ኤርምያስ 51:1-64

  • ኣንጻር ባቢሎን እተዘርበ ትንቢት (1-64)

    • ባቢሎን ብሃንደበት ኣብ ኢድ ሜዶናውያን ክትወድቕ እያ (8-12)

    • መጽሓፍ ናብ ኤፍራጥስ ተደርበየት (59-64)

51  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ንባቢሎንን ንነበርቲ ለብ-ቃማይን*ዜጥፍእ ንፋስ አተንስእ ኣለኹ።+   ናብ ባቢሎን፡ ኣዝረውቲ ኽሰድድ እየ፣ንሳቶም ከኣ ኬዝርውዋን ንምድራ ጥራያ ኺገብርዋን እዮም፣ብመዓልቲ መዓት፡ ብዅሉ ሸነኽ ኣንጻራ ኺመጹ እዮም።+   ቀስተኛ ቐስቱ ኣይገትር።* ሓደ እኳ ድርዒ ተኸዲኑ ኣይተንስእ። ንኣጕባዛ ኣይትራሕርሑሎም።+ ኵሉ ሰራዊታ ኣጥፍኡ።   ኣብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡ኣብ ጐደናታታ እውን ውጉኣት ኪወድቁ እዮም።+   እስራኤልን ይሁዳንሲ ብኣምላኾም፡ ብየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ መበለት ኣይኰኑን።+ ግናኸ፡ ምድሮም* ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ብበደል ዝመልአት እያ።   ግዜ ሕነ የሆዋ እዩ፣ከምቲ ዝገበረቶ ድማ ይፈድያ ኣሎ እሞ፡+ካብ ማእከል ባቢሎን ህደሙ፣ንህይወትኩም* ኢልኩም ኣምልጡ።+ ብሰሪ ስሕተታ ኣይትጥፍኡ።   ባቢሎን ኣብ ኢድ የሆዋ ጽዋእ ወርቂ እያ ነይራ፣ንዅላ ምድሪ ኣስኪራታ እያ። ካብ ወይና ኣህዛብ ሰኺሮም እዮም፣+ስለዚ እዮም ኣህዛብ እተጸለሉ።+   ባቢሎን ብሃንደበት ወዲቓን ተሰባቢራን እያ።+ ዋይዋይ በሉላ!+ ምናልባት እንተ ሓወየትሲ፡ ንስቓያ በለሳን ኣምጽኡላ።”   “ንባቢሎን ከነሕውያ ፈቲንናስ፡ ኣይሓወየትን። ሕደግዋ፡ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ምድርና ንኺድ።+ ፍርዳስ ክሳብ ሰማያት በጺሑ እዩ፣ክሳብ ደበናታት ዝምልዓሉ እዩ።+ 10  የሆዋ ፍትሒ ኣውጺኡልና ኣሎ።+ ንዑ፡ ኣብ ጽዮን ግብሪ የሆዋ ኣምላኽና ነዘንቱ።”+ 11  “ፍላጻታት ስሓሉ፣+ ከበብቲ ዋላቱ ኣልዕሉ።* የሆዋ ንባቢሎን ኬዕንዋ ስለ ዝሓሰበ፡ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዒሉ ኣሎ።+ እዝስ ሕነ የሆዋ፡ ሕነ ቤተ መቕደሱ እዩ። 12  የሆዋ ስልቲ ምሂዙ፡እቲ ኣንጻር ነበርቲ ባቢሎን እተዛረቦ ኸኣ ኪፍጽሞ እዩ እሞ፡+ኣንጻር መካበብያ ባቢሎን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ።+ ዘብዐኛታት ኣበርትዑ፡ ሓለውቲ ኣቝሙ። ኣድብዮም ንዘለዉ ኣዳልውዎም።” 13  “ኣቲ ምስ ብዙሕ መዛግብቲ+ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጢ ሰበይቲ፡+መወዳእታኺ፡ ደረት* መኽሰብኪ መጺኡ።+ 14  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ ብርእሱ* ምሒሉ ኣሎ፦ ‘ከም ኣንበጣ ብዝምብዛሖም ሰባት ክመልኣኪ እየ፣ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሌኺ ብዓወት ኪጭድሩ እዮም።’+ 15  ንሱ ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ፡ብጥበቡ ንፍርያም ምድሪ ዝሰረታ፡+ብኣእምሮኡ ኸኣ ንሰማያት ዝዘርግሐ እዩ።+ 16  ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ኣብ ሰማያት ዘሎ ማያት ይናወጽ፣ካብ ወሰናት ምድሪ ድማ ደበናታት* የዕርግ። ንዝናም በርቂ* ይገብረሉ፣ካብ ማዕከኑ እውን ንፋስ የውጽእ።+ 17  ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን። ኵሉ ኣንጠረኛ ብሰሪ እቲ ጽሩብ ምስሊ ይሓፍር፣+እቲ ፍሱስ ምስሉስ ናይ ሓሶት እዩ፣መንፈስ* ከኣ የብሎምን።+ 18  ናይ ሓሶት*+ እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም። መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም። 