እብራውያን 11:1-40
11 እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት፡+ ናይቲ ዘይርአ ነገር ግሁድ መርኣያ* እያ።
2 ጥንቲ ዝነበሩስ* ብእኣ እዩ እተመስከረሎም።
3 እቲ ስርዓታት* ብቓል ኣምላኽ ከም እተሰርዐ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዚርአ ኻብቲ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕል ኣለና።
4 ኣቤል ካብ ናይ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕሪቡ እዩ፣+ ኣምላኽ ንመባኡ ብምቕባሉ፡* ጻድቕ ምዃኑ በታ እምነት እቲኣ ተመስኪሩሉ እዩ፣+ ምዉት ክነሱ ኸኣ፡ ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ።+
5 ሄኖክ፡+ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ፣ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ ኸኣ፡ ኣይተረኽበን፣+ ቅድሚ ምግዓዙስ ንኣምላኽ ባህ ከም ዘበሎ ተመስኪሩሉ እዩ።
6 ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ናብ ኣምላኽ ዚቐርብሲ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን ኪኣምን ይግብኦ እዩ።+
7 ኖህ+ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገራት መለኮታዊ መጠንቀቕታ ምስ ተቐበለ፡+ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ንምድሓን ቤተ ሰቡ እትኸውን መርከብ ብእምነት ሰሪሑ እዩ፣+ በታ እምነት እቲኣ ገይሩ ድማ ንዓለም ኰኒንዋ እዩ፣+ ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀይኑ እዩ።
8 ኣብርሃም+ ምስ ተጸውዐ፡ ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ።+
9 ኣብታ ምድሪ ተስፋ ጓና ዀይኑ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ብእምነት ይነብር ነይሩ እዩ፣+ ምስቶም ነታ ተስፋ እቲኣ መዋርስቱ ዝዀኑ ይስሃቅን ያእቆብን+ ከኣ ኣብ ድንኳን ተቐሚጡ እዩ።+
10 ከመይሲ፡ ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ እዩ ዚጽበ ነይሩ።+
11 ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡+ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ።
12 ስለዚ ድማ፡ ካብ ሓደ፡ ንሱ እውን ከም ምዉት ክነሱስ፡+ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝምብዛሖምን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዘይቍጸሩን+ ተወሊዶም እዮም።+
13 ኵሎም እዚኣቶም ነቲ ተስፋታት እኳ እንተ ዘይረኸብዎ፡+ ካብ ርሑቕ ርእዮም ግና ተቐቢሎምዎ እዮም፣+ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ኸኣ ብእምነት ጸኒዖም ሞይቶም እዮም።
14 እቶም ከምዚ ኢሎም ዚዛረቡስ፡ መንበሪ ዚዀኖም ናታቶም ቦታ ኣጸቢቖም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ እዮም።
15 ነቲ ሓዲጎምዎ ዝወጹ ይዝክሩ ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡+ ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ።
16 ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ናይ ሰማይ ዝዀነት ንምርካብ ይመጣጠሩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡+ ከም ኣምላኾም ብኣታቶም ኪጽዋዕ ኣይሓፍርን እዩ።+
17 ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡+ ብእምነት ንይስሃቅ ሰዊእዎ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣—እቲ ተሓጒሱ ተስፋታት እተቐበለስ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ፈቲኑ እዩ፣+—
18 እዚ ዝገበረ ኸኣ፡ “ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ” ተባሂሉሉ ኽነሱ እዩ።+
19 ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ግና ሓሲቡ እዩ፣ ካብኡ እውን ብምሳሌያዊ መገዲ ረኺብዎ እዩ።+
