ኤርምያስ 48:1-47

  • ኣንጻር ሞኣብ እተዘርበ ትንቢት (1-47)

48  ብዛዕባ ሞኣብ፡+ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ “ጠፊኣ እያ እሞ፡ ወይለኣ ኔቦ!+ ቂርያታዪም+ ሓፊራን ተታሒዛን ኣላ። እቲ እምባ* ሓፊሩን ፈሪሱን እዩ።+   ድሕሪ ደጊም ንሞኣብ ኣይኪውድስዋን እዮም። ‘ንዑ፡ ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ’ ኢሎምኣብ ሔስቦን+ ውድቀታ ኣሊሞምላ ኣለዉ። ኣቲ ማድሜን እውን፡ሰይፊ ይስዕበኪ ኣሎ እሞ፡ ስቕ በሊ።   ካብ ሖሮናይም+ ደሃይ ኣውያት፡ደሃይ ጥፍኣትን ዓብዪ ውድቀትን ይስማዕ ኣሎ።   ሞኣብ ተሰይራ እያ። ደቃ ብኽያቶም የስምዑ ኣለዉ።   ኣብ ዓቐበት ሉሒት እናበኸዩ ይድይቡ ኣለዉ፣ካብ ሖሮናይም ኣብ ዜውርድ ቍልቍለት ድማ ብሰንኪ መዓት ደሃይ ጭንቂ ይስማዕ ኣሎ።+   ህደሙ፡ ንህይወትኩም* ኢልኩም ኣምልጡ! ከም ኦም ጽሕዲ* ኣብ በረኻ ኹኑ።   ብግብርታትክን ብመዛግብትኽን ስለ እተኣመንኪ፡ንስኺ እውን ክትተሓዚ ኢኺ። ከሞሽ+ ከኣ ምስ ካህናቱን መሳፍንቱንናብ ምርኮ ኪኸይድ እዩ።   እቲ መጥፍኢ ናብ ኵለን ከተማታት ኪመጽእ እዩ፣ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይከተምልጥን እያ።+ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ስንጭሮ* ኺጠፍእ፡ጐልጐል* እውን ኪበርስ እዩ።   ሞኣብ እናዓነወት ክትሃድም እያ፡ከተማታታ እውን ነባሪ ዘይብለን መሰክሒኪዀና እየን እሞ፡ምልክት ግበሩላ።+ 10  ተልእኾ የሆዋ ብሸለልትነት ዚፍጽም ርጉም ይኹን! ሰይፉ ኻብ ምፍሳስ ደም ዚገትእ ርጉም ይኹን! 11  ሞኣባውያን ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም፡ኣብ ልዕሊ ሓተላኡ ኸም ዝጸንሐ ወይኒ ኣይተረበሹን። ካብ ሓደ ኣቕሓ ናብ ካልእ ኣቕሓ ኣይተገልበጡን፣ናብ ምርኮ ኣይከዱን። ስለዚ እዩ ጣዕሞም ዘይተለወጠ፡መዓዛኦም እውን ዘይተቐየረ። 12  “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ዚገላብጥዎም ሰባት ዚሰድደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ኪግልብጥዎምን ንኣቕሑኦም ጥራዩ ኺገብርዎን እዮም፣ ንኣጋንኦም ከኣ ኪሕምሽሽዎ እዮም። 13  ከምቲ ቤት እስራኤል በታ እምንቶኡ ዝዀነት ቤት-ኤል ዝሓፈረ፡ ሞኣባውያን ድማ ብከሞሽ ኪሓፍሩ እዮም።+ 14  “ንውግእ እተዳሎና ሓያላት ጀጋኑ ኢና” እትብሉስ ክንደይ ትደፍሩ፧+ 15  ‘ሞኣብ ጠፊኣ እያ፣ከተማታታ ኸኣ ተወሪረን እየን፣+ሕሩያት ኣጕባዞም እውን ተሓሪዶም እዮም’+ይብል እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ።+ 16  ጭንቂ ሞኣባውያን ኣብ ቀረባ ግዜ ይመጽእ ኣሎ፣ውድቀቶም እውን ብቕልጡፍ ይቐርብ ኣሎ።