19  ግደ ያእቆብ ከምዚኣቶም ኣይኰነን፣ንሱስ ንዅሉ ዝደኰነ እዩ፣በትሪ ርስቱ ኸኣ እዩ።*+ ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።”+ 20  “ንስኻ በትሪ ውግአይ፡ ኣጽዋር ውግአይ ኢኻ፣ከመይሲ፡ ብኣኻ ኣህዛብ ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ መንግስትታት ከዕኑ እየ። 21  ብኣኻ ፈረስን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ሰረገላን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ። 22  ብኣኻ ሰብኣይን ሰበይትን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ኣረጊትን ቈልዓን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ጐበዝን ጐርዞን ክሕምሽሽ እየ። 23  ብኣኻ ጓሳን መጓሰኡን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ሓረስታይን ዝጸመዶም እንስሳታቱን ክሕምሽሽ እየ። ብኣኻ ሹማምንትን መኳንንትን ክሕምሽሽ እየ። 24  ንባቢሎንን ንዅሎም ነበርቲ ከለዳን፡ስለቲ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኣብ ጽዮን ዝፈጸምዎ እከይ ክፈድዮም እየ”+ ይብል የሆዋ። 25  “ኣታ እተጥፍእ ከረን፡ ኣታ ንብዘላ ምድሪ እተጥፍእ፡+እንሆ፡ ኣነ ኣንጻርካ እየ”+ ይብል የሆዋ። “ኣንጻርካ ኢደይ ክዝርግሕ፡ ካብ ኣኻውሕ ከኣ ከንከባልለካ፡ዝነደደ ኸረን እውን ክገብረካ እየ።” 26  “ንዘለኣለም ባድም ስለ እትኸውን፡+ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይ እምኒ መሰረት ዚወስድ የልቦን” ይብል የሆዋ። 27  “ኣብታ ምድሪ ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉ።+ ኣብ መንጎ ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ። ኣንጻራ ኣህዛብ ሽሙ።* ኣንጻራ መንግስትታት ኣራራትን+ ሚኒን ኣሽከናዝን+ ኣኽትቱ። ኣንጻራ ኣኽታቢ መዝዙ። ኣፍራስ ከም ጸጓራት ኣንበጣ ኣደይቡላ። 28  ኣንጻራ ኣህዛብን ነገስታት ሜዶንን፡+ሹማምንታን መኳንንታን፡ኵለን እተን ዚገዝእወን ሃገራትን ሽሙ።* 29  የሆዋ ንምድሪ ባቢሎን መሰክሕን ብዘይ ነባርን ኪገብራ ኢሉ+ኣንጻር ባቢሎን ዝሓሰቦ ሓሳብ ኪፍጸም እዩ እሞ፡ምድሪ ኸተንቀጥቅጥን ራዕራዕ ክትብልን እያ። 30  ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም ኣለዉ። ኣብ ዕርድታቶም ተቐሚጦም ኣለዉ። ሓይሎም ተወዲኡ እዩ።+ ከም ኣንስቲ ዀይኖም ኣለዉ።+ ኣባይታ ብሓዊ ነዲዱ እዩ። ተገዳማታ ተሰይሩ ኣሎ።+ 31  ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ሸነኽ ከም እተታሕዘት ኪነግርሲ፡+ሓደ መልእኽተኛ ነቲ ኻልእ መልእኽተኛ ኺረኽቦ፡ሓደ ልኡኽ ድማ ነቲ ኻልእ ልኡኽ ኪረኽቦ ይጐዪ ኣሎ። 32  መሳገሪታት ከም እተታሕዘ፡+ጃለቡ ጳጲሮስ ብሓዊ ኸም ዝነደዳ፡እቶም ተዋጋእቲ እውን ከም እተሸበሩ ኺነግርሲ ይጐዪ ኣሎ።” 33  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦ “ጓል ባቢሎን ከም ዓውዲ እያ። ኣመና እትርገጸሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ቍሩብ ጸኒሑ፡ ግዜ ቐውዒ ኺመጻ እዩ።” 34  “ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን በሊዑኒ፣+ኣሸቢሩኒ። ከም ጥራዩ ኣቕሓ ገይሩኒ። ከም ዓብዪ ተመን ውሒጡኒ።+ ከብዱ ብጽቡቐይ መሊኡ። ጸሪጉኒ። 35  ‘እቲ ኣባይን ኣብ ሰብነተይን እተገብረ ዓመጻ፡ ኣብ ባቢሎን ይውረድ!’ ትብል ነባሪት ጽዮን።