ኤርምያስ 46:1-28

  • ኣንጻር ግብጺ እተዘርበ ትንቢት (1-26)

    • ግብጺ ብነቡካድነጻር ክትስዓር እያ (13, 26)

  • ንእስራኤል እተዋህበ ተስፋታት (27, 28)

46  እቲ ብዛዕባ ኣህዛብ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦+  ብዛዕባ ግብጺ፡+ ብዛዕባ እቲ ብራብዐይቲ ዓመት ዮያቂም+ ወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ ዝነበረን ብነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ኣብ ከርከሚሽ እተሳዕረን ሰራዊት ፈርኦን ኔኮ+ ንጉስ ግብጺ፦   “ንኣሽቱ ዋላቱን* ዓበይቲ ዋላቱን ኣዳልዉ፣ናብ ውግእ ድማ ቅረቡ።   ኣቱም ፈረሰኛታት፡ ንኣፍራስ ጽዒንኩም ተወጥሕዎም። ቍራዕ ርእስኹም ጌርኩም ደው በሉ። ሕላስኩም ወልውሉ፡ ድርዕኹም እውን ልበሱ።   ‘ስለምንታይ እየ ተሸቢሮም ዝርእዮም ዘለኹ፧ የንሳሕቡ ኣለዉ፡ ጀጋኑኦም ተሓምሺሾም እዮም። ብስምባድ ይሃድሙ ኣለዉ፡ ጀጋኑኦም ኣይተመልሱን። ሽበራ ኣብ ዙርያ ኣሎ’ ይብል የሆዋ።   ‘ፈጣን ኪሃድም ኣይከኣለን፡ ጀጋኑ እውን ኬምልጡ ኣይከኣሉን። ኣብ ሰሜን፡ ኣብ ገማግም ፈለግ ኤፍራጥስተዓንቂፎም ወደቑ።’+   እቲ ኸም ፈለግ ኒል፡ከም ቡሕቡሕታ ማያት ርባታት ዚድይብ ዘሎ መን እዩ፧   ግብጺ ኸም ፈለግ ኒል፡+ከም ቡሕቡሕታ ማያት ኣፍላግ ይድይብ ኣሎ፣ንሱ ድማ፡ ‘ኣነ ኽድይብ፡ ንምድሪ እውን ክኸድና እየ። ንኸተማን ኣብኣ ንዚነብሩን ከጥፍእ እየ’ ይብል ኣሎ።   ኣቱም ኣፍራስ፡ ደይቡ! ኣቱም ሰረገላታት፡ ከም ዕቡድ ጋልቡ! እቶም ጀጋኑ፡እቶም ዋላቱ ዚሕዙ ኩሽን ጱጥን፡+እቶም ቀስቲ ዚሕዙን ዚግትሩን*+ ሉዲም፡+ ይቕረቡ። 10  “እታ መዓልቲ እቲኣ ናይቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ንተጻረፍቱ ሕነ ዚፈድየላ መዓልቲ ሕነ እያ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ምድሪ ሰሜን ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤፍራጥስ መስዋእቲ* ኣለዎ እሞ፡ ሰይፊ ኺውሕጥን ኪጸግብን ብደሞም ኪረውን እዩ።+ 11  ኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡በለሳን ክትወስድስ ናብ ጊልዓድ ደይቢ።+ ኣይክትሓውይን ኢኺ እሞ፡+ንኸንቱ ኣፋውስኪ ኣብዚሕኪ ኣለኺ። 12  ኣህዛብ ውርደትኪ ሰሚዖም ኣለዉ፣+ኣውያትኪ ድማ ነታ ምድሪ መሊእዋ ኣሎ። ከመይሲ፡ ጅግና ብጅግና ይዕንቀፍ ኣሎ፣ክልቲኦም ከኣ ሓቢሮም ይወድቁ ኣለዉ።” 13  የሆዋ ንነብዪ ኤርምያስ፡ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ንምድሪ ግብጺ ዚወቕዓ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦+ 14  “ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣውጁ።+ ኣብ ኖፍን* ኣብ ታህጳኔስን ኣውጁ።+ ከምዚ በሉ፦ ‘ሰይፊ ኣብ ዙርያኹም ኪውሕጥ እዩ እሞ፡ተዳሊኹም ቁሙ። 15  ስለምንታይ ሓያላትካ ተዀስቲሮም፧ የሆዋ ደፊእዎም እዩ እሞ፡ኣብ መትከሎም ኣይቈሙን። 16  ብብዝሒ ይዕንቀፉን ይወድቁን ኣለዉ። ንሓድሕዶም፡ “ተንስእ! ካብዚ ሕሱም ሰይፍስ፡ናብ ህዝብናን ናብ ዓድናን ንመለስ”ይባሃሃሉ ኣለዉ።’ 17  ኣብኡ ኸኣ፡‘ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣጋጣሚ* ዝሓለፎትርጉም ዘይብሉ ጫውጫውታ ጥራይ እዩ’ ኢሎም ኣወጁ።