ኤርምያስ 6:1-30

  • ከበባ የሩሳሌም ቀረበ (1-9)

  • ነድሪ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም (10-21)

    • ሰላም ዘየልቦስ፡

  • ካብ ሰሜን ዚመጹ ጨካናት ወረርቲ (22-26)

  • ኤርምያስ መርማሪ ብረት ይኸውን (27-30)

6  መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን የንጸላሉ ኣሎ እሞ፡+ኣቱም ደቂ ብንያም፡ ካብ የሩሳሌም ርሒቕኩም ተዓቘቡ። ኣብ ተቆዓ+ መለኸት ንፍሑ፣+ኣብ ልዕሊ ቤት-ሃካሬም ምልክት ሓዊ ወልዑ!   ጓል ጽዮን ከም ሓንቲ ጽብቕትን ተነቃፊትን ትመስል።+   ጓሶትን መጓሰታቶምን ኪመጹ እዮም። ነፍሲ ወከፎም ንመጓሰኦም እናኣብልዑ፡+ኣብ ዙርያኣ ድንኳናቶም ኪተኽሉ እዮም።+   “ክትዋግእዋ ተዳለዉ!* ተንስኡ እሞ ብቐትሪ ነጥቅዓያ!” “መዓልቲ ይመሲ፡ጽላሎት ምሸት ድማ ይነውሕ ኣሎ እሞ፡ ወይለና!”   “ተንስኡ እሞ ብለይቲ ነጥቅዓያ፣እተዓርደ ግምብታታ ኸኣ ነፍርስ።”+   የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ዕንጨይቲ ቝረጹ፡ ንየሩሳሌም ዕርዲ ኸበባ ዀምሩላ።+ ተሓታቲት ክትከውን ዘለዋ ኸተማ እያ፣ኣብ ውሽጣ ብዘይካ ጭቈና ኻልእ የልቦን።+   ከምቲ መዕቘር ማይ ንማዩ ብዝሑሉ* ዜጽንሖ፡ከምኡ ድማ ንሳ ንእከያ ብዝሑሉ* ተጽንሖ። ዓመጻን ጥፍኣትን ኣብኣ ይስማዕ ኣሎ፣+ሕማምን መዓትን ወትሩ ኣብ ቅድመይ ኣሎ።   ኣቲ የሩሳሌም፡ መጠንቀቕታ ስምዒ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ፈንፊነኪ ኻባኺ ኽምለስ እየ፣*+ከባድመኪ፡ ነበርቲ ዘይብላ ምድሪ እውን ክገብረኪ እየ።”+   የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ከምቲ ኣብ ተኽሊ ወይኒ ንዝተረፈ ናይ መወዳእታ ፍረ ወይኒ ዚገብርዎ፡ ንተረፍ እስራኤል ጠሪሶም ኪቕርምዎ እዮም። ከምቲ ኻብ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ወይኒ ዚኣሪ፡ ኢድካ መሊስካ ዘርግሕ።” 10  “ንመን ክዛረብን ከጠንቅቕን እየ፧ መንከ ኺሰምዕ እዩ፧ እንሆ፡ ኣእዛኖም ከየቕልባስ ተዓጽየን እየን።*+ እንሆ፡ ቃል የሆዋ ንዑቕ ኰይንዎም ኣሎ፣+ብእኡ እውን ባህ ኣይብሎምን እዩ። 11  ስለዚ፡ ብነድሪ የሆዋ መሊአ ኣለኹ፣ምሓዙ ድማ ኣድኪሙኒ ኣሎ።”+ “ኣብ ጐደና ኣብ ዘሎ ቘልዓ፡+ብሓባር ኣብ እተኣከቡ ኣጕባዝ ክዓዎ። ኵላቶም፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ፡ኣረገውቲ ምስቶም ዕድሚኦም ዘእከሉ* ኺትሓዙ እዮም።+ 12  ኣነ ኣንጻር ነበርቲ እታ ምድሪ ኢደይ ክዝርግሕ እየ እሞ፡ኣባይቶምን ግራውቶምን ኣንስቶምንንኻልኦት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ”+ ይብል የሆዋ። 13  “ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘይግቡእ ረብሓ ይረክብ፣+ካብ ነብዪ ኽሳዕ ካህን፡ ነፍሲ ወከፍ ይዕምጽ።+ 14  ሰላም ዘየልቦስ፡‘ሰላም ኣሎ! ሰላም ኣሎ!’ እናበሉ+ንመስበርቲ ህዝበይ ብቐሊሉ* ኼሕውዩ ይፍትኑ። 15  በቲ ዝገበርዎ ፍንፉን ነገር ይሓፍሩ ድዮም፧ ከቶ ኣይሓፍሩን እዮም! ውርደት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም!+ ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም ዝወደቑ፡ ኪወድቁ እዮም። ምስ ቀጻዕክዎም፡ ኪዕንቀፉ እዮም” ይብል የሆዋ። 16  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ኢልኩም ርኣዩ። ብዛዕባ እቲ ጥንታዊ መገድታት ሕተቱ፣እታ ጽብቕቲ መገዲ ኣበይ ከም ዘላ ሕተቱ እሞ ብእኣ ተመላለሱ፣+ንርእስኹም* ድማ ዕረፍቲ ርኸቡ።” ንሳቶም ግና፡ “ብእኣ ኣይንመላለስን ኢና” ይብሉ።+ 17  “ኣነ ድማ፡ ‘ናብ ደሃይ መለኸት ኣቕልቡ!’+ ዚብል ሓላዊ ሸምኩ።”+ ንሳቶም ግና፡ “ኣይነቕልብን ኢና” በሉ።+ 18  “ስለዚ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ስምዑ! ኣቱም ኣኼባ፡እንታይ ከም ዚዀኑ ፍለጡ። 19  ኣቲ ምድሪ፡ ስምዒ! ንሳቶም ናብ ቃላተይ ኣየቕለቡን፡ንሕገይ* ድማ ነጺጎምዎ እዮም እሞ፡ከም ፍረ ሓሳቦም፡ኣብዚ ህዝቢ እዚ መዓት አምጽእ ኣለኹ።”+ 20  “ጻዕዳ ዕጣን ካብ ሳባ፡ጥዑም ቃንጫ* ኸኣ ካብ ርሑቕ ሃገር ምምጻእኪዶ የገድሰኒ እዩ፧ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትኹም ኣይቅቡልን እዩ፣መስዋእቲ ሕሩድኩም ባህ ኣየብለንን እዩ።”+ 21  ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ መዐንቀፊ አንብረሉ ኣለኹ፣ብእኡ ድማ ኣቦታትን ደቅን፡ጐረቤትን ብጻይን፡ሓቢሮም ኪዕንቀፉንኵላቶም ኪጠፍኡን እዮም።”+ 22  የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ምድሪ ሰሜን ይመጽእ ኣሎ፣ዓብዪ ህዝቢ ኸኣ ካብ ግሉል ክፋላት ምድሪ ኺነቅሕ እዩ።+ 23  ቀስትን መዝረቕን ይሕዙ። ጨካናትን ምሕረት ዘይብሎምን እዮም። ድምጾም ከም ባሕሪ ይሃምም። ኣብ ኣፍራስ ድማ ይውጥሑ።+ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ከም ተዋጋኢ ሰብኣይ ኣንጻርኪ ይስለፉ።” 24  ብዛዕባኡ ወረ ሰሚዕና ኢና። ኣእዳውና ለሚሰን ኣለዋ፣+ጭንቂ ሒዙና፡ከም እትወልድ ሰበይቲ ቕልውላው ሒዙና ኣሎ።+ 25  ጸላእስ ሰይፊ ኣለዎ፡ሽበራ ድማ ኣብ ዙርያ ኣሎ እሞ፡ናብ መሮር ኣይትውጽኢ፡ብመገዲ ኸኣ ኣይትኺዲ። 26  ኣቲ ጓል ህዝበይ፡ማቕ ተኸደኒ፡+ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ጠንቀላዕላዕ በሊ። እቲ መጥፍኢ ብሃንደበት ኪመጸኪ እዩ እሞ፡+ከም ንሓደ ወዳ ጌርኪ ብመሪር ዋይዋይታ ሕዘኒ፣+ 27  “ኣብ መንጎ ህዝበይ መርማሪ ብረት፡ኣጸቢቑ ዚፍትሽ ፈታሺ ገይረካ ኣለኹ፣*መገዶም ከኣ ፍለጥን መርምርን። 28  ኵላቶም ነቓጻት፡+እናዞሩ ዚሓምዩ እዮም።+ ከም ነሓስን ሓጺንን እዮም፣ኵላቶም ብልሹዋት እዮም። 29  መናፍሕ ሓሪሩ ኣሎ። ካብ ሓዎም ዓረር ወጺኡ። ብኸንቱ ንምጽራይ ኣበርቲዕካ ተጻዒሩ፣+እቶም ክፉኣት ከኣ ኣይተፈልዩን።+ 30  የሆዋ ደርብይዎም እዩ እሞ፡+ድርባይ ብሩር ኢሎም ብርግጽ ኪጽውዕዎም እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”
ወይ፡ “ብሓድሹ፣ ከይበለየ።”
ወይ፡ “ብሓድሹ፣ ከይበለየ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ፈንፊናትኪ ኻባኺ ኽትምለስ እያ።”
ቃ.ቃ.፡ “እዝኖም ከይተቕልብ ዘይተገዝረት እያ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታቶም ዝመልኡ።”
ወይ፡ “ላዕለ ላዕሉ።”
ወይ፡ “ንነፍስኹም።”
ወይ፡ “ንትምህርተይ።”
ምዑዝ ሻምብቆ።
ማለት፡ ንኤርምያስ።