እብራውያን 6:1-20
6 ስለዚ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ክርስቶስ ካብ ሰገርና፡+ ናብ ብስለት ንገስግስ።+ ከም ብሓድሽ እውን መሰረት ኣይንሰርት፣ እዚ ድማ፡ ንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ እምነት ብኣምላኽ፡
2 ትምህርቲ ጥምቀታትን ምንባር ኣእዳውን፡+ ትንሳኤ ምዉታትን+ ናይ ዘለኣለም ፍርድን እዩ።
3 ኣምላኽ እንተ ፈቒድዎስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና።
4 እቶም ሓንሳእ ብርሃን ዝበርሃሎም፡+ ነቲ ሰማያዊ ናጻ ውህበት ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዀኑ፡
5 ነቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እቲ ዚመጽእ ስርዓትን* ከኣ ዝጠዓሙ፡
6 ግናኸ ዝወደቑ፡+ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎን መላገጺ ስለ ዚገብርዎን፡ ከም ብሓድሽ ናብ ንስሓ ኺምለሱ ኣይክእሉን እዮም።+
7 እታ ኣብኣ ብዙሕ ግዜ ንዝዘነመ ዝናም ሰትያ ነቶም ዚሓርስዋ ዚጠቅም ኣትክልቲ እትህብ ምድርስ፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ።
8 እሾዅን ተዀርባን እንተ ኣብቊላ ግና፡ ዘይትጠቅምን ጥቓ መርገምን እያ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ክትነድድ እያ።
9 ፍቑራተየ፡ ብዛዕባኹም ግና፡ በዚ ኸምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዚሓይሽን ናብ ድሕነት ዜብጽሕን ነገር ከም ዘሎ ርግጸኛታት ኢና።
10 ኣምላኽሲ ግብርኹም ኰነ ንስሙ ዘርኣኹምዎ ፍቕሪ፡+ ማለት ነቲ ነቶም ቅዱሳት ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን።
11 ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸት ተስፋ ኽትህልወኩም ግና፡+ እዚ ትግሃት እዚ ኸተርእዩ ንደሊ ኣለና፣+
12 እዚ ድማ ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነቲ ተስፋታት ዚወርስዎ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ፈዛዛት ምእንቲ ኸይትዀኑ እዩ።+
13 ኣምላኽ ንኣብርሃም ኬተስፍዎ ኸሎስ፡ ዚምሕለሉ ኻብኡ ዚዓቢ ስለ ዘየልቦ፡ ከምዚ ኢሉ ብርእሱ ምሒሉ እዩ፦+
14 “ብርግጽ ክባርኸካን ብርግጽ ከብዝሓካን እየ።”+
15 ኣብርሃም ድማ ተዓጊሱ ነዛ ተስፋ እዚኣ ረኺብዋ እዩ።
16 ሰባትሲ በቲ ኻብኦም ዚዓቢ እዮም ዚምሕሉ፣ ማሕላኦም ከኣ ሕጋዊ ውሕስነት ስለ ዝዀኖም፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድኣሎም እዩ።+
17 ከምኡ ኸኣ፡ ኣምላኽ ዕላማኡ* ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ+ ብንጹር ኬርእዮም ምስ ወሰነ፡ ብማሕላ ውሕስነት ሂቡ እዩ።*
18 ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ ንሕና እቶም እተማዕቈብና ዘበልና፡ በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይክእል+ ክልተ ዘይልወጣ ነገራት ጌርና፡ ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሓያል መተባብዒ ምእንቲ ኽንረክብ እዩ።
19 እዛ ዘላትና ተስፋ+ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡* ርግጽን ጽንዕትን እያ፣ ነቲ መጋረጃ ሓሊፋ ድማ ናብ ውሽጢ ትኣቱ እያ፣+
20 ኣብኡ ኸኣ እቲ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት+ ዝዀነ የሱስ ምእንታና ቕድሜና ኣትዩ ኣሎ።+