+ 18  እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ፡ ንሱ* ኣብ መንጎ ኣኽራን ዘሎ ኸም ታቦር፡+ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዘሎ ኸም ቀርሜሎስ+ ኪመጽእ እዩ። 19  ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ጓል፡ኣቕሑኺ ንምርኮ ኣዳልዊ። ኖፍሲ* መሰክሒ ኽትከውን፡ብሓዊ ኽትባራዕ፡* ብዘይ ነባሪ እውን ክትተርፍ እያ።+ 20  ግብጺ ኸም ጽቡቕ ዝትርኢታ ኣርሒ እያ፣ካብ ሰሜን ግና ተናኸስቲ ጽንጽያ ኺመጽዋ እዮም። 21  እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዕሱባት ተዋጋእታ እኳ ኸም ስቡሓት ምራኹት እዮም፣ግናኸ፡ ንሳቶም እውን ተመሊሶም ብሓባር ይሃድሙ ኣለዉ። መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ግዜ ምጽብጻቦም መጺእዎም እዩ እሞ፡ኣብ መትከሎም ኪቘሙ ኣይከኣሉን።’+ 22  ‘ኣእዋም ከም ዚቘርጹ* ሰባት፡ብሓይሊ፡ ምስ ፋሳት ይመጽዋ ኣለዉ እሞ፡ደሃያ ሸተተት ከም ዚብል ተመን እዩ። 23  ዱራ ዘይጠሓስ እኳ እንተ መሰለ፡ ኪቘርጽዎ እዮም’ ይብል የሆዋ። ‘ንሳቶምሲ ቝጽሪ ዘይብሎም ካብ ኣንበጣ ዚበዝሑ እዮም። 24  ጓል ግብጺ ኽትሓፍር እያ። ኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ኣሕሊፍካ ኽትውሃብ እያ።’+ 25  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘ሕጂ፡ ካብ ኖ*+ ናብ ኣሞንን+ ናብ ፈርኦንን ናብ ግብጽን ናብ ኣማልኽታን+ ናብ ነገስታታን፡ እወ፡ ናብ ፈርኦንን ናብ ኵሎም እቶም ብእኡ ዚእመኑን+ ቈላሕታይ እገብር ኣለኹ።’ 26  “‘ኣብ ኢድ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንን+ ኣብ ኢድ ገላዉኡን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ድሕሪኡ ግና ከም ቀደም ነበርቲ ኺህልውዋ እዮም’ ይብል የሆዋ።+ 27  ‘ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣይትፍራህ፣ኣታ እስራኤል እውን፡ ኣይትሸበር።+ ኣነስ ንዓኻ ኻብ ርሑቕ ከድሕነካ፡ንዘርእኻ ኸኣ ካብ ምድሪ ምርኮኦም ከድሕኖም እየ።+ ያእቆብ ኪምለስን ኪሃድእን እዩ፡ ኣይኪርበሽን ድማ እዩ፣ዜፍርሆ ኸኣ ኣይኪህሉን እዩ።+ 28  ስለዚ፡ ኣታ ጊልያይ ያእቆብ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ’ ይብል የሆዋ። ‘ንዅሎም እቶም ናባታቶም ዝበተንኩኻ ኣህዛብ ደኣ ኸጽንት እየ፣+ንዓኻ ግና ኣይከጽንተካን እየ።+ ብልክዕ ክግስጸካ* እየ እምበር፡+ከይቀጻዕኩስ ኣይክሓድገካን እየ።’”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ብነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።
ቃ.ቃ.፡ “ዚረግጹን።”
ወይ፡ “ማሕረዲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ሞፍን።”
ቃ.ቃ.፡ “ምዱብ ግዜ።”
ማለት፡ ወራሪ ግብጺ።
ወይ፡ “ሞፍሲ።”
ወይ፡ “ባድም ክትከውን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ዕንጨይቲ ኸም ዚኣርዩ።”
ማለት፡ ቲብጽ።
ወይ፡ “ንነፍሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ክእርመካ።”