ኤፌሶን 3:1-21
3 ስለዚ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ እሱር+ ክርስቶስ የሱስ ዝዀንኩ፡—
2 ብዛዕባ እቲ ስሌኹም እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነትሲ+ ሰሚዕኩም ኣለኹም፣
3 ማለት ከምቲ ኣቐዲመ ኣሕጺረ ዝጸሓፍክዎ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ብራእይ ኣፍሊጡኒ እዩ።
4 ስለዚ፡ ነዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፡ ነቲ ብዛዕባ ቕዱስ ምስጢር+ ክርስቶስ ዘሎኒ ግንዛበ ኸተስተውዕልዎ ትኽእሉ ኢኹም።
5 እዚ ምስጢር እዚ ንቕዱሳት ሃዋርያትን ንነብያትን ብመንፈስ እተገልጸሎም ሕጂ ስለ ዝዀነ፡+ ብኻልኦት ወለዶታት ደቂ ሰብ ኣይተፈልጠን፣
6 ማለት ኣህዛብ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዚህልዎም ሓድነትን በቲ ብስራትን፡ መዋርስትን ኣካል ሓደ ሰብነትን+ መኻፍልቲ እቲ ተስፋን ኪዀኑ ኣለዎም።
7 ኣነ ኸኣ ከምቲ ብግብሪ ሓይሉ እተዋህበኒ ናጻ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ እዚ ዀይነ እየ።+
8 ንዓይ ካብ ኵሎም ቅዱሳት ንዝነኣስኩ፡+ እዚ ጸጋ እዚ ተዋሂቡኒ እዩ፣+ እዚ እተዋህበኒ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸበስር፡
9 እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ምምሕዳር ቅዱስ ምስጢር+ ድማ ንዅሎም ምእንቲ ኸርእዮም እዩ።
10 እዚ ኸኣ ሕጂ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ኣምላኽ በታ ጉባኤ ኣቢላ+ ኣብቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መንግስትታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኽትፍለጥ እዩ።+
11 እዚ እውን ከምቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ብዘሎና ሓድነት ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ዕላማ እዩ፣+
12 ብእኡን በቲ ኣብኡ ዘሎና እምነትን፡ እዚ ንምዝራብ ዜኽእል ትብዓትን ዜተኣማምን ናጻ መእተውን+ ኣሎና።
13 ስለዚ፡ እዚ ንዓኻትኩም ክብሪ እዩ እሞ፡ ስለቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባ ኸይትሕለሉ እልምነኩም ኣለኹ።+
14 ስለዚ፡ ንኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣለኹ፣
15 ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ዓሌት፡ ካብኡ እዩ ዚስመ።
16 ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ በቲ ብመንፈሱ ዚውሃብ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡+ ከም ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኺህበኩም፡
17 ብእምነትኩም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብፍቕሪ ምእንቲ ኺሓድር እጽሊ ኣለኹ።+ ኣብቲ መሰረት ሱር ስደዱን+ ተሰረቱን፣+
18 በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳት ግፍሑን ንውሓቱን ቍመቱን ዕምቈቱን እንታይ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ምስትውዓል ክትክእሉ፡
19 ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ክትፈልጥዋ ኢኹም፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ብዅሉ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ምልኣት ክትመልኡ ኢኹም።
20 ነቲ ኸምቲ ኣባና ዚዓዪ ዘሎ ሓይሉ ገይሩ፡+ ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚኽእል ድማ፡+
21 ንዕኡ በታ ጉባኤን ብክርስቶስ የሱስን ንዅሉ ውሉድ ወለዶ ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።