ኤርምያስ 52:1-34

  • ጼዴቅያስ ካብ ባቢሎን ዓለወ (1-3)

  • ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ከበባ (4-11)

  • ጥፍኣት እታ ኸተማን እታ ቤተ መቕደስን (12-23)

  • እቲ ህዝቢ ናብ ባቢሎን ተማሪኹ ተወስደ (24-30)

  • ዮያኪን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሐ (31-34)

52  ጼዴቅያስ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 21 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ድማ 11 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ሓሙጣል+ እዩ፣ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።  ንሱ ኸኣ፡ ከም ኵሉ እቲ ዮያቂም ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ይገብር ነበረ።+  እዚ ድማ ብምኽንያት ቍጥዓ የሆዋ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዚድርብዮም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ኰነ።+ ጼዴቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዓለወ።+  ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ንግስና ጼዴቅያስ፡ ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን ምስ ኵሉ ሰራዊቱ ኣንጻር የሩሳሌም መጸ። ኣንጻራ ሰፊሮም ድማ፡ ብዙርያኣ መንደቕ ከበባ ሃነጹላ።+  እታ ኸተማ ድማ ክሳዕ መበል 11 ዓመት ንጉስ ጼዴቅያስ ተኸቢባ ነበረት።  ኣብ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ+ ኸኣ፡ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፣ ንህዝቢ እታ ምድሪ ድማ እንጌራ ኣይነበረን።+  መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ብሓደ ቦታ ፈረሰ፣ ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለዉ ድማ፡ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ስፍራ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ድርብ መካበብያ ዘሎ ኣፍ ደገ ኣቢሎም ካብታ ኸተማ ሃደሙ፣ ብኣንፈት ዓራባ ኸኣ ከዱ።+  እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና፡ ንንጉስ ሰዓብዎ፣ ንጼዴቅያስ እውን ኣብ ጐልጐል ምድረ በዳ ያሪኮ ኣርከብዎ፣+ ኵሉ ሰራዊቱ ድማ ካብ ጐድኑ ፋሕ በለ።  ሽዑ፡ ንንጉስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኣብ ምድሪ ሓማት ዘላ ሪብላ ኣደየብዎ፣ ንሱ ኸኣ ፈረዶ። 10  ንጉስ ባቢሎን ድማ ንደቂ ጼዴቅያስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሓረዶም፣ ንዅሎም መሳፍንቲ ይሁዳ እውን ኣብኡ ኣብ ሪብላ ሓረዶም። 11  ሽዑ፡ ንጉስ ባቢሎን ንጼዴቅያስ ኣዒንቱ ኣዖሮ፣+ ብመቝሕ ነሓሲ ኣሲሩ እውን ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ፣ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ። 12  ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ንሳ ድማ ኣብ መበል 19 ዓመት ንጉስ ነቡካድነጻር* ንጉስ ባቢሎን፡ ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ ውሽጢ የሩሳሌም መጸ።+ 13  ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ኣንደደ፣+ ንዅለን ዓበይቲ ኣባይቲ እውን ኣንደደ። 14  እቲ ምስቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ድማ፡ ነቲ ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዝነበረ መካበብያ ኣፍረሶ።+ 15  ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ገለ ኻብቶም ትሑታት እቲ ህዝብን ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩ ዝተረፉ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ነቶም ናብ ንጉስ ባቢሎን ሰሊሞም ዝነበሩ ኸዳዓትን ነቶም ዝተረፉ ኽኢላታት ኢደ ጥበበኛታትን እውን ወሰዶም።+ 16  ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና፡ ንገለ ኻብቶም ድኻታት ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይንን ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎን ኪዀኑ ኢሉ ሓደጎም።+ 17  እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ኣዕኑድ ነሓስን+ ነቲ ዓረብያታትን+ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዝነበረ ባሕሪ ነሓስን+ ሰባበርዎ፣ ንዅሉ እቲ ነሓሲ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።