ኤርምያስ 43:1-13

  • እቶም ህዝቢ ምእዛዝ ኣብዮም ናብ ግብጺ ኸዱ (1-7)

  • ኣብ ግብጺ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ (8-13)

43  ኤርምያስ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ኵሉ እዚ ቓላት የሆዋ ኣምላኾም እዚ፡ ኵለን እተን የሆዋ ኣምላኾም ኪነግሮም ዝለኣኾ ቓላት፡ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡  ዓዛርያ ወዲ ሆሻዕያን ዮሓናን+ ወዲ ቃሬሃን ኵሎም እቶም ተዳፈርቲ ሰባትን ንኤርምያስ ከምዚ በልዎ፦ “እቲ እትብሎ ዘለኻ ሓሶት እዩ! የሆዋ ኣምላኽና፡ ‘ኣብኣ ኽትነብሩ ናብ ግብጺ ኣይትኺዱ’ ኽትብል ኢሉ ኣይለኣኸካን።  ባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ ምእንቲ ኽንቅተል ወይ ናብ ባቢሎን ተማሪኽና ምእንቲ ኽንውሰድ፡ ኣብ ኢድ ከለዳውያን ክንውሃብ ኢሉ ኣንጻርና ዜለዓዕለካ ዘሎ።”+  ስለዚ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ነቲ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺጸንሑ ዚብል ድምጺ የሆዋ ኣይተኣዘዝዎን።  ኣብ ክንዳኡስ፡ ዮሓናን ወዲ ቃሬሃን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን ንዅሎም* እቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኺነብሩ ኻብቶም ተበቲኖምሎም ዝነበሩ ዅሎም ኣህዛብ እተመልሱ ተረፍ ይሁዳ ምሳታቶም ወሰድዎም።+  ንሰብኡትን ንኣንስትን ንቘልዑን ንኣዋልድ ንጉስን ንዅሎም እቶም ነቡዛራዳን+ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ምስ ገዳልያ+ ወዲ ኣሒቃም+ ወዲ ሻፋን+ ዝሓደጎምን ንነብዪ ኤርምያስን ንባሩኽ ወዲ ኔርያን ወሰድዎም።  ንድምጺ የሆዋ ኣይተኣዘዙን እሞ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸዱ፣ ክሳብ ታህጳኔስ+ ከኣ ከዱ።  ሽዑ፡ ኣብ ታህጳኔስ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ኤርምያስ መጸ፦  “ብኢድካ ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ፡ ኣብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፈርኦን፡ ኣብ ታህጳኔስ ዘሎ መደብ ሕጡብ፡ ሰብኡት ኣይሁድ እናረኣዩኻ ኣብ ጭቃ ሕብኣየን። 10  ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣነ ንጊልያይ+ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ አምጽኦ ኣለኹ፣ ንዝፋኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እዘን ዝሓባእክወን ኣእማን ከንብሮ እየ፣ ንጉሳዊ ድንኳኑ ድማ ኣብ ልዕሊአን ኪዝርግሕ እዩ።+ 11  መጺኡ ኸኣ ንምድሪ ግብጺ ኺወቕዓ እዩ።+ ንመቕዘፍቲ እተባህለ ንመቕዘፍቲ፡ ንምርኮ እተባህለ ንምርኮ፡ ንሰይፊ እተባህለ ንሰይፊ ኪኸውን እዩ።+ 12  ኣባይቲ* ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ብሓዊ ኸባርዕ እየ፣+ ንሱ ኸኣ ንዓታተን ኬንድደን፡ ንዓታቶም እውን ኪማርኾም እዩ። ከምቲ ጓሳ ብኽዳኑ ዚኽደን፡ ንምድሪ ግብጺ ኪኽደና እዩ፣ ካብኣ እውን ብሰላም* ኪኸይድ እዩ። 13  ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ሓወልትታት* ቤት-ሸመሽ* ድማ ኪሰባብር፡ ንኣባይቲ* ኣማልኽቲ ግብጺ እውን ብሓዊ ኼንድድ እዩ።”’”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንዅሉ ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ኣብያተ መቕደስ።”
ወይ፡ “ከይተጐድአ።”
ወይ፡ “ክዋኒታት።”
ወይ፡ “ቤት (ቤተ መቕደስ) ጸሓይ፡” ማለት፡ ሄልዮጶሊስ።
ወይ፡ “ንኣብያተ መቕደስ።”