20 ይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ነገራት ንያእቆብን+ ንኤሳውን+ ብእምነት መሪቕዎም እዩ።
21 ያእቆብ ኪመውት ምስ በለ፡+ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መሪቕዎም እዩ፣+ ኣብ ጫፍ በትሩ ተመርኲሱ ኸኣ ሰጊዱ እዩ።+
22 ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ተዛሪቡ እዩ፣ ብዛዕባ ኣዕጽምቱ* እውን ትእዛዝ ሂቡ እዩ።+
23 ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡+ ኣዋጅ እቲ ንጉስ ከይፈርሁ፡+ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓቢኦምዎ እዮም።+
24 ሙሴ ምስ ዓበየ፡+ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል ብእምነት ኣብዩ እዩ፣+
25 ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ እዩ መከራ ኺጸግብ ዝሓረየ፣
26 ናብቲ ዚረኽቦ ዓስቢ ኣተኲሩ ስለ ዝጠመተ፡ ካብ መዛግብቲ ግብጽስ ነቲ ቕቡእ* ብምዃን ዚጽረፎ ጸርፊ ዝበዝሐ ሃብቲ ገይሩ እዩ ቘጺርዎ።
27 ነቲ ዘይርአስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ ስለ ዝጸንዐ፡+ ንቝጥዓ እቲ ንጉስ ከይፈርሀ፡+ ብእምነት ንግብጺ ሓዲግዋ እዩ።+
28 እቲ መጥፍኢ ንበዅራቶም ምእንቲ ኸይጐድእ፡* ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ኣብዒሉ እዩ።+
29 ንቐይሕ ባሕሪ ኸም ንቑጽ ምድሪ ገይሮም ብእምነት ተሳጊሮምዎ እዮም፣+ ግብጻውያን ከምኡ ኺገብሩ ምስ ፈተኑ ግና፡ ተዋሒጦም እዮም።+
30 መካበብያ ያሪኮ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወዲቑ እዩ።+
31 ረሃብ እታ ኣመንዝራ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይተኣዘዙ ኣይጠፍአትን።+
32 ደጊም እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡+ እኒ ባራቅ፡+ እኒ ሲምሶን፡+ እኒ ይፍታሕ፡+ እኒ ዳዊትን+ ሳሙኤልን+ ካልኦት ነብያትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ።
33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ስዒሮም፡+ ጽድቂ ኣምጺኦም፡ ተስፋታት ረኺቦም፡+ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዮም፡+
34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፊኦም፡+ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምሊጦም፡+ ካብ ድኻም በርቲዖም፡+ ኣብ ውግእ ሓዪሎም፡+ ንወራሪ ሰራዊት ሰጒጎም እዮም።+
35 ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም እየን፣+ ካልኦት ግና ዚሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓራ ምውጻእ* ስለ ዝኣበዩ፡ ተሰቅዮም እዮም።
36 ገሊኦም ድማ ብላግጽን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ብመቝሕን+ ብማእሰርትን+ ተፈቲኖም እዮም።
37 ብዳርባ እምኒ ተቐቲሎም፡+ ተፈቲኖም፡ ብመጋዝ ተቘሪጾም፡ ብሰይፊ ተቐቲሎም፡+ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞይሮም፡+ ስኢኖም፡ ጸቢብዎም፡+ መከራ ጸጊቦም እዮም፣+
38 ዓለም ከኣ ንዓታቶም እትበቅዕ ኣይነበረትን። ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን+ ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኰለል ኢሎም እዮም።
39 ኵሎም እዚኣቶም ግና፡ ብእምነቶም እኳ እንተ ተመስከረሎም፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን፣
40 ብዘይ ብኣና ፍጹማት ምእንቲ ኸይኰኑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሓይሽ ኣቐዲሙ ርእዩ እዩ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ዜእምን መርትዖ።”
^ ወይ፡ “ኣቦታትናስ።”
^ ወይ፡ “ንመባኡ ብምቕባል ኪምስክረሉ ኸሎ።”
^ ወይ፡ “ቐብሩ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ክርስቶስ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኸይትንኪ።”
^ ወይ፡ “ብበጃ ሓራ ምውጻእ።”