+ 17  ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ፡ኵሎም እቶም ስሞም ዚፈልጡ፡ ኪድንግጹሎም እዮም። ‘ኣየ እቲ ሓያል በትሪ፡ እቲ ዘንጊ ጽባቐ ኸመይ ኰን እዩ እተሰብረ!’ በልዎም። 18  ኣቲ ኣብ ዲቦን+ እትነብሪ ጓል፡ እቲ መጥፍኢ ሞኣብ ናባኺ ደዪቡ፡ንዕርድታትኪ ኸኣ ኬዕንዎ እዩ እሞ፡+ካብ ክብርኺ ውረዲ፣ጸሚእኪ* እውን ኮፍ በሊ። 19  ኣቲ ነባሪት ዓሮዔር፡+ ኣብ ጥቓ መገዲ ደው ኢልኪ ጠምቲ። ነቲ ዚሃድምን ነታ እተምልጥን፡ ‘እንታይ እዩ ዀይኑ፧’ ኢልኪ ሕተቲ። 20  ሞኣብ ሓፊራን ተሸቢራን ኣላ። ዋይዋይ በሉን ኣእውዩን። ሞኣብ ከም ዝጠፍአት፡ ኣብ ኣርኖን+ ኣውጁ። 21  “ፍርዲ ናብ ምድሪ ጐልጐል፡*+ ኣብ ልዕሊ ሖሎንን ያሃጽን+ ሜፋዓትን+ መጺኡ ኣሎ፣ 22  ኣብ ልዕሊ ዲቦንን+ ኔቦን+ ቤት-ዲብላታይምን፡ 23  ኣብ ልዕሊ ቂርያታዪምን+ ቤት-ጋሙልን ቤት-ምዖንን፡+ 24  ኣብ ልዕሊ ቄሪዮትን+ ቦጽራን፡ ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘለዋ ኸተማታት ምድሪ ሞኣብ እውን ይመጽእ ኣሎ። 25  ‘ብርታዐ* ሞኣብ ተቘሪጹ፡ቅልጽሙ ኸኣ ተሰይሩ እዩ’ ይብል የሆዋ። 26  ‘ንየሆዋ ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡+ ኣስክርዎ።+ ሞኣብ ኣብ ትፋኡ የንገርግር ኣሎ፣መላገጺ ድማ ኰይኑ ኣሎ። 27  እስራኤልዶ መላገጺ ዀይኑካ ኣይነበረን፧+ ርእስኻ ኽትንቕንቕን ኣንጻሩ ኽትዛረብንሲ፡ኣብ መንጎ ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ፧ 28  ኣቱም ነበርቲ ሞኣብ፡ ካብ ከተማታት ወጺእኩም ኣብ ኣኻውሕ ንበሩ፣ከምታ ኣብ ገማግም ጸድፊ ሰፈራ እትሰርሕ ርግቢ እውን ኩኑ።’” 29  “ብዛዕባ ትምክሕቲ ሞኣብ፡—ኣዝዩ ዕቡይ ምዃኑ፡—ብዛዕባ ዅርዓቱን ትምክሕቱን ትዕቢቱን ልዕልና ልቡን ሰሚዕና ኣለና።”+ 30  “‘ነድሩ እፈልጥ እየ’ ይብል የሆዋ፡‘እቲ ባዶ ዘረባኡ ግና ከንቱ ኪኸውን እዩ። ሓንቲ እኳ ኣይኪገብሩን እዮም። 31  ስለዚ፡ ንሞኣብ ዋይዋይ ክብለሉ፡ንዅሉ ሞኣብ ድማ ክበኽየሉ፡ንሰብ ቂር-ሔሬስ+ እውን ክቝዝመሎም እየ። 32  ካብቲ ንያዕዜር+ እተበኽየላ ብኽያት ዚበዝሕ ገይረ፡ኣቲ ተኽሊ ወይኒ ሲብማ፡+ ንዓኺ ኽበኽየልኪ እየ። እቲ ዚጭብጭብ ጨናፍርኪ፡ ባሕሪ ሰጊሩ። ናብ ባሕሪ፡ ናብ ያዕዜር በጺሑ። ኣብ ፍረ ሓጋይክን ኣብ ምህርቲ ወይንኽን፡እቲ መጥፍኢ ወሪዱ።+ 33  ታሕጓስን ደስታን ካብ ግራት ፍረታትንካብ ምድሪ ሞኣብን ጠፊኡ።+ ወይኒ ኻብ መጽመቚኡ ኸም ዘይውሕዝ ገይረዮ። እልል እናበለ ዚረግጽ ድማ ኣይኪህሉን እዩ። እቲ ደሃይሲ እተፈልየ ደሃይ ኪኸውን እዩ።’”+ 34  “‘ካብ ሔስቦን+ ክሳብ ኤልዓለ+ ኣውያት ኣሎ። ክሳብ ያሃጽ፡+ ካብ ጾዓር ክሳብ ሖሮናይምን+ ክሳብ ኤግላት-ሸሊሽያንድምጾም ዓው የብሉ ኣለዉ። ማያት ኒምሪም እኳ ኺባድም እዩ።+ 35  ናብ በሪኽ መስዋእቲ ዜምጽእንንኣምላኹ ዚስውእንካብ ሞኣብ ከጥፍእ እየ’ ይብል የሆዋ። 