ኤርምያስ 49:1-39

  • ኣንጻር ዓሞን እተዘርበ ትንቢት (1-6)

  • ኣንጻር ኤዶም እተዘርበ ትንቢት (7-22)

    • ኤዶም ደጊም ህዝቢ ኣይኪኸውንን እዩ (17, 18)

  • ኣንጻር ደማስቆ እተዘርበ ትንቢት (23-27)

  • ኣንጻር ቄዳርን ሓጾርን እተዘርበ ትንቢት (28-33)

  • ኣንጻር ዔላም እተዘርበ ትንቢት (34-39)

49  ብዛዕባ ዓሞናውያን፡+ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እስራኤልዶ ደቂ የብሉን እዩ፧ ወራሲዶኸ የብሉን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ እዩ ማልካም+ ንጋድ+ እተረስተያ፧ ስለምንታይከ እዩ ህዝቡ ኣብ ከተማታት እስራኤል ዚነብር ዘሎ፧”   “‘ስለዚ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ራባ+ ናይ ዓሞናውያን+ ደሃይ መጠንቀቕታ ውግእ* ዘስምዓለንመዓልትታት ይመጻ ኣለዋ’ ይብል የሆዋ። ‘ንሳ ዝባደመት ኵምራ ኽትከውን እያ፣ዓድታታ ኸኣ ብሓዊ ኺባርዓ እየን።’ ‘እስራኤል ድማ ነቶም ኣልቂቖምዎ ዝነበሩ ኺወርሶም እዩ’+ ይብል የሆዋ።   ‘ኣቲ ሔስቦን፡ ዓይ ጠፊኣ እያ እሞ፡ ዋይዋይ በሊ! ኣትን ዓድታት ራባ፡ ብኸያ። ማቕ ተኸደና። ማልካም ናብ ምርኮ ኪኸይድ፡ምስኡ እውን ካህናቱን መሳፍንቱን ኪኸዱ እዮም እሞ፡+ኣብ ደምበታት እናዞርክን ዋይዋይ በላ።   ኣቲ ብመዛግብታ እትእመንን“መን ኣንጻረይ ኪመጽእ እዩ፧” እትብልን ጠላም ጓል፡ስለምንታይ ኢኺ ብስንጭሮታትን*ብዚውሕዝ ጐልጐልክን እትምክሒ፧’”   “‘እንሆ፡ ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኺ ዘለዉዜርዕድ ነገር ከምጽኣልኪ እየ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። ‘ናብ ኵሉ ኣንፈት ክትብተኒ ኢኺ፣ነቶም ዚሃድሙ እውን ሓደ እኳ ኣይኪእክቦምን እዩ።’”   “‘ድሕርዚ ግና፡ ንምሩኻት ዓሞናውያን ክእክቦም እየ’ ይብል የሆዋ።”  ብዛዕባ ኤዶም፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ጥበብዶ ኣብ ቴማን+ ድሕሪ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ፧ ጽቡቕ ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ጠፊኡ እዩ፧ ጥበቦምዶ መሽሚሹ እዩ፧   ናብ ኤሳው ቈላሕታይ ዝገብረላ ግዜ ምስ መጸት፡ኣብኡ ጥፍኣት ከምጽእ እየ እሞ፡ኣቱም ነበርቲ ዴዳን፡+ ህደሙ፡ ተመለሱ! ኪዱ፡ ኣብ መዓሙቝ ተቐመጡ!   ኣረይቲ ወይኒ እንተ መጺኦምኻ፡ንቐሪም ዚኸውንዶ ኣይሓድጉን እዮም፧ ሰረቕቲ ብለይቲ እንተ መጺኦም፡ክንዲ እቲ ዝደለይዎ ጥራይ እዮም ዜዕንዉ።+ 10  ኣነ ግና ንኤሳው ጥራዩ ኽገብሮ እየ። ምእንቲ ኸይሕባእሲ፡ንመሕብኢኡ ክቐልዖ እየ። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ኵላቶም ኪጠፍኡ እዮም፣+ንሱ እውን ድሕሪ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ።+ 11  ንዘኽታማትካ ሕደጎም፣ኣነ ኸኣ ብህይወት ከንብሮም እየ፣መበለታትካ እውን ብኣይ ኪእመና እየን።” 