ኤርምያስ 30:1-24

  • ተስፋታት ምምላስን ምሕዋይን (1-24)

30  እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦  “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኵለን እተን እተዛረብኩኻ ቓላት ኣብ መጽሓፍ ጽሓፈን።  “እንሆ፡ ንምሩኻት ህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ዚእክበለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ”+ ይብል የሆዋ፡ “ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ ድማ ክመልሶም እየ፣ ንሳቶም እውን መሊሶም ኪርስተይዋ እዮም” ይብል የሆዋ።’”+  እተን የሆዋ ንእስራኤልን ንይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚአን እየን።   የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ደሃይ እቶም ራዕራዕ ዚብሉ ሰሚዕና ኣለና፣ሽበራ እምበር ሰላም የልቦን።   ሰብኣይ ኪወልድ ዚኽእል እንተ ዀይኑ እስከ ሕተቱ። ስለምንታይ ደኣ እየ ዅሉ ብርቱዕ ሰብኣይከም እትወልድ ሰበይቲ ኣእዳዉ ኣብ ከብዱ* ገይሩ ዝርኢ ዘለኹ፧+ ስለምንታይከ እዩ ዅሉ ገጽ ጸምልዩ ዘሎ፧   ኣየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣስ እተስካሕክሕ* እያ።+ ከምኣ ዝበለ የልቦን፣ንያእቆብሲ ግዜ ጭንቁ እያ። ግናኸ፡ ካብኣ ኺድሕን እዩ።”  “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ኣርዑት ካብ ክሳድካ ኽሰብር፡ መእሰሪታትካ እውን ክበትኽ እየ፣ ድሕሪ ደጊም ከኣ ጓኖት ባርያኦም ኣይኪገብርዎን* እዮም።  ንየሆዋ ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ደኣ ኼገልግሉ እዮም።”+ 10  “ንዓኻ ኻብ ርሑቕ፡ንዘርእኻ ኸኣ ካብ ምድሪ ምርኮ ኸድሕን እየ እሞ፡+ንስኻ ድማ ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣይትፍራህ” ይብል የሆዋ፡“ኣታ እስራኤል እውን፡ ኣይትሸበር።+ ያእቆብ ኪምለስን ኪሃድእን እዩ፡ ኣይኪርበሽን ድማ እዩ፣ዜፍርሆ ኸኣ ኣይኪህሉን እዩ።”+ 11  “ከድሕነካስ ምሳኻ እየ” ይብል የሆዋ። “ንዅሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ ደኣ ኸጽንት እየ፣+ንዓኻ ግና ኣይከጽንተካን እየ።+ ብልክዕ ክግስጸካ* እየ እምበር፡ከይቀጻዕኩስ ኣይክሓድገካን እየ።”+ 12  የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “መስበርትኺ ኣይሓውን እዩ።+ ቍስልኺ ዘይሓዊ እዩ። 13  ዚማጐተልኪ የልቦን፣ቍስልኺ ዚሓውየሉ መገዲ የልቦን። ንዓኺ ዚኸውን ፈውሲ የልቦን። 14  ብሰሪ እቲ ዓብዪ በደልክን ብዙሕ ሓጢኣትክን፡+ብመውቃዕቲ ጸላእንብመቕጻዕቲ ጨካንን ወቒዐኪ እየ እሞ፡+ኵሎም እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኺ ረሲዖምኺ እዮም።+ ደጊም ኣይደልዩኽን እዮም። 15  ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መስበርትኺ እተእውዪ፧ ስቓይኪ ዘይሓዊ እዩ! ብሰሪ እቲ ዓብዪ በደልክን ብዙሕ ሓጢኣትክን፡+እዚ ገይረኪ ኣለኹ። 16  ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ዚውሕጡኺ፡ ኪውሓጡ፡+ኵሎም ጸላእትኺ እውን ናብ ምርኮ ኺውሰዱ እዮም።+ እቶም ዚዝርፉኺ፡ ኪዝረፉ እዮም፣ነቶም ዚዘምቱኺ ድማ፡ ንዘመተ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”+ 17  “ድርብይቲ፡ ‘ሓደ እኳ ዘይደልያ ጽዮን፡’+ኢሎም እኳ እንተ ጸውዑኺ፡ኣነ ግና ከጥዕየክን ቍስልኺ ኸሕውን እየ”+ ይብል የሆዋ። 18  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ንምሩኻት ድንኳናት ያእቆብ እእክቦም ኣለኹ፣+ንማሕደራቱ ድማ ክድንግጸሉ እየ። እታ ኸተማ ኣብ ኵርባኣ ዳግም ክትህነጽ እያ፣+እቲ እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ኪቐውም እዩ። 19  ካባታቶም ከኣ ምስጋናን ደሃይ ሰሓቕን ኪወጽእ እዩ።+ ኣነ ኸሰስኖም እየ እሞ፡ ኣይኪውሕዱን እዮም፣+ከብዝሖም* እየ እሞ፡ኣብ ግምት ዘይኣትዉ ኣይኪዀኑን እዮም።+ 20  ደቁ ኸም ቀደም ኪዀኑ እዮም፣ኣኼባኡ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ኪጸንዕ እዩ።+ ንዅሎም ተጻረርቱ ድማ ስጕምቲ ኽወስደሎም እየ።+ 21  ዓብይኡ ሓደ ኻብኡ ኪኸውን፡ገዛኢኡ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ። ከቕርቦ፡ ንሱ ድማ ኪቐርበኒ እዩ።” “እንተ ዘይኰነስ፡ ኪቐርበኒ ዚደፍር* መን እዩ፧” ይብል የሆዋ። 22  “ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም፣+ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”+ 23  እንሆ፡ ህቦብላ ንፋስ የሆዋ ብነድሪ ኺወጽእ እዩ፣+ኣብ ርእሲ እኩያት ሕምብሊል ዚብል ዚዅስትር ህቦብላ እዩ። 24  ሓሳብ ልቡ ኽሳዕ ዚፍጽምን ዚገብርን፡+ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ነዚ ኽትርድእዎ ኢኹም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሕቘኡ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዓባይ።”
ወይ፡ “ኣይኪገብርዎምን።”
ወይ፡ “ክእርመካ።”
ወይ፡ “ከኽብሮም” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ልቡ ትሕጃ ዚህብ።”