ኤርምያስ 45:1-5

  • ካብ የሆዋ ናብ ባሩኽ እተላእከ መልእኽቲ (1-5)

45  ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኤርምያስ እናተዛረበ ንባሩኽ+ ወዲ ኔርያ ኣብ መጽሓፍ ኬጽሕፎ ኸሎ፡ ነብዪ ኤርምያስ+ ንዕኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦  “ኣታ ባሩኽ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባኻ ኸምዚ ይብል፦  ‘ንስኻስ፡ “የሆዋ ኣብ ርእሲ ስቓየይ ጓሂ ወሲኹለይ እዩ እሞ፡ ወይለይ! ብገዓረይ ደኺመ፡ ዕረፍቲ እውን ስኢነ” ትብል ኣለኻ።’  “ከምዚ ድማ በሎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ፡ ንዝሃነጽክዎ አፍርስ፡ ንዝተኸልክዎ እምሑ ኣለኹ።+  ንስኻ ግና ንርእስኻ ዓበይቲ ነገራት ትደሊ* ኣለኻ። ኣይትድለዮ።”’ “‘እንሆ፡ ኣብ ኵሉ ስጋስ* መዓት ከምጽእ እየ፣+ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኸኣ፡ ንህይወትካ ምርኮኻ ኽትከውን ክህበካ እየ’* ይብል የሆዋ።”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ትጽበ።”
ወይ፡ “ሰብሲ።”
ወይ፡ “ንህይወትካ (ንነፍስኻ) ኸድሕና እየ።”