12  የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ እቶም ነታ ጽዋእ ኪሰትይዋ ዘይተፈርዶም ካብ ሰተይዋ፡ ንስኻዶ ኸይተቐጻዕካ ኽትተርፍ ኢኻ፧ ክትሰትያ ኢኻ እሞ፡ ከይተቐጻዕካስ ኣይክትተርፍን ኢኻ።”+ 13  “ቦጽራ መሰክሕን+ መጻረፍን ባድምን መራገምን ከም እትኸውን፡ ብርእሰይ ምሒለ ኣለኹ” ይብል የሆዋ፣ “ኵለን ከተማታታ ድማ ንሓዋሩ ዑናታት ኪዀና እየን።”+ 14  ካብ የሆዋ ወረ ሰሚዐ፣“ተኣከቡ፡ ኣንጻራ ንዑ፣ንውግእ ተዳለዉ”+ዚብል ልኡኽ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ ኣሎ። 15  “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንእሽቶ፡ኣብ መንጎ ሰብ ንዑቕ ገይረካ ኣለኹ።+ 16  ኣታ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ እትነብር፡ዝበረኸ ዅርባ ድማ ዝሓዝካ፡እቲ ዘስዓብካዮ ምንቅጥቃጥ፡እቲ ድፍረት ልብኻ እዩ ኣታሊሉካ። ከም ንስሪ እኳ ኣብ ላዕሊ ሰፈርካ እንተ ሰራሕካ፡ካብኡ ኸውርደካ እየ” ይብል የሆዋ። 17  “ኤዶም ከኣ መሰክሒ ኽትከውን እያ።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ዅሉ ሰኪሑ ኺጥምታን ብሰሪ ዅሉ መዓታ ኼፋጽን እዩ። 18  ከምቲ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ምስ ተገልበጣ ዝዀነ፡+ ኣብኣ እውን ሓደ ሰብ እኳ ኣይኪቕመጥን፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣይኪሰፍርን እዩ”+ ይብል የሆዋ። 19  “እንሆ፡ ሓደ ኣንጻር እቲ ውሑስ መጓሰዪ ኸምቲ ኻብቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻታት ዚወጽእ ኣንበሳ+ ኺድይብ እዩ፣ ብቕጽበት ግና ካብኣ ኸህድሞ እየ። ኣብ ልዕሊኣ ድማ ሕሩይ ክሸይም እየ። ከማይ ዝበለስ መን እዩ፧ መን እዩ ዚብድሃኒ፧ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳኸ መን እዩ፧+ 20  ስለዚ፡ የሆዋ ኣንጻር ኤዶም ዝገበሮ ውሳነን* ኣንጻር ነበርቲ ቴማን ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ፦+ ብርግጽ ካብተን መጓሰ እተን ንኣሽቱ ኺጕተታ እየን። ንሱ ድማ ብሰንኮም መንበሪአን ኬባድም እዩ።+ 21  ብደሃይ ምውዳቖም፡ ምድሪ ኣንቀጥቂጣ። ኣውያት ኣሎ! እቲ ደሃይ ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ይስማዕ ኣሎ።+ 22  እንሆ፡ ከም ንስሪ ኺድይብን ኪንቈትን፡+ኣብ ልዕሊ ቦጽራ ኣኽናፉ ኺዝርግሕን እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምከም ልቢ ሓንቲ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።” 23  ብዛዕባ ደማስቆ፦+ “ሓማትን+ ኣርጳድን ክፉእ ወረ ሰሚዐን እየን እሞ፡ሓፊረን ኣለዋ። ብፍርሂ መኺኸን ኣለዋ። ኣብ ባሕሪ ዘይሃድእ ጭንቀት ኣሎ። 24  ደማስቆ ትብዓታ ጠፊኡ ኣሎ። ክትሃድም ኢላ ግልብጥ ኢላ፣ ግናኸ፡ ስምባድ ሒዝዋ። ከም እትወልድ ሰበይቲ፡ጭንቅን ቅልውላውን ሒዝዋ ኣሎ። 