ኤፌሶን 2:1-22

  • ምስ ክርስቶስ ህያዋን ዝዀኑ (1-10)

  • ዚፈላሊ መንደቕ ፈረሰ (11-22)

2  ኣምላኽ ድማ፡ ንዓኻትኩም ብኣበሳኹምን ብሓጢኣትኩምን ምዉታት ንዝነበርኩም ህያዋን ገይሩኩም እዩ፣+  ንስኻትኩም ሓደ እዋን ከም ስርዓት* እዛ ዓለም እዚኣ፡+ ከምቲ ሓለቓ ስልጣን ኣየር፡+ ማለት ኣብቶም ደቂ ዘይተኣዛዝነት ዚዓዪ ዘሎ መንፈስ፡+ ትመላለሱ ኔርኩም።  ንሕና ዅላትና ኸኣ ሓደ እዋን፡ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትናን ፍቓድ እናፈጸምና፡+ ምስ ትምኒት ስጋና ተሰማሚዕና ኣብ መንጎኦም ንነብር ኔርና፣+ ከምቶም ካልኦት እውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ኢና ኔርና።+  እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ+ ግና ሳላ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡+  ብኣበሳና ምዉታት እኳ እንተ ነበርና፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገይሩና እዩ፡+—ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።  ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት ድማ፡+ ኣተንሲኡናን ኣብ ሰማያት ኣቐሚጡናን እዩ፣  ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓታት፡* እቲ ሓለፍ ዝበለ ሃብቲ ጸጋኡ ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎና ብሕያውነቱ* ምእንቲ ኼርኢ ኸኣ እዩ ኸምኡ ዝገበረ።  በዚ ጸጋ እዚ ድማ፡ ብእምነት ድሒንኩም ኣለኹም፣+ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።  ሓደ እኳ መመክሒ ምእንቲ ኸይረክብሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን።+ 10  ንሕና ስርሓት ኢድ ኣምላኽ ኢና፣* ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ኽንከውን ከኣ ኢና ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎና ሓድነት+ ተፈጢርና።+ 11  ስለዚ፡ ኣቱም ብስጋ ኣህዛብ፡ በቶም ብኢድ ኣብ ስጋ ብዚገብርዎ ነገር “ግዙራት” ዚብሃሉ፡ ሓደ እዋን “ዘይግዙራት” ከም እተብሃልኩም ዘክሩ፣ 12  በቲ ግዜ እቲ፡ ብዘይ ክርስቶስ፡ ካብ ህዝቢ እስራኤል ዝረሓቕኩም፡ ንኺዳናት ተስፋ እውን ኣጋይሽ ኢኹም ኔርኩም፣+ ተስፋ ኣይነበረኩምን፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ ኢኹም ኔርኩም።+ 13  ሕጂ ግና፡ ኣቱም ሓደ እዋን ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብደም ክርስቶስ ቀሪብኩም ኣለኹም። 14  ከመይሲ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ጕጅለ ሓደ ዝገበረ፡+ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ መንደቕ ዘፍረሰ፡+ ሰላምና እዩ።+ 15  ነቶም ክልተ ጕጅለ ምስኡ ብዘለዎም ሓድነት ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኺገብርን+ ሰላም ምእንቲ ኺገብርን፡ ብስጋኡ ነቲ ጽልኢ፡ ማለት ነቲ ትእዛዛትን ስርዓታትን ዝሓዘ ሕጊ ስዒርዎ እዩ፣ 16  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ብርእሱ ነቲ ጽልኢ ስለ ዝቐተለ፡+ ንኽልቲኦም ኣብ ሓደ ሰብነት ገይሩ ምስ ኣምላኽ ብጕንዲ ስቅያት* ምእንቲ ኼተዓርቖም እዩ።+ 17  መጺኡ ኸኣ ንዓኻትኩም ርሑቓት ንዝነበርኩም፡ ሰላም ኣበሲሩኩም እዩ፣ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ እውን ሰላም ኣበሲርዎም እዩ፣ 18  ምኽንያቱ፡ ክልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ ናጻ መእተዊ ኣሎና። 19  እምበኣርሲ፡ ደጊም ንስኻትኩም ንቕዱሳት ደቂ ዓዶምን+ ኣባላት ቤተ ሰብ ኣምላኽን ኢኹም እምበር፡+ ኣጋይሽን ጓኖትን ኣይኰንኩምን፣+ 20  ክርስቶስ የሱስ ባዕሉ እምኒ መኣዝን መሰረት ኪኸውን ከሎ፡+ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ መሰረት ሃዋርያትን ነብያትን ተነዲቕኩም ኣለኹም።+ 21  ምስኡ ብሓደ ድማ ብዘሎ እቲ ህንጻ እናተገጣጠመ+ ንየሆዋ* ዚኸውን ቤተ መቕደስ ንምዃን ይዓቢ ኣሎ።+ 22  ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብዘሎኩም ሓድነት፡ ብመንፈስ ማሕደር ኣምላኽ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣለኹም።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መገዲ።”
ወይ፡ “መዋእላት።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ብሞገሱ።”
ወይ፡ “ፍረ ግብሩ ኢና።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።