ኤርምያስ 50:1-46

  • ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ትንቢት (1-46)

    • ካብ ባቢሎን ህደሙ (8)

    • እስራኤል ኪምለስ እዩ (17-19)

    • ማይ ባቢሎን ኪነቅጽ እዩ (38)

    • ባቢሎን ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ (39, 40)

50  እቲ የሆዋ ብዛዕባ ባቢሎን፡+ ብዛዕባ ምድሪ ከለዳውያን፡ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ እተዛረቦ ቓል፦   “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንገሩን ኣውጁን። ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉን ኣውጁን። ገለ እኳ ኣይትሕብኡ! ‘ባቢሎን ተታሒዛ።+ ቤል ሓፊሩ።+ መሮዳክ ተሸቢሩ። ምስልታታ ሓፊሮም። ጽዩፋት ጣኦታታ* ተሸቢሮም’ በሉ።   ካብ ሰሜንሲ ህዝቢ ኣንጻራ ደዪቡ ኣሎ።+ ንምድራ መሰክሒ ገይርዎ ኣሎ፣ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይቅመጥን ኣሎ። ሰብን እንስሳን ሃዲሞም ኣለዉ፣ከይዶም ኣለዉ።”  “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን ሓቢሮም ኪመጹ እዮም” ይብል የሆዋ።+ “እናበኸዩ ኪኸዱ፡+ ንየሆዋ ኣምላኾም እውን ኪደልይዎ እዮም።+  መገዲ ጽዮን ኪሓትቱ፡ ገጾም ናብቲ ኣንፈታ ኣቕኒዖም ከኣ፡+ ‘ንዑ፡ ብዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ምስ የሆዋ ንሕበር’ ኪብሉ እዮም።+  ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ኰይኑ ኣሎ።+ ጓሶቶም ኣስሒቶምዎም።+ ካብ ከረን ናብ ኵርባ ዀለል እናኣበሉ፡ ናብ ኣኽራን መሪሖምዎም። መዕረፊኦም ረሲዖም ኣለዉ።  ዝረኸብዎም ዘበሉ ዅሎም በሊዖምዎም፣+ ጸላእቶም ከኣ፡ ‘ንየሆዋ፡ ነቲ መንበሪ ጽድቅን ተስፋ ኣቦታቶምን ዝዀነ የሆዋ በዲሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ኣይበደልናን’ ኢሎም።”   “ካብ ማእከል ባቢሎን ህደሙ፣ካብ ምድሪ ከለዳውያን ውጹ፣+ቀቅድሚ መጓሰ ኸም ዚመርሑ እንስሳታት ኩኑ።   እንሆ፡ ኣነስ ካብ ምድሪ ሰሜን ኣኼባ ዓበይቲ ኣህዛብ፡+ኣንጻር ባቢሎን አተንስእን አምጽእን ኣለኹ። ተሰሊፎም ኪመጽዋ እዮም፣ካብኡ ኽትተሓዝ እያ። ፍላጻታቶም ከም ናይ ጀጋኑ እዩ፣ውሉዳት ዜስእን እዩ።+ ብዘይ ፍረ ኣይኪምለስን እዩ። 10  ከለዳ ምርኮ ኽትከውን እያ።+ ኵሎም እቶም ካብኣ ምርኮ ዚወስዱ፡ ኪጸግቡ እዮም”+ ይብል የሆዋ። 11  “ርስተይ ክትዝርፉ ኸለኹምሲ፡+ተሓጒስኩምን ተፈሲህኩምን ኢኹም።+ ከም ኣርሕስ ኣብ ሳዕሪ ጻሕቲርኩም፡ከም ኣፍራስ እውን ሓምሒምኩም ኢኹም። 12  ኣዴኹም ሓፊራ ኣላ።+ ወላዲትኩም ጕህያ ኣላ። እንሆ፡ ንሳ ኻብ ኣህዛብ ዝነኣሰት፡ማይ ዘይብሉ በረኻን ምድረ በዳን እያ።+ 13  ብሰንኪ ቝጥዓ የሆዋ፡ ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ፣+ጠሪሳ ኽትባድም እያ።+ ብባቢሎን ዚሓልፍ ዘበለ፡ ሰኪሑ ኺጥምታ፡ብሰሪ ዅሉ መዓታ እውን ኬፋጽየላ እዩ።+ 14  ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ* ዅልኹም፡ብዅሉ ሸነኽ ተሰሊፍኩም ኣንጻር ባቢሎን ምጹ። ንየሆዋ በዲላቶ እያ እሞ፡+ወርውሩላ፡ ፍላጻ ኣይትብቀቑ።+ 15  ብዅሉ ሸነኻ ጭድርታ ውግእ ጨድሩላ። ኢዳ ሂባ ኣላ። ሕነ የሆዋ እዩ እሞ፡+ኣዕኑዳ ወዲቑ፡ መካበብያኣ ፈሪሱ ኣሎ።+ ሕነኹም ፍደይዋ። ከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ።+ 16  ንዘራእን ብግዜ ቐውዒ ማዕጺድ ንዚሕዝንካብ ባቢሎን መንቍሱ።