እዝራ 10:1-44

  • ጓኖት ኣንስቲ ኺሰድዱ ዝኣተውዎ ኺዳን (1-14)

  • ነተን ጓኖት ኣንስቶም ሰደድወን (15-44)

10  እዝራ እናጸለየን+ እናተናዘዘን እናበኸየን ኣብ ቅድሚ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተደፊኡ ኸሎ፡ ካብ እስራኤል ኣዝዮም ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ናብኡ ተኣከቡ፣ እቶም ህዝብስ ኣምሪሮም ይበኽዩ ነበሩ።  ሽዑ፡ ሸካንያ ወዲ የሒኤል+ ካብ ደቂ ዔላም+ ንእዝራ ኸምዚ በሎ፦ “ንሕና ኻብ ህዝብታት እዛ ምድሪ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና፡* ንኣምላኽና ጠሊምናዮ ኣለና።+ ይኹን እምበር፡ ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ።  ሕጂ ኸኣ ከም መምርሒ የሆዋን እቶም ንትእዛዝ ኣምላኽና ኣኽብሮት ዘለዎምን፡*+ ንዅለን ኣንስትን ነቶም ካባታተን እተወልዱን ክንሰድድ ምስ ኣምላኽና ኺዳን ንእቶ።+ ከምቲ ሕጊ ድማ ንግበር።  እዚ ነገር እዚ ሓላፍነትካ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ንሕና እውን ምሳኻ ኢና። በርትዕን ግበርን።”  ሽዑ፡ እዝራ ተንስአ፡ ከምቲ እተባህለ ኺገብሩ ኸኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንዅሎም እስራኤልን ኣምሓሎም።+ ንሳቶም ድማ መሓሉ።  እዝራ ኸኣ ካብ ቅድሚ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተንሲኡ ናብ ክፍሊ ቤት* ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ እኳ እንተ ኸደ፡ ብጥልመት እቶም ምሩኻት ይሓዝን ስለ ዝነበረ፡ እንጌራ ኣይበልዐን፡ ማይ እውን ኣይሰተየን።+  ኵሎም እቶም ምሩኻት ዝነበሩ ናብ የሩሳሌም ኪእከቡ ድማ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ።  ከም ውሳነ እቶም መሳፍንትን ዓበይትን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ኵሉ ጥሪቱ ኺውረስ፡* ካብ ጉባኤ እቶም ምሩኻት ከኣ ኪውገድ ተነግረ።+  ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኵሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ብሰንኪ እቲ ነገርን ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዝናምን እናኣንቀጥቀጡ፡ ኣብ ኣጸድ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። 10  ካህን እዝራ ኸኣ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፦ “ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውኩም፡ ጠሊምኩምን+ ንበደል እስራኤል ወሲኽኩምሉን ኢኹም። 11  ሕጂ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ተናዘዙሉ፡ ፍቓዱ እውን ግበሩ። ካብ ህዝብታት እዛ ምድርን ካብተን ጓኖት ኣንስትን ተፈለዩ።”+ 12  ሽዑ፡ ብዘለዉ እቶም ጉባኤ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፦ “ልክዕ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ግቡእና እዩ። 13  ግናኸ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ እዩ፡ ግዜኡ ኸኣ ወቕቲ ዝናም እዩ። ኣብ ግዳም ደው ምባል ድማ ኣይከኣልን እዩ፣ ኣብዚ ነገር እዚ ኣዚና ዓሊና ኢና እሞ፡ እቲ ነገር ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ጥራይ ኣይኰነን ኪወስድ። 14  ስለዚ፡ በጃኻ፡ መሳፍንትና ንብዘሎ እቲ ጉባኤ ወኪሎም ይቝሙ።+ ነቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዚነድድ ቍጥዓ ኣምላኽና ኻባና ኽሳዕ እንመልሶ፡ እቶም ኣብ ከተማታትና ዘለዉ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ፡ መምስ ዓበይትን ፈራዶን ከተማ ኣብ ምዱብ ግዜ ይምጽኡ።” 