25  እታ ኸተማ ውዳሰ፡ እታ ኸተማ ፍስሃ፡ከመይ ኢላ እያ ዘይተሓድገት፧ 26  ኣጕባዛስ ኣብ ኣደባባያታ ኺወድቁ፡ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጠፍኡ እዮም” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 27  “ንመካበብያ ደማስቆ ብሓዊ ኸባርዕ እየ፣ንሱ እውን ንእተዓርደ ግምብታት ቤን-ሃዳድ ኪበልዖ እዩ።”+ 28  ብዛዕባ እተን ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ዝወቕዐን ቄዳርን+ መንግስትታት ሓጾርን፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ተንስኡ፡ ናብ ቄዳር ደይቡ፣ነቶም ደቂ ምብራቕ ኣጥፍእዎም። 29  ድንኳናቶምን መጓሰታቶምንዓለባታት ድንኳናቶምን ኵሉ ኣቕሑኦምን ኪውሰድ እዩ። ኣግማሎም ኪዝመታ እየን፣‘ሽበራ ኣብ ዙርያ ኣሎ!’ ኢሎም ኪጭድሩሎም እዮም።” 30  “ኣቱም ነበርቲ ሓጾር፡ ህደሙ፡ ኣርሒቕኩም ኪዱ! ኪዱ፡ ኣብ መዓሙቝ ተቐመጡ!” ይብል የሆዋ። “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎንሲ ኣንጻርኩም ስልቲ ምሂዙ፡ኣንጻርኩም እውን ሓሳብ ሓሲቡ ኣሎ።” 31  “ተንስኡ፡ ኣንጻር እቲ ብሰላም ዘሎ፡ኣንጻር እቲ ብደሓን ዚቕመጥ ህዝቢ ደይቡ!” ይብል የሆዋ። “መዓጹ ወይ ተገዳማት የብሉን፣ ተፈልዮም ይነብሩ ኣለዉ። 32  ኣግማሎም ዘመተ፡እተን ብዙሓት ማሎም ከኣ ምርኮ ኪዀና እየን። ነቶም ጸጕሪ ጕንዲ እዝኖም ዚቘርጹ፡+ናብ ኵሉ ንፋስ* ፋሕ ከብሎም እየ፣ጥፍኣቶም ድማ ካብ ኵሉ ኣንፈት ከምጽእ እየ” ይብል የሆዋ። 33  “ሓጾር ሰፈር ወኻሩ* ኽትከውን፡ንሓዋሩ ኸኣ ክትባድም እያ። ኣብኣ ሓደ ሰብ እኳ ኣይኪቕመጥን፡ወዲ ሰብ እውን ኣብኣ ኣይኪሰፍርን እዩ።” 34  እቲ ኣብ መጀመርታ ንግስና ጼዴቅያስ+ ንጉስ ይሁዳ ብዛዕባ ዔላም+ ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል የሆዋ እዚ እዩ፦ 35  “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ቀስቲ ዔላም፡+ ምንጪ* ሓይሎም እሰብር ኣለኹ። 36  ናብ ዔላም ካብ ኣርባዕተ ዅርናዕ ሰማያት፡ ኣርባዕተ ንፋሳት ከምጽኣላ እየ፣ ናብ ኵሉ እዚ ንፋሳት ድማ ፋሕ ከብሎም እየ። እቶም ካብ ዔላም እተበተኑ ዘይከድዎ ህዝቢ ኣይኪህሉን እዩ።’” 37  “ንዔላማውያን ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንህይወቶም* ዚደልይዋን ክሕምሽሾም እየ፣ ኣባታቶም መዓትን ዚነድድ ቍጥዓይን ከምጽእ እየ” ይብል የሆዋ። “ክሳዕ ዘጽንቶም ከኣ ሰይፊ ደድሕሪኦም ክሰድድ እየ።” 38  “ዝፋነይ ድማ ኣብ ዔላም+ ክገብር፡ ካብኡ እውን ንጉስን መሳፍንትን ከጥፍእ እየ” ይብል የሆዋ። 39  “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና፡ ንምሩኻት ዔላም ክእክቦም እየ” ይብል የሆዋ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ደሃይ ጭድርታ ውግእ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ብዓሚቝ ጐላጕልን።”
ወይ፡ “ምኽርን።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ኣንፈት።”
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
ቃ.ቃ.፡ “መጀመርያ።”
ወይ፡ “ንነፍሶም።”