ኤርምያስ 30:1-24
-
ተስፋታት ምምላስን ምሕዋይን (1-24)
30 እቲ ኻብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል፦
2 “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኵለን እተን እተዛረብኩኻ ቓላት ኣብ መጽሓፍ ጽሓፈን።
3 “እንሆ፡ ንምሩኻት ህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ዚእክበለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ”+ ይብል የሆዋ፡ “ናብታ ንኣቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ ድማ ክመልሶም እየ፣ ንሳቶም እውን መሊሶም ኪርስተይዋ እዮም” ይብል የሆዋ።’”+
4 እተን የሆዋ ንእስራኤልን ንይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚአን እየን።
5 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ደሃይ እቶም ራዕራዕ ዚብሉ ሰሚዕና ኣለና፣ሽበራ እምበር ሰላም የልቦን።
6 ሰብኣይ ኪወልድ ዚኽእል እንተ ዀይኑ እስከ ሕተቱ።
ስለምንታይ ደኣ እየ ዅሉ ብርቱዕ ሰብኣይከም እትወልድ ሰበይቲ ኣእዳዉ ኣብ ከብዱ* ገይሩ ዝርኢ ዘለኹ፧+
ስለምንታይከ እዩ ዅሉ ገጽ ጸምልዩ ዘሎ፧
7 ኣየ፡ እታ መዓልቲ እቲኣስ እተስካሕክሕ* እያ።+
ከምኣ ዝበለ የልቦን፣ንያእቆብሲ ግዜ ጭንቁ እያ።
ግናኸ፡ ካብኣ ኺድሕን እዩ።”
8 “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ኣርዑት ካብ ክሳድካ ኽሰብር፡ መእሰሪታትካ እውን ክበትኽ እየ፣ ድሕሪ ደጊም ከኣ ጓኖት ባርያኦም ኣይኪገብርዎን* እዮም።
9 ንየሆዋ ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ደኣ ኼገልግሉ እዮም።”+
10 “ንዓኻ ኻብ ርሑቕ፡ንዘርእኻ ኸኣ ካብ ምድሪ ምርኮ ኸድሕን እየ እሞ፡+ንስኻ ድማ ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣይትፍራህ” ይብል የሆዋ፡“ኣታ እስራኤል እውን፡ ኣይትሸበር።+
ያእቆብ ኪምለስን ኪሃድእን እዩ፡ ኣይኪርበሽን ድማ እዩ፣ዜፍርሆ ኸኣ ኣይኪህሉን እዩ።”+
11 “ከድሕነካስ ምሳኻ እየ” ይብል የሆዋ።
“ንዅሎም እቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ ደኣ ኸጽንት እየ፣+ንዓኻ ግና ኣይከጽንተካን እየ።+
ብልክዕ ክግስጸካ* እየ እምበር፡ከይቀጻዕኩስ ኣይክሓድገካን እየ።”+
12 የሆዋስ ከምዚ ይብል፦
“መስበርትኺ ኣይሓውን እዩ።+
ቍስልኺ ዘይሓዊ እዩ።
13 ዚማጐተልኪ የልቦን፣ቍስልኺ ዚሓውየሉ መገዲ የልቦን።
ንዓኺ ዚኸውን ፈውሲ የልቦን።
14 ብሰሪ እቲ ዓብዪ በደልክን ብዙሕ ሓጢኣትክን፡+ብመውቃዕቲ ጸላእንብመቕጻዕቲ ጨካንን ወቒዐኪ እየ እሞ፡+ኵሎም እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩኺ ረሲዖምኺ እዮም።+
ደጊም ኣይደልዩኽን እዮም።
15 ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መስበርትኺ እተእውዪ፧
ስቓይኪ ዘይሓዊ እዩ!
ብሰሪ እቲ ዓብዪ በደልክን ብዙሕ ሓጢኣትክን፡+እዚ ገይረኪ ኣለኹ።
16 ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ዚውሕጡኺ፡ ኪውሓጡ፡+ኵሎም ጸላእትኺ እውን ናብ ምርኮ ኺውሰዱ እዮም።+
እቶም ዚዝርፉኺ፡ ኪዝረፉ እዮም፣ነቶም ዚዘምቱኺ ድማ፡ ንዘመተ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”+
17 “ድርብይቲ፡ ‘ሓደ እኳ ዘይደልያ ጽዮን፡’+ኢሎም እኳ እንተ ጸውዑኺ፡ኣነ ግና ከጥዕየክን ቍስልኺ ኸሕውን እየ”+ ይብል የሆዋ።
18 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“እንሆ፡ ንምሩኻት ድንኳናት ያእቆብ እእክቦም ኣለኹ፣+ንማሕደራቱ ድማ ክድንግጸሉ እየ።
እታ ኸተማ ኣብ ኵርባኣ ዳግም ክትህነጽ እያ፣+እቲ እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ኪቐውም እዩ።
19 ካባታቶም ከኣ ምስጋናን ደሃይ ሰሓቕን ኪወጽእ እዩ።+
ኣነ ኸሰስኖም እየ እሞ፡ ኣይኪውሕዱን እዮም፣+ከብዝሖም* እየ እሞ፡ኣብ ግምት ዘይኣትዉ ኣይኪዀኑን እዮም።+
20 ደቁ ኸም ቀደም ኪዀኑ እዮም፣ኣኼባኡ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ኪጸንዕ እዩ።+
ንዅሎም ተጻረርቱ ድማ ስጕምቲ ኽወስደሎም እየ።+
21 ዓብይኡ ሓደ ኻብኡ ኪኸውን፡ገዛኢኡ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ።
ከቕርቦ፡ ንሱ ድማ ኪቐርበኒ እዩ።”
“እንተ ዘይኰነስ፡ ኪቐርበኒ ዚደፍር* መን እዩ፧” ይብል የሆዋ።
22 “ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም፣+ ኣነ እውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”+
23 እንሆ፡ ህቦብላ ንፋስ የሆዋ ብነድሪ ኺወጽእ እዩ፣+ኣብ ርእሲ እኩያት ሕምብሊል ዚብል ዚዅስትር ህቦብላ እዩ።
24 ሓሳብ ልቡ ኽሳዕ ዚፍጽምን ዚገብርን፡+ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣይኪምለስን እዩ።
ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ነዚ ኽትርድእዎ ኢኹም።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሕቘኡ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ዓባይ።”
^ ወይ፡ “ኣይኪገብርዎምን።”
^ ወይ፡ “ክእርመካ።”
^ ወይ፡ “ከኽብሮም” ኪኸውን ይኽእል።
^ ቃ.ቃ.፡ “ልቡ ትሕጃ ዚህብ።”