+ ብሰንኪ እቲ ሕሱም ሰይፊ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ኺምለስ፡ነፍሲ ወከፍ ነናብ ምድሩ ኺሃድም እዩ።+ 17  “ህዝቢ እስራኤልሲ ፋሕ ዝበሉ ኣባጊዕ እዮም።+ ኣናብስ በቲኖምዎም እዮም።+ ቅድም፡ ንጉስ ኣሶር በሊዕዎም፣+ ድሕሪኡ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ንኣዕጽምቶም ቈራጢምዎ።+ 18  ስለዚ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝገበርክዎ፡ ንንጉስ ባቢሎንን ንምድሩን እውን ከምኡ ኽገብር እየ።+ 19  ንእስራኤል ከኣ ናብ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፣+ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ድማ ኪበልዕ እዩ፣+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬምን+ ጊልዓድን+ እውን ኪጸግብ እዩ።’”* 20  “በተን መዓልትታት እቲአንን በታ ግዜ እቲኣን፡ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡በደል እስራኤል ኪድለ፡ግናኸ ኣይኪህሉን እዩ፣ሓጢኣት ይሁዳ ኸኣ ኣይኪርከብን እዩ” ይብል የሆዋ።+ 21  “ኣንጻር ምድሪ ሜራታይምን ኣንጻር ነበርቲ ጴኮድን ደይብ።+ ይቀተሉን ጠሪሶም ይጥፍኡን” ይብል የሆዋ። “ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ግበር። 22  ኣብታ ምድሪ ደሃይ ውግእንዓብዪ መዓትን ኣሎ። 23  እዚ ሞደሻ ዅሉ ምድሪ ኸመይ ኢሉ ዀን እዩ እተቘርጸን እተሰብረን!+ ባቢሎንሲ ኸመይ ኢላ ዀን እያ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መሰክሒ ዝዀነት!+ 24  ኣቲ ባቢሎን፡ ኣነ መፈንጠራ ኣጻዊደልኪ፡ ንስኺ እውን ተታሒዝኪ፣ኣይፈለጥክዮን ከኣ። ንየሆዋ ኢኺ እተጻረርክዮ እሞ፡ተረኺብክን ተታሒዝክን ኢኺ።+ 25  የሆዋ ማዕከኑ ኸፊቱ ኣሎ፣ኣጽዋር ቍጥዓኡ ድማ የውጽእ ኣሎ።+ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊትሲ፡ኣብ ምድሪ ከለዳውያን ዚገብሮ ኣለዎ። 26  ካብ ርሑቕ ቦታታት ኣንጻራ ምጹ።+ ማዕከናታ ኽፈቱ።+ ከም ኵምራታት እኽሊ ዀምርዋ። ጠሪስኩም ኣጥፍእዋ።+ ሓደ እኳ ኣይተትርፉላ። 27  ንዅሎም ዝራብዓታ ቕተልዎም፣+ናብ ማሕረዲ ኣውርድዎም። መዓልቶም፡ግዜ ምጽብጻቦም መጺኣ እያ እሞ፡ ወይለኦም! 28  ኣብ ጽዮን ሕነ የሆዋ ኣምላኽና፡ሕነ ቤተ መቕደሱ ኺነግሩስ፡+ደሃይ እቶም ዚሃድሙ፡ካብ ምድሪ ባቢሎን ዜምልጡ ይስማዕ ኣሎ። 29  ኣንጻር ባቢሎን ቀስተኛታት፡ኵሎም እቶም ቀስቲ ዚግትሩ* ኣኽትቱ።+ ኣብ ዙርያኣ ስፈሩ፣ ሓደ እኳ ኣየምልጥ። ከም ግብራ ፍደይዋ።+ ከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ።+ ንሳስ ንየሆዋ፡ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ተዓብያትሉ እያ።+ 30  ስለዚ፡ ኣጕባዛ ኣብ ኣደባባያታ ኺወድቁ፡+ኵሎም ተዋጋእታ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጠፍኡ* እዮም” ይብል የሆዋ። 31  “ኣታ ደፋር፡+ መዓልትኻ፡ እታ ኣነ ተሓታቲ ዝገብረካ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ እሞ፡እንሆ፡ ኣንጻርካ እየ”+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። 32  “ኣታ ደፋር፡ ክትዕንቀፍን ክትወድቕን ኢኻ፣ሓደ እኳ ኣይኬተንስኣካን እዩ።+ ከተማታትካ ብሓዊ ኸባርዕ እየ፣ንሱ እውን ኣብ ዙርያኻ ንዘሎ ዅሉ ኺበልዖ እዩ።” 33  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን ጭቁናት እዮም፣ኵሎም እቶም ማሪኾም ዝወሰድዎም ሒዞምዎም ኣለዉ።+ ምሕዳጎም ኣብዮም ኣለዉ።