ኤርምያስ 40:1-16

  • ነቡዛራዳን ንኤርምያስ ፈትሖ (1-6)

  • ገዳልያ ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ተሸመ (7-12)

  • ንገዳልያ እተኣልመሉ ውዲት (13-16)

40  ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርምያስ ምስ ኵሎም እቶም ናብ ባቢሎን ዚውሰዱ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌምን ይሁዳን ብመቝሕ ኣሲሩ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ራማ+ ምስ ፈትሖ፡ ናብ ኤርምያስ ቃል የሆዋ መጸ።  ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርምያስ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ኣምላኽካ፡ እዚ መዓት እዚ ነዛ ቦታ እዚኣ ተዛሪቡላ ነይሩ እዩ፣  ንስኻትኩም ንየሆዋ ስለ ዝበደልኩምዎን ድምጹ ስለ ዘይተኣዘዝኩምን ከኣ፡ የሆዋ ኸምቲ ዝበሎ ኣምጺእዎ እዩ። ስለዚ እዩ እዚ ዀይኑ ዘሎ።+  ሕጂ ድማ ኣነ ሎሚ ኻብቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ መቝሕ እፈትሓካ ኣለኹ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ ጽቡቕ እንተ መሲሉካ፡ ንዓናይ፣ ኣነ እውን ክከናኸነካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፡ ኣይትኺድ። እንሆ፡ ብዘላ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ናብ ዝሓረኻዮ ኺድ።”+  ኤርምያስ ከይተመልሰ ምስ ጸንሐ፡ ነቡዛራዳን፡ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ተመለስ እሞ ምስኡ ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ተቐመጥ፣ ወይ ናብ ዝሓረኻዮ ኺድ” በሎ። ሽዑ፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ስንቅን ህያብን ሂቡ ኣሰናበቶ።  ስለዚ፡ ኤርምያስ ናብ ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ናብ ሚጽጳ+ ኸደ፣ ምስኡ እውን ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ህዝቢ ተቐመጠ።  ኵሎም እቶም ኣብ መሮር ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊት ምስ ሰቦም ድማ፡ ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ኸም ዝሸሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ድኻታት እታ ምድሪ ናብ ባቢሎን ብምርኮ ዘይተወስዱ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ከኣ ከም ዝሸሞ ሰምዑ።+  ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ ድማ መጹ።+ ንሳቶም ከኣ እስማኤል+ ወዲ ነታንያ፡ ዮሓናንን+ ዮናታንን ደቂ ቃሬሃ፡ ሰራያ ወዲ ታንሑመት፡ ደቂ ዔፋይ እቲ ነጦፋታዊ፡ የዘንያ+ ወዲ እቲ ማዓካታዊ፡ እዚኣቶም ምስ ሰቦም ነበሩ።  ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ድማ ንዓታቶምን ንሰቦምን ከምዚ ኢሉ መሓለሎም፦ “ንከለዳውያን ከይፈራህኩም ተገዝእዎም። ኣብዛ ምድሪ ተቐመጡ፣ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ፣ ጽቡቕ ድማ ኪዀነልኩም እዩ።+ 10  ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዚመጹ ከለዳውያን ክውክለኩምሲ፡* ኣብ ሚጽጳ ክቕመጥ እየ። ንስኻትኩም ግና ወይንን ፍረታት ሓጋይን ዘይትን ኣክቡ፣ ኣብ ኣቕሑኹም ድማ ኣንብርዎ እሞ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታት ተቐመጡ።”+ 11  ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ዓሞንን ኤዶምን ኣብ ኵለን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ፡ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፡ ንገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ወዲ ሻፋን ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝሸሞ ሰምዑ። 12  ስለዚ፡ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ኵሉ እቲ ተበቲኖምሉ ዝነበሩ ቦታታት ተመልሱ፣ ናብ ምድሪ ይሁዳ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ ኸኣ መጹ። ኣዝዩ ብዙሕ ወይንን ፍረታት ሓጋይን ድማ ኣከቡ። 13  ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ኣብ መሮር ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ከኣ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ። 14  ንሳቶም ድማ፡ “ብዓሊስ ንጉስ ዓሞናውያን+ ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኪቐትለካ* ኢሉ ኸም ዝለኣኾዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧”+ በልዎ። ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም ግና ኣይኣመኖምን። 15  ሽዑ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃ ንገዳልያ ኣብ ሚጽጳ ብምስጢር፡ “ሓደ እኳ ኸይፈለጠ፡ ንእስማኤል ወዲ ነታንያ ኸይደ ክቐትሎ። ስለምንታይ ንሱ ዚቐትለካ፧* ስለምንታይከ ዅሉ እቲ ናባኻ እተኣከበ ህዝቢ ይሁዳ ፋሕ ዚብል፡ እቶም ተረፍ ይሁዳ እውን ዚጠፍኡ፧” በሎ። 16  ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም ግና ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃ፡ “እቲ ብዛዕባ እስማኤል እትብሎ ዘለኻ ሓሶት እዩ እሞ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣይትግበሮ” በሎ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ክቐውምሲ።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ ኺወቕዓ።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ ዚወቕዓ።”