+ ‘ደመይ ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከለዳ ይውረድ’ ትብል የሩሳሌም።” 36  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ንጕዳይኪ እማጐተልኪ ኣለኹ፣+ሕነ ኸኣ ክፈድየልኪ እየ።+ ባሕራ ኸንጽፎ፡ ዒላታታ እውን ከንቅጾ እየ።+ 37  ንባቢሎን ድማ ኵምራ ኣእማንን+ሰፈር ወኻሩን*+መሰክሕን መፋጸይንብዘይ ነባርን ክገብራ እየ።+ 38  ሓቢሮም ከም ሽደናት ኣናብስ ኪጓዝሙ እዮም። ከም ኰራዅር ኣናብስ ሕኒን ኪብሉ እዮም።” 39  “ምስ ረሰኑ፡ ምእንቲ ኺፍስሁስ፡+ክድግሰሎምን ከስክሮምን እየ፣ሽዑ፡ ዘይነቕሑሉናይ ሓዋሩ ድቃስ ኪድቅሱ እዮም”+ ይብል የሆዋ። 40  “ከም ገንሸላትን* ከም ደዓውልን ከም ድቤላታትንናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።” 41  “ሼሻኽሲ* ኸመይ ኰን እያ እተማረኸት!+ እታ ውዳሰ ብዘላ ምድርስ ከመይ ኰን እያ እተታሕዘት!+ ባቢሎን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከመይ ኰን እያ መሰክሒ ዝዀነት! 42  ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን መጺኡ ኣሎ። ብብዝሒ ማዕበላቱ ተኸዲና ኣላ። 43  ከተማታታ መሰክሕን ማይ ዘይብለንን ምድረ በዳን ኰይነን ኣለዋ። ሰብ ዘይነብራን ወዲ ሰብ ዘይሓልፋን ምድሪ ዀይና ኣላ።+ 44  ቈላሕታይ ናብ ቤል+ ናብ ባቢሎን ክገብር፡ነቲ ዝወሓጦ ድማ ካብ ኣፉ ኸውጽኦ እየ።+ ድሕሪ ደጊም ኣህዛብ ናብኡ ኣይኪውሕዙን እዮም፣መካበብያ ባቢሎን እውን ኪወድቕ እዩ።+ 45  ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ውጹ!+ ንህይወትኩም* ኢልኩም ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ+ ኣምልጡ!+ 46  በቲ ኣብታ ምድሪ ዚስማዕ ወረ ኣይትጃጅዉ ወይ ኣይትፍርሁ። ብሓንቲ ዓመት ወረ ኺመጽእ፡በታ እትቕጽል ዓመት ከኣ ካልእ ወረ ኺመጽእ እዩ፣እወ፡ ኣብታ ምድሪ ናይ ዚህሉ ዓመጻን ኣንጻራ ናይ ዚመጽእ ገዛእን ወረ ኺውረ እዩ። 47  ስለዚ፡ እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዚገብረለንመዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ኵሉ ምድራ ኺሓፍር እዩ፣ኵሎም ቅቱላታ እውን ኣብ ማእከላ ኺወድቁ እዮም።+ 48  እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ኪመጽዋ እዮም እሞ፡+ሰማያትን ምድርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉንብባቢሎን እልል ኪብል እዩ”+ ይብል የሆዋ። 49  “ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ጥራይ ኣይኰነትን ኣውዲቓ፣+የግዳስ፡ ኣብ ባቢሎን ቅቱላት ኵላ ምድሪ እውን ወዲቖም እዮም። 50  ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም፡ ኪዱ፡ ደው ኣይትበሉ!+ ንየሆዋ ኻብ ርሑቕ ዘክርዎ፣የሩሳሌም እውን ኣብ ልብኹም ትምጻእ።”+ 51  “ባጫ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ሓፊርና ኣለና። ጓኖት ኣንጻር መቕደስ ቤት የሆዋ መጺኦም እዮም እሞ፡+ውርደት ንገጽና ሸፊንዎ ኣሎ።” 52  “ስለዚ፡ እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብቲ ቕሩጽ ምስልታታ ዚገብረለንመዓልትታት ይመጻ ኣለዋ” ይብል የሆዋ፡“ኣብ ብዘሎ ምድራ ኸኣ ቍሱላት ኪግዕሩ እዮም።”+ 53   “ባቢሎን ክሳብ ሰማያት እኳ እንተ ደየበት፡+ነቲ ነዋሕቲ ዕርድታታ እኳ እንተ ኣጽንዐት፡መጥፋእታ ኻባይ ኪመጹ እዮም”+ ይብል የሆዋ። 