+ 18  ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን መቐዛት መጥፍእን ጭሔሎታትን+ ጽዋኣትን+ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዜገልግል ዝነበረ ኣቕሑ ነሓስን እውን ወሰድዎ። 19  እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ድማ ነቲ ኻብ ናይ ሓቂ ወርቅን ብሩርን እተገብረ+ ገበራታትን+ መትሓዚታት ሓውን ጭሔሎታትን ድስትታትን ቀወምቲ ቐነዲልን+ ጽዋኣትን ጭሔሎታትን ወሰዶ። 20  ኵሉ ኣቕሑ ነሓሲ እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ባሕርን ኣብ ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዝነበረ 12 ብዕራይ ነሓስን+ ዓረብያታትን ከኣ ኪምዘን ዚከኣል ኣይነበረን። 21  እቲ ኣዕኑድ ድማ፡ ነናይ ሓደ ዓንዲ ቝመት 18 እመት* ነበረ፣ ዙርያኡ ኸኣ 12 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ነበረ፣+ ርጕዱ ድማ ኣርባዕተ ስፍሓት ኣጻብዕ* ነበረ፣ ጓንጓ እውን ነበረ። 22  ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ርእሲ ዓንዲ ኸኣ ካብ ነሓሲ ነበረ። ቍመት ሓደ ርእሲ ዓንዲ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረ፣+ ኵሉ እቲ ኣብ ዙርያ ርእሲ ዓንዲ ዝነበረ መርበብን ሮማናትን ከኣ ካብ ነሓሲ እተገብረ ነበረ። እቲ ኻልኣይ ዓንድን እቲ ሮማናትን ከኣ ከምኡ ነበረ። 23  ኣብ ጐድንታቱ 96 ሮማን ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ መርበብ፡ ኵሉ ዅሉ 100 ሮማን ነበረ።+ 24  እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንሰራያ+ እቲ ሊቀ ኻህናትን ንጸፎንያስ+ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስተ ሓለውቲ ማዕጾን ወሰዶም።+ 25  ካብታ ኸተማ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ተመዚዙ ዝነበረ ሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስትን ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ምስ ንጉስ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮም ሸውዓተ ሰባትን እቲ ንህዝቢ እታ ምድሪ ዚእክቦም ጸሓፊ ሓለቓ ሰራዊትን ካብ ተራ ህዝቢ እታ ምድሪ ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ 60 ሰባትን ወሰደ። 26  ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ወሲዱ፡ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም። 27  ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ+ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። በዚ ኸምዚ፡ ይሁዳ ኻብ ምድሩ ተማረኸ።+ 28  እቶም ነቡካድነጻር* ናብ ምርኮ ዝወሰዶም ህዝቢ እዚኣቶም እዮም፦ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት፡ 3,023 ኣይሁድ።+ 29  ኣብ መበል 18 ዓመት ነቡካድነጻር፡*+ 832 ሰባት* ካብ የሩሳሌም ተወስዱ። 30  ኣብ መበል 23 ዓመት ነቡካድነጻር፡* ነቡዛራዳን እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ናብ ምርኮ ዝወሰዶም ኣይሁድ፡ 745 ሰባት* እዮም።+ ኵሉ ዅሎም 4,600 ሰባት* ናብ ምርኮ ተወስዱ። 31  ኣብ መበል 37 ዓመት ምርኮ ዮያኪን+ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል 12 ወርሒ፡ ኣብ መበል 25 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ፈትሖ፡* ካብ ቤት ማእሰርቲ እውን ኣውጽኦ።+ 32  ንዕኡ ኸኣ ጽቡቕ ተዛረቦ፣ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበለ። 33  ዮያኪን ከኣ ክዳውንቲ ማእሰርቱ ቐንጠጠ፣ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ድማ ወትሩ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ። 34  ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኽሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ፡ ወትሩ ኻብ ንጉስ ባቢሎን መዓልታዊ ቐለብ ይውሃቦ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”
ሓደ እመት፡ 44.5 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ስፍሓት ኣጻብዕ 1.85 ሰ.ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ነቡካድረጻር።” ናይ ፊደል ለውጢ።
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ወይ፡ “ነፍሳት።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእሱ ኣልዓሎ።”