ኤርምያስ 35:1-19

  • ሬካባውያን ኣብነታዊ ተኣዛዝነት ኣርኣዩ (1-19)

35  ብዘመን ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ከምዚ ዚብል ቃል መጸ፦ 2  “ናብ ቤት ሬካባውያን+ ኪድ እሞ ተዛረቦም፣ ናብ ቤት የሆዋ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን መመገቢ ኽፍልታት* ድማ ኣእትዎም፣ ኪሰትዩ ኸኣ ወይኒ ኣቕርበሎም።” 3  ኣነ ድማ ንያዛንያ ወዲ ኤርምያስ ወዲ ኻባጽንያን ንኣሕዋቱን ንዅሎም ደቁን ንብዘላ ቤት ሬካባውያንን ወሲደ፡ 4  ናብ ቤት የሆዋ ኣእቶኽዎም። ናብታ ኣብ ጥቓ መመገቢ ኽፍሊ መሳፍንቲ፡ ኣብ ልዕሊ መመገቢ ኽፍሊ ማዓስያ ወዲ ሻሉም እቲ ሓላው ማዕጾ ዘላ መመገቢ ኽፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ኢግዳልያ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ኣእቶኽዎም። 5  ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ቤት ሬካባውያን ወይኒ ዝመልአ ጽዋኣትን ዋናጩን ኣንቢረ፡ “ወይኒ ስተዩ” በልክዎም። 6  ንሳቶም ግና ከምዚ በሉ፦ “ወይኒ ኣይንሰትን ኢና፣ ስለምንታይሲ፡ ዮናዳብ+ ወዲ ሬካብ፡ ኣቦና፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ሂቡና እዩ፦ ‘ንስኻትኩምን ደቅኹምን ወይኒ ኣይትስተዩ። 7  ኣባይቲ ኣይትህነጹ፡ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉን ኣይተጥርዩን። የግዳስ፡ ኣብታ ጓኖት ኴንኩም እትነብርዋ ዘለኹም ምድሪ ንነዊሕ ግዜ ምእንቲ ኽትነብሩ፡ ወትሩ ኣብ ድንኳናት ተቐመጡ።’ 8  ስለዚ፡ ንሕናን ኣንስትናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ወይኒ ዘበለ ፈጺምና ብዘይምስታይ፡ ንድምጺ ዮናዳብ ወዲ ኣቦና ሬካብ ብዅሉ እቲ ዝኣዘዘና ንእዘዞ ኢና። 9  እንቕመጠለን ኣባይቲ ኸኣ ኣይንሃንጽን ኢና፣ ኣታኽልቲ ወይንን ግራውትን ዘርእን እውን የብልናን። 10  ኣብ ድንኳናት ኢና እንነብር፡ ነቲ ኣቦና ዮናዳብ ዝኣዘዘና ዅሉ ንእዘዝ ኢና። 11  ግናኸ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ናብዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ደየበ፡+ ‘ካብ ሰራዊት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ንምምላጥ፡ ንዑናይ ናብ የሩሳሌም ንእቶ’ ኢልና፡ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጥና ኣለና።” 12  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ናብ ኤርምያስ መጸ፦ 13  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ኪድ እሞ ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ የሩሳሌምን ከምዚ በሎም፦ “ቃለይ ክትእዘዙስ ብቐጻሊ ምሕጽንታዶ ኣይተዋህበኩምን፧”+ ይብል የሆዋ። 14  “ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ንደቁ፡ ወይኒ ኸይሰትዩ ኣዚዝዎምሲ፡ ንሳቶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዘይምስታይ ንቓላቱ ፈጺሞምዎ ኣለዉ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንኣቦኦም ይእዘዙ ኣለዉ።+ ኣነ ድማ ንዓኻትኩም ደጋጊመ* ተዛሪበኩም፣ ንስኻትኩም ግና ኣይተኣዘዝኩምንን።+ 15  ኣነ ኸኣ፡ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ እኩይ መገድታትኩም በጃኹም ተመለሱ፡+ ቅኑዕ ድማ ግበሩ! ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትኺዱ፡ ኣይተገልግልዎም እውን። ሽዑ፡ ኣብታ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝሃብኩኹም ምድሪ ኽትቅመጡ ኢኹም’+ ኢለ ንዅላቶም ገላዎይ ነብያት ደጋጊመ* ልኢኸልኩም።+ ንስኻትኩም ግና እዝንኹም ኣየድነንኩምን ወይ ኣይሰማዕኩምንን። 16  ደቂ ዮናዳብ ወዲ ሬካብሲ ነቲ ኣቦኦም ዝኣዘዞም ትእዛዝ ፈጺሞምዎ እዮም፣+ እዞም ህዝቢ እዚኦም ግና ኣይሰምዑንን።”’” 17  “ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ተዛሪበዮም ኣይሰምዑን፡ ጸዊዐዮም ከኣ ኣይመለሱን እሞ፡+ እንሆ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ ኵሎም ነበርቲ የሩሳሌምን ኵሉ እቲ ዘጠንቀቕክዎም መዓት አምጽእ ኣለኹ።’”+ 18  ኤርምያስ ድማ ንቤተ ሰብ ሬካባውያን ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ትእዛዝ ኣቦኹም ዮናዳብ ስለ እተኣዘዝኩም፡ ብልክዕ ከምቲ ዝኣዘዘኩም ብምግባር ከኣ ኵሉ ትእዛዛቱ ትሕልዉ ስለ ዘለኹም፡ 19  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ ቅድመይ ዜገልግል ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ።”’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓንቲ ኻብተን ክፍልታት ቤት።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣንጊሀ።”