እዝራ 3:1-13

  • መሰውኢ ዳግም ተሰርሐ፡ ኣብኡ መስዋእቲ ቐረበ (1-6)

  • ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ጀመረ (7-9)

  • መሰረት እታ ቤተ መቕደስ ተሰረተ (10-13)

3  እታ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ምስ መጸት፡ እስራኤላውያን* ከኣ ኣብ ከተማታቶም ከለዉ፡ ብሓደ ሰሚሮም ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ።  እያሱ+ ወዲ የሆጻዳቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ዘሩባቤል+ ወዲ ሸኣልቲኤልን+ ኣሕዋቱን ድማ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እተጻሕፈ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚሓርር መስዋእቲ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ ተንሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።+  ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት እናፈርህዎም ክነሶም፡ ነቲ መሰውኢ ኣብቲ ናይ ቀደም ቦታኡ ኣቘምዎ፣+ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ፡ እቲ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረቡ።+  ከምቲ ጽሑፍ ከኣ በዓል ዳስ ኣብዓሉ፣+ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ቝጽሪ ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረቡ።+  ድሕርዚ፡ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን+ ናይ ሰርቅታት ወርሒ መስዋእትን+ ናይ ኵሉ እተቐደሰ በዓላት የሆዋ መስዋእትን+ እቲ ናይ ኵሎም እቶም ብፍታዎም ንየሆዋ ዝሃብዎ መስዋእቲ ፍታውን ኣቕረቡ።+  ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ኣትሒዞም፡ መሰረት እታ ቤተ መቕደስ የሆዋ እኳ ገና እንተ ዘይተሰረተ፡ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርቡሉ ጀመሩ።  ንወቐርቲ እምንን+ ንኢደ ጥበበኛታትን+ ገንዘብ፡ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዞ ኸኣ፡+ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ዕንጨይቲ ቄድሮስ ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ያፎ* ምእንቲ ኼምጽኡሎም፡ ምግብን መስተን ዘይትን ሃብዎም።+  ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ዚመጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልቲኤልን እያሱ ወዲ የሆጻዳቅን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶምን ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ ናብ የሩሳሌም ዝመጹን+ ነቲ ዕዮ ጀመርዎ፣ ነቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሌዋውያን፡ ኣብ ልዕሊ ዕዮ ቤት የሆዋ ተቘጻጸርቲ ኪዀኑ ሸምዎም።  ሽዑ፡ እያሱ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን፡ ቃድሚኤልን ደቁን፡ ደቂ ይሁዳ፡ ደቂ ሔናዳድ+ ከኣ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶምን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ነቶም ዕዮ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚዓይዩ ኺቈጻጸሩ ብሓደ ሓበሩ። 10  እቶም ሃነጽቲ፡ መሰረት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺስርቱ ኸለዉ፡+ እቶም ካህናት ወግዓዊ ልብሶም ለቢሶም፡ መለኸት እውን ሒዞም፡+ እቶም ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ድማ ጸናጽል ሸሓኒ ሒዞም፡ ከምቲ መምርሒ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ንየሆዋ ኺውድስዎ ደው በሉ።+ 11  “ንሱ ሕያዋይ* እዩ እሞ፡ ንእስራኤል ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ”+ ኢሎም እናተቓባበሉ ንየሆዋ ወደስዎን ኣመስገንዎን።+ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መሰረት ቤት የሆዋ ስለ እተሰረተ፡ ንየሆዋ እናወደሱ ዓው ዝበለ ጭድርታ ጨደሩ። 12  ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ርእስታት ማይ ቤታትን፡ እቶም ነታ ቐዳመይቲ ቤት ዝረኣዩ ኣረገውቲ፡+ መሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኺስረት ምስ ረኣዩ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ በኸዩ፣ ብዙሓት ካልኦት እውን ብታሕጓስ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ይጭድሩ ነበሩ።+ 13  እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ድማ ካብ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጐስ ካብቲ ድምጺ ብኽያት ኪፈልዮ ኣይከኣለን።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
ወይ፡ “ዮጴ።”
ወይ፡ “ሰናይ።”