እብራውያን 3:1-19

  • የሱስ ካብ ሙሴ ይዓቢ (1-6)

    • ኵሉ ብኣምላኽ ተሰርሐ (4)

  • ብዛዕባ ዘይምእማን እተዋህበ መጠንቀቕታ (7-19)

    • “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም” (7, 15)

3  ስለዚ፡ ኣቱም ኣብቲ ሰማያዊ ጽውዓ* ግደ ዘሎኩም ቅዱሳት ኣሕዋት፡+ ናብቲ እንእመነሉ ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ዝዀነ የሱስ ኣስተብህሉ።+ 2  ከምቲ ሙሴ ኣብ ቤት ኣምላኽ እሙን ዝነበረ፡+ ንሱ እውን ነቲ ዝሸሞ እሙን እዩ።+ 3  ከምቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዚበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንሱ* እውን ካብ ሙሴ ዚበልጽ ክብሪ ዚግብኦ ዀይኑ ተቘጺሩ እዩ።+ 4  ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፣ እቲ ንዅሉ ዝሰርሐ ግና ኣምላኽ እዩ። 5  ሙሴ ብዛዕባ እቲ ደሓር ዚንገር ከም ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ፣ 6  ክርስቶስ ግና ከም ወዲ+ ኣብ ልዕሊ ቤት ኣምላኽ እሙን እዩ። ነቲ ንምዝራብ ዘሎና ትብዓትን ነታ ኽሳዕ መወዳእታ እንምክሓላ ተስፋን ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያስ፡ ንሕና ቤት ኣምላኽ ኢና።+ 7  ስለዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦+ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ 8  ከምቲ ብመዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ።+ 9  ኣብኡ ኣቦታትኩም ን40 ዓመት ግብርታተይ ርእዮም ክነሶምሲ፡ ተሃላሊኾምንን ፈቲኖምንን።+ 10  ስለዚ፡ ነዚ ወለዶ እዚ ፈንፊነዮስ፡ ‘ወትሩ ብልቦም ዜላግሱ እዮም፣ ንመገድታተይ እውን ኣይፈለጥዎን’ ኢለ። 11  ስለዚ፡ ብቝጥዓይ፡ ‘ናብ ዕረፍተይ ኣይኪኣትዉን እዮም’ ኢለ ምሒለ።”+ 12  ኣሕዋተየ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ ዘይኣምን እኩይ ልቢ ኸይህልዎ፡ ተጠንቀቑ፣+ 13  ግናኸ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ብሓጢኣት ተታሊሉ ኸይተርር፡ “ሎሚ” ኽሳዕ እተባህለ፡+ መዓልቲ መዓልቲ ንሓድሕድኩም ተተባብዑ። 14  ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረና እምንቶ ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናዮስ፡ መማቕልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣለና።+ 15  እዚ ድማ፡ “ሎሚ ድምጹ እንተ ሰሚዕኩም፡ ከምቲ ዝነደረሉ እዋን ልብኹም ኣይተትርሩ” ኸም እተባህለ እዩ።+ 16  ሰሚዖም ዘነደርዎኸ መን እዮም፧ ኵሎም እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ደይኰኑን፧+ 17  ንመንከ እዩ ኣምላኽ ን40 ዓመት ዝፈንፈኖም፧+ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧+ 18  ንመንከ እዩ ናብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለሎም፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ 19  ብሰሪ ዘይምእማን ኪኣትዉ ኸም ዘይከኣሉ ኸኣ ንርኢ ኣለና።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጻውዒት፣ ዕድመ።”
ማለት፡ የሱስ።