ኤርምያስ 39:1-18

  • ውድቀት የሩሳሌም (1-10)

    • ጼዴቅያስ ሃደመ፡ ድሕሪኡ ተታሕዘ (4-7)

  • ንኤርምያስ ክንክን ኪግበረሉ ትእዛዝ ተዋህበ (11-14)

  • ህይወት ዔቤድ-ሜሌክ ክትድሕን ምዃና ተነግረ (15-18)

39  ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን ናብ የሩሳሌም መጺኦም ከበብዋ።+  ኣብ መበል 11 ዓመት ጼዴቅያስ፡ ኣብ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንመካበብያ እታ ኸተማ ብሓደ ቦታ ኣፍረስዎ።+  ኵሎም መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ፡ ማለት ኔርጋል-ሸሬጽር እቲ ሳምጋርን ኔቦ-ሳርስኪም እቲ ራብሳሪስን* ኔርጋል-ሸሬጽር እቲ ራብማግን* ኵሎም ዝተረፉ መሳፍንቲ ንጉስ ባቢሎንን፡ ኣትዮም ኣብ ማእከለይቲ ኣፍ ደገ ተቐመጡ።+  ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ኵሎም ተዋጋእቱን ምስ ረኣይዎም፡ ብለይቲ ብስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ፡ ኣብ መንጎ ድርብ መካበብያ ብዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሎም ካብታ ኸተማ ወጺኦም ሃደሙ፣+ ብመገዲ ዓራባ ኸኣ ከዱ።+  ሰራዊት ከለዳውያን ግና ደድሕሪኦም ሰዓቡ፣ ንጼዴቅያስ ድማ ኣብ ጐላጕል ምድረ በዳ ያሪኮ ኣርከብዎ።+ ንዕኡ ሒዞም ከኣ ናብ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ሓማት+ ዘላ ሪብላ+ ኣደየብዎ፣ ንሱ ድማ ፈረዶ።  ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንደቂ ጼዴቅያስ ኣብኡ ኣብ ሪብላ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኣሕረዶም፣ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንዅሎም ልዑላን ይሁዳ ኣሕረዶም።+  ንኣዒንቲ ጼዴቅያስ ከኣ ኣዖሮ፣ ድሕሪኡ፡ ብመቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ፡ ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ።+  እቶም ከለዳውያን ድማ ንቤት* ንጉስን ንኣባይቲ ህዝብን ብሓዊ ኣንደድወን፣+ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣፍረሱ።+  ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝብን ነቶም ናብኡ ሰሊሞም ዝነበሩ ኸዳዓትን ነቶም ዝተረፉ ዘበሉ ህዝብን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 10  ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና፡ ንገለ ኻብቶም ድኻታት ህዝቢ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ሓደጎም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኪዓይይዎ* ኢሉ ኣታኽልቲ ወይንን ግራውትን ሃቦም።+ 11  ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ከኣ ንነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ብዛዕባ ኤርምያስ እዚ ትእዛዛት እዚ ሃቦ፦ 12  “ውሰዶ እሞ ተኸናኸኖ፣ ኣይትጕድኣዮ፡ ዚሓትተካ ዘበለ እውን ግበረሉ።”+ 13  ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታትን ናቡሻዝባን እቲ ራብሳሪስን* ኔርጋል-ሸሬጽር እቲ ራብማግን* ኵሎም ኣውራታት ንጉስ ባቢሎንን ከኣ ልኢኾም 14  ንኤርምያስ ካብ ኣጸድ ሓለውቲ ወሰድዎ፣+ ንገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ድማ፡ ናብ ቤቱ ኺወስዶ ሃብዎ። ስለዚ፡ ንሱ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጠ። 15  ኤርምያስ ኣብ ኣጸድ ሓለውቲ ተኣሲሩ ኸሎ፡+ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጾ፦ 16  “ኪድ እሞ ንዔቤድ-ሜሌክ+ እቲ ኢትዮጵያዊ፡ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ነተን ቃላተይ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንጽቡቕ ዘይኰነስ ንመዓት እፍጽሞ ኣለኹ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኪኸውን ከሎ ኽትርእዮ ኢኻ።”’ 17  “‘በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ከናግፈካ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሆም ሰባት እውን ኣይክትውሃብን ኢኻ።’ 18  “‘ብርግጽ ከም እተምልጥሲ ኽገብረካ እየ፣ ብሰይፊ ድማ ኣይክትወድቕን ኢኻ። ብኣይ ስለ እተኣመንካ፡+ ህይወትካ ምርኮኻ ኽትኰነልካ እያ’*+ ይብል የሆዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ ብመሰረት ካልእ ኣከፋፍላ ቓላት እቲ ጽሑፍ እብራይስጢ፡ “ኔርጋል-ሸሬጽርን ሳምጋር-ኔቦን ሳርሰኪምን ራብሳሪስን።”
ወይ፡ “እቲ ሓለቓ ገበርቲ ስሒርን (ቈጸርቲ ኸዋኽብትን)።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ብግዴታ ኼገልግሉ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “እቲ ሓለቓ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን።”
ወይ፡ “እቲ ሓለቓ ገበርቲ ስሒርን (ቈጸርቲ ኸዋኽብትን)።”
ወይ፡ “ህይወትካ (ነፍስኻ) ኸተድሕን ኢኻ።”