ኤርምያስ 47:1-7

  • ኣንጻር ፍልስጥኤማውያን እተዘርበ ትንቢት (1-7)

47  ፈርኦን ንጋዛ ቕድሚ ምውቃዑ፡ ካብ የሆዋ ናብ ኤርምያስ ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን+ ዝመጸ ቓል እዚ እዩ።  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ማያት ካብ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ። ዜዕለቕልቕ ውሒዝ ኪኸውን እዩ። ነታ ምድርን ኣብኣ ንዘሎ ዅሉን፡ነታ ኸተማን ንነበርታን ኬዕለቕልቕ እዩ። እቶም ሰባት ኬእውዩ፡ኵሎም እቶም ኣብታ ምድሪ ዚቕመጡ ኸኣ ዋይዋይ ኪብሉ እዮም።   ብደሃይ ምንድቕዳቕ ሸዀናታት ኣፍራሱንብገልጠምጠም ሰረገላታቱንብደርጓዕጓዕ መንኰራዅራቱን፡ኣቦታት ኣእዳዎም ስለ ዝለመሳ፡ንደቆም እኳ ግልጽ ኣይኪብሉን እዮም፣   እታ እትመጽእ ዘላ መዓልትስ ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን+ ከተጥፍኦም እያ፣ንዅሉ እቲ ዝተረፈ መሻርኽቲ ኻብ ጢሮስን+ ካብ ሲዶንን+ ክትምንቍስ እያ፣የሆዋስ ንፍልስጥኤማውያን፡ነቶም ካብ ደሴት ካፍቶር*+ ዝተረፉ ኼጥፍኦም እዩ።   ጋዛ ኽትምለጥ* እያ። ኣሽቀሎን ስቕ ኢላ ኣላ።+ ኣቱም ተረፍ እቲ ጐልጐል ስንጭሮኦም፡*ክሳዕ መዓስ ሰብነትኩም ክትበጥሑ ኢኹም፧+   ኣየ፡ ሰይፊ የሆዋ!+ ክሳዕ መዓስ ኢኺ ስቕ ዘይትብሊ፧ ናብ ሰገባኺ ተመለሲ። ዕረፊ፡ ስቕ እውን በሊ።   የሆዋ ኣዚዝዋ ኸሎስ፡ከመይ ኢላ ስቕ ክትብል፧ ኣብ ኣሽቀሎንን ገምገም ባሕርን፡+እወ፡ ኣብኡ መዲብዋ ኣሎ።”

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ቅሬጥስ።
ማለት፡ ብሓዘንን ብሕፍረትን ርእሶም ኪላጽዩ እዮም።
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐሎም።”