ኤርምያስ 42:1-22

  • እቶም ህዝቢ ንኤርምያስ፡ መምርሒ ንምርካብ ኪጽልየሎም ሓተትዎ (1-6)

  • የሆዋ፡ “ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ” ኢሉ መለሰሎም (7-22)

42  ሽዑ፡ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን የዘንያ ወዲ ሆሻዕያን ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ቀሪቦም  ንነብዪ ኤርምያስ ከምዚ በልዎ፦ “ከምዚ እትርእዮ፡ ካብ ብዙሓትሲ ሒደት እዮም ተሪፎም እሞ፡+ በጃኻ ንናይ ሞገስ ልማኖና ስማዕ፡ ምእንታና፡ ምእንቲ ዅሉ እዚ ተረፍ ድማ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ጸሊ።  የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ክንከደላ ዚግብኣና መገድን እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣናን ይንገረና።”  ነብዪ ኤርምያስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሰሚዐኩም ኣለኹ፣ ከም ሕቶኹም ከኣ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ክጽሊ እየ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ዚምልሰልኩም ቃላት ድማ፡ ክነግረኩም እየ። ሓንቲ ቓል እኳ ኣይክሓብኣልኩምን እየ።”  ንሳቶም ከኣ ንኤርምያስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ብኣኻ ኣቢሉ ኽንገብሮ ዚእዝዘና እንተ ዘይጌርናስ፡ የሆዋ ኣንጻርና ሓቀኛን እሙንን ምስክር ይኹን።  ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ብምእዛዝና ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልና፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ፡ ድምጺ እቲ ናብኡ እንልእከካ ዘለና የሆዋ ኣምላኽና ኽንእዘዝ ኢና።”  ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ።  ንሱ ድማ ንዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ንዅሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን ጸዊዑ፡+  ከምዚ በሎም፦ “እቲ ናይ ሞገስ ልማኖኹም ኣብ ቅድሚኡ ከቕርበልኩም ዝለኣኽኩምኒ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ 10  ‘በቲ ዘምጻእኩልኩም መዓት ክጥዓስ* እየ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንተ ጸኒሕኩም፡ ክሃንጸኩም እምበር፡ ኣይከፍርሰኩምን እየ፣ ክተኽለኩም እምበር፡ ኣይክምሕወኩምን እየ።+ 11  ብሰንኪ እቲ እትፈርህዎ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣይትፍርሁ።’+ “‘ኣነ ኻብ ኢዱ ኸድሕነኩምን ከናግፈኩምን ምሳኻትኩም እየ እሞ፡ ብሰንኩ ኣይትፍርሁ’ ይብል የሆዋ። 12  ‘ኣነ ድማ ክምሕረኩም እየ፣+ ንሱ እውን ኪምሕረኩምን ናብ ምድርኹም ኪመልሰኩምን እዩ። 13  “‘ግናኸ፡ “ኣይፋልናን፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣይንጸንሕን ኢና!” እንተ ኢልኩም፡ ንድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ እንተ ዘይተኣዚዝኩም፡ 14  “ኣይፋልናን፡ ናብታ ውግእ ዘይንርእየላን ደሃይ መለኸት ዘይንሰምዓላን እንጌራ ዘይንጠምየላን ምድሪ ግብጺ ደኣ ኽንከይድ፡+ ኣብኣ እውን ክንነብር ኢና” ድማ እንተ ኢልኩም፡ 15  እምበኣር፡ ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ። የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ናብ ግብጺ ኽትከዱን ኣብኡ ኼድኩም ክትነብሩን* ፈጺምኩም እንተ ቘሪጽኩም፡ 16  ሽዑ እቲ እትፈርህዎ ሰይፊ ኣብኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኼርክበኩም፡ እቲ እትፈርህዎ ጥሜት ከኣ ናብ ግብጺ ኺስዕበኩም፡ ኣብኣ ድማ ክትሞቱ ኢኹም።+ 17  ኵሎም እቶም ኣብኣ ኺነብሩ ናብ ግብጺ ኪኸዱ ዝቘረጹ ሰባት ከኣ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን* ኪሞቱ እዮም። ካብቲ ኣነ ዘውርደሎም መዓትሲ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን ወይ ኣይኬምልጥን እዩ።”’ 18  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ቝጥዓይን ነድረይን ኣብ ነበርቲ የሩሳሌም እተኻዕወ፡+ ከምኡ ድማ ናብ ግብጺ እንተ ኼድኩም፡ ነድረይ ኣባኻትኩም ኪክዖ እዩ፣ ንስኻትኩም ከኣ መርገምን መሰክሕን መራገምን መጻረፍን ክትኰኑ ኢኹም፣+ ነዛ ቦታ እዚኣ እውን ደጊም ከቶ ኣይክትርእይዋን ኢኹም።’ 19  “ኣቱም ተረፍ ይሁዳ፡ የሆዋ ተዛሪቡኩም ኣሎ። ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ። ኣነ ሎሚ ኸም ዘጠንቀቕኩኹም ብርግጽ ፍለጡ፣ 20  ስሕተትኩም ህይወትኩም* ከም ዜስእነኩም እውን ብርግጽ ፍለጡ። ‘ምእንታና ናብ የሆዋ ኣምላኽና ጸሊ፣ ኵሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽና ዚብሎ ኸኣ ንገረና፣ ንሕና እውን ክንገብሮ ኢና’ ኢልኩምሲ ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ልኢኽኩምኒ ኢኹም።+ 21  ኣነ ድማ ሎሚ ነጊረኩም ኣለኹ፣ ንስኻትኩም ግና ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ኣይክትእዘዙን፡ ከም ኵሉ እቲ ኽነግረኩም ዝለኣኸኒ እውን ኣይክትገብሩን ኢኹም።+ 22  ስለዚ፡ ኣብታ ኼድኩም ክትነብሩላ እትምነይዋ ዘለኹም ቦታ ብሰይፍን ብጥሜትን ብለበዳን ከም እትሞቱ ብርግጽ ፍለጡ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ክጕሂ።”
ወይ፡ “ክትጸንሑን።”
ወይ፡ “ብሕማምን።”
ወይ፡ “ነፍስኹም።”