+ 34  ተበጃዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ።+ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።+ ነታ ምድሪ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺህባን+ንነበርቲ ባቢሎን ምእንቲ ኼናውጾምን+ብርግጽ ንጕዳዮም ኪማጐተሉ እዩ።”+ 35  “ኣንጻር ከለዳውያንን ኣንጻር ነበርቲ ባቢሎንንኣንጻር መሳፍንታን ኣንጻር ጥበበኛታታን ሰይፊ ኣሎ” ይብል የሆዋ።+ 36  “ኣንጻር እቶም ባዶ ዚዛረቡ፡* ሰይፊ ኣሎ፣ ኪዕሽዉ ኸኣ እዮም። ኣንጻር ጀጋኑኣ ሰይፊ ኣሎ፣ ኪሽበሩ ድማ እዮም።+ 37  ኣንጻር ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን፡ኣንጻር ኵሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን ሰይፊ ኣሎ፣ከም ኣንስቲ ድማ ኪዀኑ እዮም።+ ኣንጻር መዛግብታ ሰይፊ ኣሎ፣ ኪዝመት እውን እዩ።+ 38  ኣብ ማያታ ጥፍኣት ኣሎ፣ ኪነቅጽ ከኣ እዩ።+ ንሳስ ምድሪ ቕሩጽ ምስልታት እያ፣+ብዜፍርህ ራእያቶም ድማ ይጽለሉ እዮም። 39  ስለዚ፡ ኣራዊት ምድረ በዳ ምስ ዚንቅዉ እንስሳታት ኪቕመጡ እዮም፣ኣብኣ ሰገናት ኪቕመጣ እየን።+ ደጊም ንሓዋሩ ነባሪ ኣይኪህልዋን እዩ፣ንውሉድ ወለዶ እውን መንበሪ ኣይክትከውንን እያ።”+ 40  “ከምቲ ኣምላኽ ንሶዶምን ንጎሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበራ ኸተማታትን+ ምስ ገልበጠን ዝዀነ፡+ ኣብኣ እውን ሓደ ሰብ እኳ ኣይኪቕመጥን፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣይኪሰፍርን እዩ” ይብል የሆዋ።+ 41  “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ፣ዓብዪ ህዝብን ዓበይቲ ነገስታትን+ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺትንስኡ እዮም።+ 42  ቀስትን መዝረቕን ሒዞም ኣለዉ።+ ጨካናትን ምሕረት ዘይብሎምን እዮም።+ ኣብ ኣፍራሶም ተወጢሖም ኪኸዱ ኸለዉ፡ደሃዮም ከም ዚሃምም ባሕሪ እዩ።+ ኣቲ ጓል ባቢሎን፡ ከም ሓደ ሰብ፡ ኣንጻርኪ ይስለፉ ኣለዉ።+ 43  ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ሰሚዑስ፡+ኣእዳዉ ተሓሊለን ኣለዋ።+ ጭንቂ ሒዝዎ፡ከም እትወልድ ሰበይቲ ጻዕሪ ሒዝዎ ኣሎ። 44  “እንሆ፡ ሓደ ኣንጻር እቲ ውሑስ መጓሰዪ ኸምቲ ኻብቲ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ዘሎ ጽዑቕ ጣሻታት ዚወጽእ ኣንበሳ ኺድይብ እዩ፣ ብቕጽበት ግና ካብኣ ኸህድሞም እየ። ኣብ ልዕሊኣ ድማ ሕሩይ ክሸይም እየ።+ ከማይ ዝበለስ መን እዩ፧ መን እዩ ዚብድሃኒ፧ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳኸ መን እዩ፧+ 45  ስለዚ፡ የሆዋ ኣንጻር ባቢሎን ዝገበሮ ውሳነን*+ ኣንጻር ነበርቲ ምድሪ ከለዳውያን ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ፦ ብርግጽ ካብተን መጓሰ እተን ንኣሽቱ ኺጕተታ እየን። ንሱ ድማ ብሰንኮም መንበሪአን ኬባድም እዩ።+ 46  ብደሃይ ምትሓዝ ባቢሎን፡ ምድሪ ኸተንቀጥቅጥ እያ። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ኣውያት ኪስማዕ እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ቃ.ቃ.፡ “እትረግጹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ነፍሱ ኽትጸግብ እያ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዚረግጹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስቕ ከም ዚብሉ ኺግበሩ።”
ወይ፡ “ናይ ሓሶት ነብያት።”
ወይ፡ “ምኽርን።”