15  ግናኸ፡ ዮናታን ወዲ ዓሳሄልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ነዚ ተቓወምዎ፣ መሹላምን ሻብታይን+ እቶም ሌዋውያን ከኣ ደገፍዎም። 16  እቶም ምሩኻት ዝነበሩ ግና ከምቲ እተሰማምዑሉ ገበሩ፣ ካህን እዝራን ርእስታት ማይ ቤታትን፡ ኵሎም በብስሞም እተሰምዩ ድማ፡ ነቲ ነገር ኪምርምሩ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ እታ ዓስረይቲ ወርሒ ተፈልዮም ተኣከቡ። 17  ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ቐዳመይቲ ወርሒ ኸኣ፡ ንነገር ኵሎም እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ሰብኡት ወድእዎ። 18  ካብ ደቂ ኻህናት ድማ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ እዞም ዚስዕቡ ተረኽቡ፦+ ካብ ደቂ እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅን ኣሕዋቱን፡ ማዓስያን ኤልዔዘርን ያሪብን ገዳልያን። 19  ንሳቶም ግና ኣንስቶም ኪሰድዱ፡ በደልቲ ስለ ዝዀኑ ኸኣ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ፡ ድዑል ኪስውኡ ቓል ኣተዉ።*+ 20  ካብ ደቂ ኢመር+ ድማ፡ ሓናኒን ዘባድያን፣ 21  ካብ ደቂ ሓሪም+ ከኣ፡ ማዓስያን ኤልያስን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዝያን፣ 22  ካብ ደቂ ጳሽሑር+ ድማ፡ ኤልዮዔናይን ማዓስያን እስማኤልን ናትናኤልን ዮዛባድን ኤልዓሳን። 23  ካብ ሌዋውያን ከኣ፡ ዮዛባድን ሺምዒን ቄላያን (ንሱ ቀሊጣ) ጰታሕያን ይሁዳን ኤልዔዘርን፣ 24  ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ፣ ካብ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ፡ ሻሉምን ጤሌምን ኡሪን። 25  ካብ እስራኤል ድማ፡ ካብ ደቂ ጳርዖሽ፡+ ራምያን ዪዝያን ማልክያን ሚያሚንን ኣልኣዛርን ማልክያን በናያን፣ 26  ካብ ደቂ ዔላም+ ከኣ፡ ማታንያን ዘካርያስን የሒኤልን+ ዓብዲን የሬሞትን ኤልያስን፣ 27  ካብ ደቂ ዛቱ+ ድማ፡ ኤልዮዔናይን ኤልያሺብን ማታንያን የሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን፣ 28  ካብ ደቂ ቤባይ+ ከኣ፡ ዮሓናንን ሓናንያን ዛባይን ዓትላይን፣ 29  ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላምን ማሉክን ዓዳያን ያሹብን ሸኣልን የሬሞትን፣ 30  ካብ ደቂ ጳሓት-ሞኣብ+ ከኣ፡ ዓድናን ከላልን በናያን ማዓስያን ማታንያን በሳልኤልን ቢኑኢን ምናሴን፣ 31  ካብ ደቂ ሓሪም+ ድማ፡ ኤልዔዘርን ዪሺያን ማልክያን+ ሸማዕያን ሽምዖንን 32  ብንያምን ማሉክን ሸማርያን፣ 33  ካብ ደቂ ሓሹም+ ከኣ፡ ማትናይን ማታታን ዛባድን ኤሊፈለጥን የሬማይን ምናሴን ሺምዒን፣ 34  ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ ማዓዳይን ዓምራምን ኡኤልን 35  በናያን ቤድያን ከሉሂን 36  ዋንያን መሬሞትን ኤልያሺብን 37  ማታንያን ማትናይን የዓሳውን፣ 38  ካብ ደቂ ቢኑኢ ኸኣ፡ ሺምዒን 39  ሸለምያን ናታንን ዓዳያን 40  ማክናድባይን ሻሻይን ሻራይን 41  ዓዛርኤልን ሸለምያን ሸማርያን 42  ሻሉምን ኣማርያን ዮሴፍን፣ 43  ካብ ደቂ ኔቦ ድማ፡ የዒኤልን ማቲትያን ዛባድን ዘቢናን ያዳይን ዮኤልን በናያን። 44  ኵሎም እዚኣቶም ጓኖት ኣንስቲ ወሲዶም ነበሩ እሞ፡+ ነተን ኣንስቶም ምስ ደቀን ሰደድወን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ናብ ኣባይትና ብምእታውና።”
ቃ.ቃ.፡ “ብትእዛዝ ኣምላኽና ራዕራዕ ዚብሉን።”
ወይ፡ “መመገቢ ኣዳራሽ።”
ወይ፡ “ኺእገድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣእዳዎም ሃቡ።”