ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኣቕሑ ቤት የሆዋ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽመልሶ እየ።’”+  “‘ንኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየ እሞ፡ ንየኮንያ+ ወዲ ዮያቂም+ ንጉስ ይሁዳን ንዅሎም እቶም ናብ ባቢሎን ዝኸዱ ምሩኻት ይሁዳን+ ከኣ ክመልሶም እየ’ ይብል የሆዋ።”  ሽዑ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንነብዪ ሓናንያ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ደው ኢሉ ዝነበረ ህዝብን ተዛረቦ።  ነብዪ ኤርምያስ ድማ፡ “ኣሜን!* የሆዋ ይግበሮ! ነቲ ኣቕሑ ቤት የሆዋን ንዅሎም እቶም ምሩኻትን ካብ ባቢሎን ናብዛ ቦታ እዚኣ ብምምላስ፡ የሆዋ ነቲ እተነበኻዮ ቓላትካ ይፈጽሞ!  ግናኸ፡ በጃኻ ነዚ ኣብ ኣእዛንካን ኣብ ኣእዛን ኵሉ ህዝብን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ።  ጥንቲ፡ እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ዝነበሩ ነብያት ብዛዕባ ብዙሓት ሃገራትን ዓበይቲ መንግስትታትን፡ ብዛዕባ ውግእን መዓትን ለበዳን* ይንበዩ ነይሮም እዮም።  ሓደ ነብዪ ብዛዕባ ሰላም እንተ ተነብዩ፡ ቃል እቲ ነብዪ እቲ ድማ እንተ ተፈጺሙ፡ ሽዑ እዩ የሆዋ ነቲ ነብዪ እቲ ብሓቂ ኸም ዝለኣኾ ዚፍለጥ።” 10  ሽዑ፡ ነብዪ ሓናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ሰበሮ።+ 11  ሓናንያ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ከምዚ ገይረ ንኣርዑት ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ካብ ክሳድ ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ክሰብሮ እየ።’”+ ነብዪ ኤርምያስ ከኣ መገዱ ኸደ። 12  ነብዪ ሓናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነብዪ ኤርምያስ ወሲዱ ምስ ሰበሮ፡ እዚ መልእኽቲ የሆዋ እዚ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 13  “ኬድካ ንሓናንያ ኸምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንስኻስ ኣርዑታት ዕንጨይቲ ሴርካ ኣለኻ፣+ ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ኣርዑታት ሓጺን ክትገብር ኢኻ።” 14  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኪግዝእዎስ፡ ኣብ ክሳድ ኵሎም እዞም ኣህዛብ እዚኦም ኣርዑት ሓጺን ክገብር እየ፣+ ንሳቶም ከኣ ኪግዝእዎ እዮም። እንስሳታት መሮር እኳ ኽህቦ እየ።”’”+ 15  ነብዪ ኤርምያስ ድማ ንነብዪ ሓናንያ+ ኸምዚ በሎ፦ “ኣታ ሓናንያ፡ እስከ ስምዓኒ! የሆዋ ኣይለኣኸካን፣ ነዚ ህዝቢ እዚ ግና ብሓሶት ከም ዚእመን ጌርካዮ ኢኻ።+ 16  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ። ኣብ የሆዋ ዕልወት ኪግበር ደፋፊእካ ኢኻ እሞ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ።’”+ 17  ስለዚ፡ ነብዪ ሓናንያ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ሞተ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ዓመታት መዓልትታት።”
ወይ፡ “ይኹን!”
ወይ፡ “ሕማምን።”