54  “ስምዑ! ካብ ባቢሎን ኣውያት፡+ካብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ደሃይ ብርቱዕ ጥፍኣት ይስማዕ ኣሎ፣+ 55  የሆዋስ ንባቢሎን የጥፍኣ ኣሎ፣ነቲ ብርቱዕ ድምጻ ድማ ስቕ ኬብሎ እዩ፣ማዕበሎም ከኣ ከም ብዙሕ ማያት ኪሃምም እዩ። ደሃይ ድምጾም እውን ኪስማዕ እዩ። 56  እቲ መጥፍእስ ናብ ባቢሎን ኪመጽእ እዩ፣+ጀጋኑኣ ኺትሓዙ እዮም፣+ቀስትታቶም ኪሰባበር እዩ። የሆዋስ ኣምላኽ ፍዳ እዩ፣+ብርግጽ እውን ኪፈዲ እዩ።+ 57   ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጥበበኛታታንንሹማምንታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን ከስክሮም እየ፣+ዘይነቕሑሉ ናይ ሓዋሩ ድቃስ ድማ ኪድቅሱ እዮም”+ይብል እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ። 58  የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “መካበብያ ባቢሎን ገፊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ጠሪሱ ኺፈርስ እዩ፣+ኣፍ ደገታታ ኸኣ ነዊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ብኸንቱ ኺጽዕሩ፡ኣህዛብ ድማ ሓዊ ንዚበልዖ ኺደኽሙ እዮም።”+ 59  ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ+ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስናኡ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፣ ሰራያ ኸኣ ሓላፊ ዕጥቅን ስንቅን ነበረ። 60  ኤርምያስ ድማ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዚወርድ መዓት፡ ኵለን እተን ኣንጻር ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት፡ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ጸሓፈን። 61  ኤርምያስ ከኣ ንሰራያ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ባቢሎን ምስ በጻሕካን ምስ ረኣኻያን፡ ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን ዓው ኢልካ ኣንብበን። 62  ድሕሪኡ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኸም እትጠፍእን ሰብ ኰነ እንስሳ ኸም ዘይነብራን ንዘለኣለም ከም እትባድምን ብዛዕባኣ ተዛሪብካ ኢኻ’ በል።+ 63  ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካ፡ እምኒ እሰረላ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ። 64  ሽዑ፡ ‘ባቢሎን ብሰሪ እቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት፡ ከምዚ ኢላ ኽትጥሕል፡ መሊሳ እውን ከቶ ኣይክትትንስእን እያ፣+ ኪደኽሙ ድማ እዮም’ በል።”+ ክሳብ እዚ፡ ቃላት ኤርምያስ እዩ።

እግረ ጽሑፍ

እዚ፡ ምስጢራዊ ስም ከለዳ ይመስል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣይርገጽ።”
ማለት፡ ምድሪ ከለዳውያን።
ወይ፡ “ንነፍስኹም።”
ወይ፡ “ጕልድባታት ምልኡ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “መስፈር።”
ወይ፡ “ብነፍሱ።”
ወይ፡ “ግመ።”
ወይ፡ “መፈንቶ፣ መተንፍሶ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ትንፋስ።”
ወይ፡ “ከንቱነት።”
ወይ፡ “በትሪ ርስቱ ዝደኰነ ኸኣ ንሱ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ጋውሕታታትን።”
ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።
እዚ፡ ምስጢራዊ ስም ባቤል (ባቢሎን) ይመስል።
ወይ፡ “ንነፍስኹም።”