36  ‘ስለዚ፡ ልበይ ንሞኣብ ከም ሻምብቆ* ኪቝዝመሉ፡*+ልበይ ንሰብ ቂር-ሔሬስ ከም ሻምብቆ* ኪቝዝመሎም* እዩ። እቲ ዘጥረዮ ሃብትስ ኪጠፍእ እዩ። 37  ኵሉ ርእስስ መላጥ፡+ኵሉ ጭሕሚ እውን ቍሩጽ እዩ። ኣብ ኵሉ ኢድ ብጣሕ፡+ኣብ ሓቛቝ ከኣ ማቕ ኣሎ!’”+ 38  “‘ንሞኣብ ከም ድርቡይ ኣቕሓሰይረያ እየ እሞ፡ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብንኣብ ኵሉ ኣደባባያታንዋይዋይታ ጥራይ እዩ ዘሎ’ ይብል የሆዋ። 39  ‘ኣየ ኸመይ ኰን እያ እተሸበረት! ዋይዋይ በሉ! ሞኣብሲ ኸመይ ኰን እዩ ብሕፍረት ዝባኑ ዝመለሰ! ሞኣብ መላገጺ ዀይኑ፡ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ዅሎም መሸበሪ ዀይኑ።’” 40  “የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ከምቲ ንስሪ ዚንቈት፡+ንሱ ኣኽናፉ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ ኪዝርግሕ እዩ።+ 41  እተን ከተማታት ኪማረኻ፡ዕርድታታ ድማ ኪትሓዛ እየን። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ልቢ ጀጋኑ ሞኣብ፡ከም ልቢ ሓንቲ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።’” 42  “‘ሞኣብ ንየሆዋ ርእሱ ኣልዒሉሉ እዩ እሞ፡+ህዝቢ ኻብ ምዃን ኪጠፍእ እዩ።+ 43  ኣታ ነባሪ ሞኣብ፡ሽበራን ጕድጓድን መጻወድያን ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ’ ይብል የሆዋ። 44  ‘ካብ ሽበራ ዚሃድም፡ ናብ ጕድጓድ ኪወድቕ፡ካብ ጕድጓድ ዚወጽእ ድማ፡ ብመጻወድያ ኺትሓዝ እዩ።’ ‘ኣነስ ኣብ ሞኣብ ዓመት መቕጻዕቶም ከምጽእ እየ’ ይብል የሆዋ። 45  ‘እቶም ዚሃድሙ፡ ኣብ ጽላሎት ሔስቦን፡ ብዘይ ሓይሊ ደው ኢሎም ኣለዉ። ካብ ሔስቦንሲ ሓዊ፡ካብ ሲሆን ከኣ ሃልሃልታ ኺወጽእ እዩ።+ ንግምባር ሞኣብ፡ንቐረንቀራ ደቂ ህውከት ኪበልዕ እዩ።’+ 46  ‘ኣታ ሞኣብ፡ ወይለኻ! ህዝቢ ከሞሽ+ ጠፊኡ እዩ። ኣወዳትካስ ተማሪኾም ተወሲዶም እዮም፣ኣዋልድካ እውን ናብ ምርኮ ኸይደን እየን።+ 47  ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና፡ ንምሩኻት ሞኣብ ክእክቦም እየ’ ይብል የሆዋ። ‘ፍርዲ ሞኣብ ክሳብ ኣብዚ እዩ።’”+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ውሑስ መዕቈቢ።”
ወይ፡ “ንነፍስኹም።”
ወይ፡ “ተርሚን።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ከበሳ።”
ወይ፡ “ኣብ ኣጻምእ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኸበሳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀርኒ።”
ማለት፡ ኣብ ቀብሪ ብሓዘን ዚውቃዕ ሻምብቆ።
ወይ፡ “ኪናወጸሉ።”
ማለት፡ ኣብ ቀብሪ ብሓዘን ዚውቃዕ ሻምብቆ።
ወይ፡ “ኪናወጸሎም።”